ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 33 ገጽ 80
  • ትንቢት ኢሳይያስ ፈጸመ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትንቢት ኢሳይያስ ፈጸመ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መፈጸምታ ትንቢት ኢሳይያስ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ዝተክኽ ፈትሊ ተጥፍእዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • የሆዋ ጽድቅን ፍትሕን ይፈቱ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • የሆዋ ምንጪ ናይ ሓቂ ፍትሕን ጽድቅን ኢዩ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 33 ገጽ 80
የሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ኣብ ንእሽቶ ጃልባ ዀይኑ ንሰባት ይምህር

ምዕራፍ 33

ትንቢት ኢሳይያስ ፈጸመ

ማቴዎስ 12:15-21 ማርቆስ 3:7-12

  • ህዝቢ ንየሱስ ዓጐጎ

  • ትንቢት ኢሳይያስ ፈጸመ

የሱስ፡ ፈሪሳውያንን ሄሮድሳውያንን ኪቐትልዎ ከም ዝደልዩ ምስ ፈለጠ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኣልገሰ። ካብ ኵሉ፡ ማለት ካብ ገሊላን ካብተን ኣብ ገማግም ጢሮስን ሲዶንን ዚርከባ ኸተማታትን ካብ ምብራቓዊ ሸነኽ ፈለግ ዮርዳኖስን ካብ የሩሳሌምን ካብቲ ብደቡብ ዚርከብ ኤዶምያስን፡ ብዙሓት ሰዓብዎ። ንሱ ድማ ንብዙሓት ኣሕወየ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እቶም ብርቱዕ ሕማም ዝነበሮም ኪትንክይዎ ደልዮም ዓጐጕዎ።—ማርቆስ 3:9, 10።

እቲ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝነበረ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ንእሽቶ ጃልባ ኼዳልዉሉ ነገሮም። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ ኣብታ ጃልባ ዀይኑ ኻብቲ ገምገም ባሕሪ ፍንትት በለ። ብዘይካዚ እውን፡ ኣብታ ጃልባ ዀይኑ ኺምህር፡ ወይ ከኣ ኣብ ካልእ ወገን እቲ ገምገም ባሕሪ ዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ ብእኣ ገይሩ ኪኸይድ ይኽእል ነይሩ እዩ።

ማቴዎስ እቲ ወደ መዝሙር፡ ንጥፈታት የሱስ ነቲ ‘ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ’ ዚፍጽም ምዃኑ ኣስተብሃለ። (ማቴዎስ 12:17) እሞኸ የሱስ ነየናይ ትንቢት እዩ ፈጺምዎ፧ ነዚ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል እዩ፦

“እንሆ፡ ዝሓረኽዎ ጊልያይ፡ ዝሰምሮ ፍቑረይ! መንፈሰይ ኣብኡ ኸሕድር እየ፣ ንሱ ድማ ንኣህዛብ ፍትሒ ኼነጽረሎም እዩ። ኣይኪከራኸርን፡ ኣይኪጭድርን፡ ኣብ ጐደናታት እውን ብዋላ ሓደ ድምጹ ኣይኪስማዕን እዩ። ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይኪሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣይኬጥፍእን እዩ። እወ፡ ኣህዛብ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም።”—ማቴዎስ 12:18-21፣ ኢሳይያስ 42:1-4።

የሱስ ብሓቂ እቲ ኣምላኽ ዝሰመሮ ፍቑር ጊልያ እዩ። ብስርዓታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እተኸወለ ናይ ሓቂ ፍትሒ እንታይ ከም ዝዀነ ድማ ኣነጺሩ እዩ። ፈሪሳውያን ንሕጊ ኣምላኽ ብዘይቅኑዕ መገዲ ይጥቀሙሉ ስለ ዝነበሩ፡ ብሰንበት ንዝሓመመ ሰብ እኳ ኣይሕግዙን እዮም ነይሮም! የሱስ ግና ንሕጊ ኣምላኽ ስለ ዘነጸረን መንፈስ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዝዀነ ስለ ዘርኣየን፡ ንሰባት ካብ ጾር እቲ ዘይቅኑዕ ስርዓታት ኣዕሪፍዎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኪቐትልዎ ደለዩ። ተግባሮም ብሓቂ ዜሕዝን እዩ!

“ኣይኪከራኸርን፡ ኣይኪጭድርን፡ ኣብ ጐደናታት እውን ብዋላ ሓደ ድምጹ ኣይኪስማዕን እዩ” ኺብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ የሱስ ንሰባት ምስ ኣሕወየ፡ ንዓታቶም ኰነ ንኣጋንንቲ ‘ኼግህድዎ’ ኣይፈቐደሎምን። (ማርቆስ 3:12) ሰባት ብዛዕባኡ ኣብ ጐደናታት ብዚእወጅ መዋዓውዒ ወይ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ኪመሓላለፍ ከሎ ሓቅነቱ ብእተጠውየ ወረ ኪፈልጡ ኣይደለየን።

ብዘይካዚ፡ የሱስ እቲ ዜጸናንዕ መልእኽቱ ናብቶም ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኸም ጭፍሉቕ ሻምብቆ እተደቝሱን እተቐጥቀጡን ሰባት እዩ ዜብጽሖ ነይሩ። ንሳቶም ድማ ከምቲ ናይ መጨረሽታ ብርሃኑ ኺጠፍእ ዝበለ ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እዮም ነይሮም። የሱስ ንጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ጭልምልም ንዚብል ዚተክኽ ፈትሊ መብራህቲ እውን ኣየጥፍእን እዩ። የግዳስ፡ ብለውሃትን ብፍቕርን ተደሪኹ፡ ነቶም ትሑታት ብኽእለት እዩ ቕንዕ ዜብሎም። ብሓቂ እምበኣር፡ የሱስ እቲ ኣህዛብ ተስፋ ዚገብሩሉ እዩ!

  • የሱስ ከይተኸራኸረ ወይ ኣብ መገዲ ኸይጨደረ ፍትሒ ዘነጸረ ብኸመይ እዩ፧

  • እቶም ብጭፍሉቕ ሻምብቆን ብዚተክኽ ፈትሊ መብራህትን እተመሰሉ መን እዮም፧ የሱስከ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ