ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 45 ገጽ 114-ገጽ 115 ሕ.ጽ. 3
  • ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣጋንንቲ ስልጣን ነበሮ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣጋንንቲ ስልጣን ነበሮ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ወደ መዝሙር ክኸውን ትጽቢት ዘይተገብሮ ሰብ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ዘለዎ ስልጣን
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ብናይ መን ሓይሊ እዩ ተኣምራት ዝገበረ፧
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 45 ገጽ 114-ገጽ 115 ሕ.ጽ. 3
ብዙሓት ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ሰብ ናብ የሱስ ይመጽእ

ምዕራፍ 45

ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ኣጋንንቲ ስልጣን ነበሮ

ማቴዎስ 8:28-34 ማርቆስ 5:1-20 ሉቃስ 8:26-39

  • ንኣጋንንቲ ምስ ኣውጽኦም፡ ናብ ሓሰማታት ኣተዉ

እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘጋጠሞም ዜፍርህ ነገር ሓሊፎም ኣብ ገምገም ምስ በጽሑ፡ ዜሰምብድ ነገር ኣጋጠሞም። ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ኣዝዮም ሕሱማት ሰባት ካብቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ መቓብር ወጺኦም ናብ የሱስ ጐየዩ። እቲ ሓደ ኻብቲ ኻልኣዩ ዝያዳ ሕሱምን ንዝነውሐ ግዜ ብኣጋንንቲ እተታሕዘን ስለ ዝነበረ እዩ ኪኸውን ዚኽእል፡ እቲ ዛንታ ኣብኡ ኣተኰረ።

እዚ ዜሕዝን ሰብ እዚ ንነዊሕ እዋን ጥራዩ ነበረ። ለይትን መዓልትን፡ “ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ድማ ብጽንጽሕለ ይበጥሕ ነበረ።” (ማርቆስ 5:5) ኣዝዩ ጨካን ስለ ዝነበረ፡ በታ መገዲ እቲኣ ደፊሩ ዚሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ኪኣስርዎ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ንሰንሰለት ይብጥሶ፡ ንኣእጋሩ ንዚኣስሩሉ መቝሕ ከኣ ይሰብሮ ነበረ። ኬሕምቖ ዝኸኣለ ድማ ሓደ እኳ ኣይነበረን።

እቲ ሰብ እቲ ናብ የሱስ ቀሪቡ ኣብ ኣእጋሩ ምስ ወደቐ፡ እቶም ተቘጻጺሮምዎ ዝነበሩ ኣጋንንቲ፡ “ኦ የሱስ ወዲ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይተሳቕየኒ ብኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ” ኢሉ ኸም ዚጭድር ገበርዎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብ እዚ ውጻእ” ኢሉ ብምእዛዝ ኣብ ልዕሊ ኣጋንንቲ ስልጣን ከም ዘለዎ ኣርኣየ።—ማርቆስ 5:7, 8።

ከም ሓቂ፡ ነቲ ሰብ እቲ ብዙሓት ኣጋንንቲ እዮም ሓዲሮምዎ ነይሮም። ስለዚ፡ የሱስ፡ “መን እዩ ስምካ፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ ንሱ፡ “ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ” ኢሉ መለሰሉ። (ማርቆስ 5:9) ሓደ ለጌዎን ሮማውያን ብኣሽሓት ወተሃደራት እዩ ዚቐውም ነይሩ፣ ስለዚ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሓቢሮም ብስቓይ እቲ ሰብ ይሕጐሱ ነይሮም እዮም። ንሳቶም ድማ ንየሱስ፡ “ናብ መዓሙቝ ኪኸዱ ኸይእዝዞም” ለመንዎ። ምስቲ መራሒኦም ዝዀነ ሰይጣን ኣብ መወዳእታ ናብ መዓሙቝ ከም ዚድርበዩ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።—ሉቃስ 8:31።

መጓሰ ሓሰማታት ካብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ቀላይ ይጥሕል

ኣብ ጥቓኡ 2,000 ኣቢለን ዝዀና ሓሰማታት ሳዕሪ ይበልዓ ነበራ፣ ሓሰማታት ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ርኹሳት እየን ነይረን፡ ኣይሁድ ድማ ሓሰማ ኼጥርዩ ኣይነበሮምን። እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ፡ “ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ፡ ናብአን ክንኣቱ” በልዎ። (ማርቆስ 5:12) የሱስ ድማ ፈቐደሎም፣ ንሳቶም እውን ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። ድሕሪኡ፡ ብምሉአን እተን 2,000 ዚዀና ሓሰማታት ካብቲ ጸድፊ ነፊጸን ናብ ባሕሪ ኣተዋ።

እቶም ጓሶተን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ገጠርን ኬውርዩ ጐየዩ። ሰባት ድማ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ መጹ። ምስ መጹ ኸኣ፡ እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብ ጥዕዩን ናብ ልቡ ተመሊሱን ረኣይዎ። ተኸዲኑን ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡን ድማ ነበረ።

የሱስ ነቲ ኣጋንንቲ ዝነበርዎ ሰብ፡ ናብ ቤቱ ከይዱ ንኣዝማዱ ኸም ዝሓወየ ኺዛረብ ይነግሮ

እቶም ብዛዕባ እዚ ዝሰምዑ ወይ ነቲ ሰብ እቲ ዝረኣይዎ ሰባት፡ እዚ ንዓታቶም እንታይ ከም ዜስዕበሎም ስለ ዘይተረድኦም ፈርሁ። ንየሱስ ድማ ካብ ዞባኦም ኬልግስ ለመንዎ። የሱስ ናብ ጃልባ ኺድይብ ከሎ፡ እቲ ኣጋንንቲ ዝነበርዎ ሰብ ምስኡ ኪኸይድ ለመኖ። የሱስ ግና፡ “ናብ ቤትካ፡ ናብ ሰብካ ኺድ፡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልካን ዝመሓረካን ንገሮም” በሎ።—ማርቆስ 5:19።

የሱስ፡ ሰባት በቲ ዚሰምዕዎ ስምዒታዊ ወረ ኣብ መደምደምታ ኺበጽሑ ይደሊ ስለ ዘይነበረ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ዜሕውዮም ንዋላ ሓደ ኸይነግሩ የጠንቅቖም ነይሩ እዩ። እቲ ኣጋንንቲ ዝነበርዎ ሰብ ግና ንሓይሊ የሱስ ዜርኢ ህያው መርትዖ እዩ ነይሩ፣ ነቶም የሱስ ብኣካል ኪረኽቦም ዘይክእል ሰባት ድማ ኪሰብኽ ኣጋጣሚ ነይርዎ እዩ። ምስክርነቱ ኸኣ ነቲ ብጥፍኣት እተን ሓሰማታት ኪልዓል ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ወረ ዜፍሽል ኪኸውን ይኽእል ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሰብ እቲ ኸይዱ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ፡ ኣብ ብዘሎ ደካጶሊስ ኬውሪ ጀመረ።

  • እቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ክልተ ኽነሶም፡ ኣብቲ ሓደ ጥራይ እተተኰረ ስለምንታይ እዩ፧

  • እቶም ኣጋንንቲ ብዛዕባ መጻኢኦም እንታይ ይፈልጡ ነበሩ፧

  • የሱስ ነቲ ኣጋንንቲ ዝነበርዎ ሰብ ብዛዕባ እቲ ዝገበረሉ ነገር ኪነግር መምርሒ ዝሃቦ ስለምንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ