ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lfb ትምህርቲ 8 ገጽ 26
  • ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ
  • ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ኣብርሃም—ዓርኪ ኣምላኽ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ኣብርሃምን ሳራን ንእምነቶም ክትቀድሓ ትኽእል ኢኻ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
ዝያዳ ርአ
ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
lfb ትምህርቲ 8 ገጽ 26
ኣብርሃምን ሳራን ካብ ኡር ንምውጻእ ንብረቶም ይጥርንፉ

ትምህርቲ 8

ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ

ካብ ባቤል ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ፡ ኡር እትብሃል ከተማ ነበረት። ነበርታ ኸኣ ንየሆዋ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዙሓት ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ። ኣብ ኡር ግና ንየሆዋ ጥራይ ዜምልኽ ሓደ ሰብኣይ ነበረ። ስሙ ኣብርሃም ይብሃል ነበረ።

የሆዋ ድማ ንኣብርሃም፡ ‘ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ወጺእካ፡ ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኺድ’ በሎ። ቀጺሉ ኸኣ፡ ‘ዓብዪ ህዝቢ ኽትከውን ኢኻ፣ ኣነ ድማ ብኣኻ ኣቢለ ኣብ ብዘላ ምድሪ ንዚነብሩ ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ክገብረሎም እየ’ በሎ።

ኣብርሃም ናበይ ከም ዚኸይድ ይፈልጥ ኣይነበረን፣ ንየሆዋ ግና ይኣምኖ ነበረ። ስለዚ፡ ኣብርሃምን ሰበይቱ ሳራን ኣቦኡ ታራን ሎጥ ዚብሃል ወዲ ሓውን ንብረቶም ጠርኒፎም ብተኣዛዝነት ነዊሕ ጕዕዞ ጀመሩ።

ኣብርሃምን ቤተ ሰቡን ኣብታ የሆዋ ኺርእይዋ ዝደለዮም ምድሪ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን፡ ዕድመ ኣብርሃም 75 ዓመት ኰይኑ ነበረ። እታ ምድሪ ኸኣ ምድሪ ከነኣን ትብሃል ነበረት። ኣብኡ ድማ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ኵላ እዛ እትርእያ ዘለኻ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ’ ኢሉ ቓል ኣተወሉ። ኣብርሃምን ሳራን ግና ኣሪጎም ነበሩ፣ ውሉድ ከኣ ኣይነበሮምን። እሞ ደኣ እቲ የሆዋ ዝኣተዎ ቓል ከመይ ኢሉ ኺፍጸም ክኢሉ፧

ኣብርሃምን ቤተ ሰቡን ናብ ምድሪ ከነኣን ይጕዓዙ

“ኣብርሃም . . . ናብቲ ኸም ርስቲ ኪቕበሎ ዘለዎ ቦታ ብምውጻእ፡ ብእምነት ተኣዚዙ እዩ፣ ናበይ ከም ዚኸይድ እኳ እንተ ዘይፈለጠ፡ ወጺኡ እዩ።”—እብራውያን 11:8

ሕቶታት፦ የሆዋ ንኣብርሃም እንታይ ኪገብር እዩ ሓቲትዎ፧ የሆዋ ንኣብርሃም እንታይ ኢሉ እዩ ቓል ኣትዩሉ፧

ዘፍጥረት 11:29–12:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:2-4፣ ገላትያ 3:6፣ እብራውያን 11:8

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ