ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 70 ገጽ 166-ገጽ 167 ሕ.ጽ. 2
  • መላእኽቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ኣበሰሩ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መላእኽቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ኣበሰሩ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ መዓስን ኣበይን ተወሊዱ፧
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • የሱስ ኣብ ደምበ ተወልደ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ምውላድ የሱስ —ኣበይን መዓስን፧
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ንየሱስ ክርስቶስ ብኸመይ ኢና ኽንዝክሮ ዘሎና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 70 ገጽ 166-ገጽ 167 ሕ.ጽ. 2
መላእኽቲ ንጓሶት ብዛዕባ ልደት የሱስ የበስርዎም

ትምህርቲ 70

መላእኽቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ኣበሰሩ

ቄሳር ኣውጉስጦስ ሃጸይ ሮሜ፡ ኵሎም ኣይሁድ ነናብ ከተማኦም ከይዶም ኪምዝገቡ ኣዋጅ ኣውጽአ። ዓሌት ዮሴፍ ኻብ ቤት-ልሄም ስለ ዝነበሩ፡ ሽዑ ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት-ልሄም ከዱ። ኣብቲ ግዜ እቲ ድማ፡ ማርያም እትወልደሉ ግዜ ቐሪቡ ነበረ።

ናብ ቤት-ልሄም ምስ በጽሑ፡ ብዘይካ ደምበ፡ ካልእ መሕደሪ ኺረኽቡ ኣይከኣሉን። ማርያም ከኣ ንወዳ የሱስ ኣብኡ ወለደቶ። ብልስሉስ ዓለባ ጠቕሊላ ኸኣ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።

ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ከኣ፡ ንመጓሰኦም እናሓለዉ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት ነበሩ። ብሃንደበት ድማ፡ መልኣኽ ኣብ ቅድሚኦም ደው በለ፣ ብርሃን ክብሪ የሆዋ ኸኣ ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ። እቶም ጓሶት እውን ፈርሁ። እቲ መልኣኽ ግና፡ ‘ኣይትፍርሁ። ብስራት ሒዘልኩም እየ መጺአ። ሎሚ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ተወሊዱ ኣሎ’ በሎም። ሽዑሽዑ ድማ፡ ብዙሓት መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ተራእዩ እሞ፡ ‘ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ሰማይ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ’ በሉ። ድሕሪኡ፡ እቶም መላእኽቲ ኣይተራእዩን። እሞኸ እቶም ጓሶት እንታይ ገበሩ፧

እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ ‘ሕጂ ናብ ቤት-ልሄም ንኺድ’ ተባሃሃሉ። ብቕልጡፍ ከይዶም ከኣ፡ ንዮሴፍን ንማርያምን ነቲ ሓድሽ እተወልደ ሕጻኖምን ኣብ ደምበ ረኸብዎም።

ብዛዕባ እቲ እቶም መላእኽቲ ነቶም ጓሶት ዝበልዎም ነገር ዝሰምዐ ዘበለ ዅሉ ድማ ተገረመ። ማርያም ከኣ ብዛዕባ ቓላት እቶም መላእኽቲ ኣጸቢቓ ትሓስብ ነበረት፡ ፈጺማ እውን ኣይረስዓቶን። እቶም ጓሶት ድማ ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዝረኣይዎን ዝሰምዕዎን ንየሆዋ እናኣመስገኑ ናብ መጓሰኦም ተመልሱ።

“ኣነ ኻብ ኣምላኽ መጺአ እየ ኣብዚ ዘለኹ . . . ንሱ ደኣ እዩ ልኢኹኒ እምበር፡ ኣነስ ብርእሰይ ኣይመጻእኩን።”—ዮሃንስ 8:42

ሕቶታት፦ እቶም መላእኽቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ከመይ ገይሮም እዮም ኣበሲሮም፧ እቶም ጓሶት ኣብ ቤት-ልሄም እንታይ እዮም ዝረኸቡ፧

ሉቃስ 2:1-20፣ ኢሳይያስ 9:6

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ