ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 50 ገጽ 120-ገጽ 121 ሕ.ጽ. 5
  • የሆዋ ንዮሳፋጥ ተኸላኸለሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ንዮሳፋጥ ተኸላኸለሉ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮሳፋጥ ኣብ የሆዋ ይውከል
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ንቤት የሆዋ ቕንኣት ይሃሉኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ኣብ ለሰ ምምዳብ ፍርዲ ተፈጺሙ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • 2 ዜና መዋእል—ትሕዝቶ
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 50 ገጽ 120-ገጽ 121 ሕ.ጽ. 5
ንጉስ ዮሳፋጥን እቶም ሌዋውያን ዘመርትን ነቲ ሰራዊት መሪሖምዎ ኻብ የሩሳሌም ይወጹ

ትምህርቲ 50

የሆዋ ንዮሳፋጥ ተኸላኸለሉ

ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነቲ ኣብታ ምድሪ ዝነበረ መሰውኢታት በዓልን ጣኦታትን ኣጥፍኦ። ነቶም ህዝቢ ኸኣ ሕግታት የሆዋ ኺሕልዉ ይደልዮም ነበረ። ስለዚ፡ ነቶም ህዝቢ ሕግታት የሆዋ ምእንቲ ኺምህርዎም፡ መሳፍንትን ሌዋውያንን ናብ ኵላ ይሁዳ ሰደደ።

እቶም ኣብ ከባቢ ይሁዳ ዝነበሩ ኣህዛብ፡ የሆዋ ምስ ህዝቡ ኸም ዝዀነ ስለ ዝፈለጡ፡ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ መጥቃዕቲ ምፍናው ፈርሁ። ንንጉስ ዮሳፋጥ እውን ህያባት ኣምጽኡሉ። ሞኣባውያንን ዓሞናውያንን ካብ ዞባ ሰዒር ዝዀኑ ህዝብን ግና ምስ ይሁዳ ኺዋግኡ መጹ። ዮሳፋጥ ከኣ ሓገዝ የሆዋ ኸም ዜድልዮ ፈለጠ። ንዅሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ድማ ናብ የሩሳሌም ኣከቦም። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ከኣ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ብዘይ ብኣኻ፡ ክንስዕር ኣይንኽእልን ኢና። እንታይ ከም እንገብር በጃኻ ንገረና’ ኢሉ ጸለየ።

የሆዋ ነቲ ጸሎቱ ኺምልስ ከሎ ድማ፡ ‘ኣይትፍርሁ። ኣነ ኽሕግዘኩም እየ። ቦታኹም ሒዝኩም ደው በሉ እሞ፡ ከመይ ገይረ ኸም ዘድሕነኩም ርኣዩ’ በለ። እሞኸ የሆዋ ብኸመይ ኣድሓኖም፧

ንጽብሒቱ፡ ዮሳፋጥ ዘመርቲ ሓርዩ፡ ቀቅድሚ እቲ ሰራዊት ከም ዚኸዱ ገበረ። ካብ የሩሳሌም ነቒሎም ከኣ ናብ ዓውደ ውግእ፡ ናብታ ተቆዓ እትብሃል ቦታ ተጓዕዙ።

እቶም ዘመርቲ ዓው ኢሎም ብታሕጓስ ንየሆዋ ኺውድስዎ ኸለዉ ኸኣ፡ የሆዋ ንህዝቡ ተዋግኣሎም። ንዓሞናውያንን ንሞኣባውያንን ከኣ ተደናጊሮም ንሓድሕዶም ከም ዚዋግኡ ገበሮም፣ ዋላ ሓደ እውን ኣይተረፈን። የሆዋ ግና ንህዝቢ ይሁዳን ንተዋጋእቶምን ንኻህናቶምን ኣዕቈቦም። ኵሎም እቶም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ዝነበሩ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበሮ ሰምዑ፣ የሆዋ ንህዝቡ ይከላኸለሎም ከም ዘሎ እውን ፈለጡ። የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ እዩ ዜድሕኖም፧ ብብዙሕ መገድታት ኬድሕኖም ይኽእል እዩ። ካብ ሰባት ሓገዝ ኣየድልዮን እዩ።

“ኣብዚ ውግእ እዚ ኽትዋግኡ ኣይኬድልየኩምን እዩ። ቦታኹም ሒዝኩም ደው በሉ እሞ፡ እቲ የሆዋ ምእንታኹም ዚገብሮ ድሕነት ርኣዩ።”—2 ዜና መዋእል 20:17

ሕቶታት፦ ዮሳፋጥ እንታይ ዓይነት ንጉስ እዩ ነይሩ፧ የሆዋ ንይሁዳ ብኸመይ እዩ ኣዕቊብዋ፧

2 ዜና መዋእል 17:1-19፣ 20:1-30

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ