ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 41 ገጽ 102-ገጽ 103 ሕ.ጽ. 4
  • ብናይ መን ሓይሊ እዩ ተኣምራት ዝገበረ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብናይ መን ሓይሊ እዩ ተኣምራት ዝገበረ፧
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ክትዕ ምኽንያት
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • የሱስ ምንጪ ሓጐስ ገለጸ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተኣምራት እኳ እንተ ገበረ፡ ሰብ ናዝሬት ኣይተቐበልዎን
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • “ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 41 ገጽ 102-ገጽ 103 ሕ.ጽ. 4
ኣብ ኣፍ ደገ እታ የሱስ ዝነበራ ቤት፡ ብዙሕ ህዝቢ ይእከብ

ምዕራፍ 41

ብናይ መን ሓይሊ እዩ ተኣምራት ዝገበረ፧

ማቴዎስ 12:22-32 ማርቆስ 3:19-30 ሉቃስ 8:1-3

  • የሱስ ዝገበሮ ኻልኣይ ዙረት ስብከት

  • ኣጋንንቲ ኣውጽአ፡ ይቕረ ዘይብሃሎ ሓጢኣት ከም ዘሎ እውን ኣጠንቀቐ

የሱስ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ፈሪሳዊ ብዛዕባ ሕድገት ሓጢኣት ድሕሪ ምዝራቡ ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ ገሊላ ኻልእ ዙረት ስብከት ጀመረ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ካልኣይ ዓመት ኣገልግሎቱ ሒዙ ነይሩ፣ በይኑ ኸኣ ኣይኰነን ዚጐዓዝ ነይሩ። እቶም 12 ሃዋርያትን “ካብ እኩያት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሓወያ” ገለ ኣንስትን ምስኡ ነበራ። (ሉቃስ 8:2) ገለ ኻባታተን ማርያም መግደላዊትን ሱሳናን እታ ሰብኣያ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ ዝነበረ ዮሃናን ዚብሃላ ነበራ።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ የሱስ እናፈለጡ ብዝኸዱ መጠን፡ ብዛዕባ ንጥፈታቱ ዚልዓል ዝነበረ ኽርክር እናበርትዐ ኸደ። ጋኔን ዝሓደሮ ዕዉርን ዓባስን ምስ ኣምጽኡሉ እሞ ንሱ ምስ ኣሕወዮ ኸኣ፡ ክርክር ተላዕለ። እቲ ሰብኣይ ካብ ቍጽጽር ጋኔን ሓራ ዀነ፡ ኪርእን ኪዛረብን ድማ ከኣለ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣስተንከሩ፣ “እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን ይኸውን፧” ከኣ በሉ።—ማቴዎስ 12:23።

እቶም ኣብታ የሱስ ዝነበረላ ቤት ተኣኪቦም ዝነበሩ ህዝቢ ኣዝዮም ብዙሓት ብምንባሮም፡ ንሱን ደቀ መዛሙርቱን ኪበልዑ እኳ ኣይከኣሉን። የሱስ እቲ እተተስፈወሉ “ወዲ ዳዊት” ምዃኑ ዝሓሰቡ ግና ኵሎም ኣይነበሩን። ገሊኦም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ ርሑቕ፡ ካብ የሩሳሌም ዝመጹ፡ ካብ የሱስ ኪምሃሩ ወይ ንዕኡ ኺድግፍዎ ኢሎም ኣይኰኑን። የግዳስ፡ “ብኤል-ዜቡል ኣለዎ” ይብሉ ነበሩ፣ ስለዚ ድማ፡ ምስ “ሓለቓ ኣጋንንቲ” ሕብረት ከም ዘለዎ ይዛረቡ ነበሩ። (ማርቆስ 3:22) ኣዝማድ የሱስ ብዛዕባ እቲ ህውከት ምስ ሰምዑ፡ ኪሕዝዎ መጹ። ስለምንታይ፧

ምኽንያቱ፡ ክሳዕ ሽዑ ኣሕዋት የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኣይኣመኑን ነበሩ። (ዮሃንስ 7:5) እቲ ኣብ ህዝቢ ኽርክር ኣለዓዒሉ እተባህለ የሱስ ከኣ፡ ካብቲ ምሳታቶም ኣብ ናዝሬት ዝዓበየ የሱስ እተፈልየ እዩ ዀይንዎም። ስለዚ፡ ኣእምሮኡ ሓሚሙ ኪኸውን ኣለዎ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ፡ “ተጸሊሉ” በሉ።—ማርቆስ 3:21።

እቲ መርትዖ ግና እንታይ እዩ ዜረጋግጽ ነይሩ፧ የሱስ ነቲ ጋኔን ዝሓደሮ ምስ ኣሕወዮ፡ ኪርእን ኪዛረብን ክኢሉ እዩ። ነዚ ዝኸሓደ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ብናይ ሓሶት ክሲ ገይሮም ነዚ ኼቈናጽብዎ ፈተኑ። “እዚ፡ ብዘይካ ብብኤል-ዜቡል እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ንኣጋንንቲ ኣየውጽኦምን እዩ” በሉ።—ማቴዎስ 12:24።

የሱስ ምስ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ይዛራረብ፡ እቶም ምስኡ እተጓዕዙ ኸኣ ይሰምዑ

የሱስ ከኣ፡ እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዚሓስብዎ ዚነበሩ ፈሊጡ፡ “ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ መንግስቲ ትጠፍእ፣ ንሓድሕዳ እተኸፋፈለት ኵላ ኸተማ ወይ ቤት እውን ኣይትቐውምን። ከምኡ ድማ፡ ሰይጣን ንሰይጣን ዜውጽኦ እንተ ዀይኑ፡ ንሓድሕዱ ተኸፋፊሉ ማለት እዩ፣ መንግስቱ ደኣ እሞ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧” በሎም።—ማቴዎስ 12:25, 26።

ከመይ ዝበለ ሓያል ዘረባ ዀን እዩ! ገሊኦም ኣይሁድ ኣጋንንቲ የውጽኡ ምንባሮም፡ ፈሪሳውያን ይፈልጡ ነይሮም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 19:13) ስለዚ፡ የሱስ፡ “ኣነ ንኣጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም እንተ ዀይነ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን እዮም ዜውጽእዎም፧” ኢሉ ሓተቶም። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቲ ንየሱስ ዘቕረብዎ ኽሲ፡ ንዓታቶም እውን ዚምልከት እዩ ነይሩ። የሱስ ቀጺሉ፡ “ኣነ ንኣጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም እንተ ዀይነ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ደበኽ ኢላትኩም ኣላ” በሎም።—ማቴዎስ 12:27, 28።

የሱስ ንኣጋንንቲ ኼውጽእ ምኽኣሉ፡ መርትዖ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ዘለዎ ሓይሊ ምዃኑ ኼብርህ ከሎ፡ “ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቕሑኡ ኺምንዝዕ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ድሕሪኡ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። እቲ ምሳይ ዘይኰነ ይጻረረኒ፣ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ” በሎም። (ማቴዎስ 12:29, 30) እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያን ብርግጽ ኣንጻር የሱስ እዮም ነይሮም፣ እምበኣር፡ ልኡኻት ሰይጣን ምዃኖም እዮም ዜርእዩ ነይሮም። ንሰባት ካብቲ ደገፍ የሆዋ ዘለዎ ወዲ ኣምላኽ ይዘርውዎም ነበሩ።

የሱስ ነዞም ሰይጣናውያን ተጻረርቱ ኸምዚ ኢሉ ኣጠንቀቖም፦ “ንደቂ ሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ኪሕደገሎም እዩ። ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ዘበለ ግና፡ ብናይ ዘለኣለም ሓጢኣት ተሓታቲ ይኸውን እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ኣይረክብን እዩ።” (ማርቆስ 3:28, 29) እዚ ዘረባ እዚ፡ ብንጹር ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ንእተፈጸመ ተግባር ናይ ሰይጣን እዩ ንዚብሉ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰቦ!

  • ኣብቲ የሱስ ኣብ ገሊላ ዝገበሮ ኻልኣይ ዙረት ምስኡ ዝነበሩ መን እዮም፧

  • ንየሱስ ኣዝማዱ ኺሕዝዎ ዝፈተኑ ስለምንታይ እዮም፧

  • ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ነቲ የሱስ ዝገበሮ ተኣምራት ኬቈናጽብዎ ዝፈተኑ ብኸመይ እዮም፧ የሱስከ ከም እተጋገዩ ብኸመይ መርትዖ ኣቕረበ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ