ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 18 ገጽ 46-ገጽ 47 ሕ.ጽ. 6
  • የሱስ ወሰኸ፡ ዮሃንስ ከኣ ነከየ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ወሰኸ፡ ዮሃንስ ከኣ ነከየ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዮሃንስ ይንእስ የሱስ ይዓቢ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ዮሃንስ ንየሱስ ሓተቶ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ዮሃንስ መጥምቕ—ሓጐስና ንምዕቃብ ዚሕግዝ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ዮሃንስ እምነት ኣጕዲሉ ድዩ፧
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 18 ገጽ 46-ገጽ 47 ሕ.ጽ. 6
ዮሃንስ መጥምቕ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ይዛራረብ

ምዕራፍ 18

የሱስ ወሰኸ፡ ዮሃንስ ከኣ ነከየ

ማቴዎስ 4:12 ማርቆስ 6:17-20 ሉቃስ 3:19, 20 ዮሃንስ 3:22–4:3

  • ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኣጥመቑ

  • ዮሃንስ መጥምቕ ተኣስረ

ድሕሪ እቲ 30 ድ.ክ. ዝወዓለ በዓል ፋስጋ፡ የሱስን እቶም ደቀ መዛሙርቱን ካብ የሩሳሌም ወጹ። ይኹን እምበር፡ ብቐጥታ ናብ ዓዶም ናብ ገሊላ ኣይኰኑን ከይዶም። የግዳስ፡ ናብ ይሁዳ እዮም ከይዶም፡ ኣብኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣጥመቑ። ዮሃንስ መጥምቕ እውን ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዚኸውን፡ ምናልባት ኣብ ስንጭሮ ፈለግ ዮርዳኖስ ብተመሳሳሊ የጥምቕ ነይሩ እዩ፣ ገና ኸኣ ምስኡ ዚሓብሩ ደቀ መዛሙርቲ ነይሮምዎ እዮም።

የሱስ ባዕሉ ንዋላ ሓደ ኣየጥመቐን ነበረ፣ ደቀ መዛሙርቱ ግና ብትእዛዙ የጠምቑ ነበሩ። ኣብቲ የሱስ ኣገልግሎቱ ጀሚሩሉ ዝነበረ እዋን እቲ፡ የሱስን ዮሃንስን ነቶም ኪዳን ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓሶም እተነስሑ ኣይሁድ እዮም ዚምህርዎም ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 19:4።

ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ግና ቀንኡ እሞ ብዛዕባ የሱስ ንዮሃንስ፡ “መምህር፡ እቲ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ [የሱስ]፡ . . . ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ” በልዎ። (ዮሃንስ 3:26) ዮሃንስ ግና ኣይቀንአን። የግዳስ፡ በቲ የሱስ ዝረኸቦ ኣሳልጦ ተሓጐሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ኪሕጐሱ ደለዮም። ስለዚ፡ “‘ኣነ ቐቅድሚኡ እተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን’ ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም” ኢሉ ኣዘኻኸሮም። ነዚ ነጥቢ እዚ ድማ ኵሉ ኺርድኦ ብዚኽእል ምሳሌ ኣሰንዩ ኸምዚ በሎም፦ “እቲ መርዓት ዘላቶ፡ መርዓዊ እዩ። ዓርኪ መርዓዊ ግና ደው ኢሉ ንዕኡ ምስ ዚሰምዖ፡ ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ እዩ። ስለዚ፡ ሓጐሰይ ምሉእ ኰይኑ ኣሎ።”—ዮሃንስ 3:28, 29።

ዮሃንስ ከም ዓርኪ መርዓዊ ብምዃኑ፡ ኣዋርሕ ይገብር ንደቀ መዛሙርቱ ምስ የሱስ ኬላልዮም ከሎ ተሓጒሱ እዩ። ገለ ኻባታቶም ንየሱስ ስዒቦምዎ፡ ጸኒሖም እውን ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኦም እዮም። ዮሃንስ ነቶም ሽዑ ምስኡ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ እውን፡ ንየሱስ ኪስዕብዎ እዩ ዚደልዮም ነይሩ። እወ፡ ዕላማ ዮሃንስ፡ ንኣገልግሎት የሱስ መገዲ ምድላው እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ “ንሱ ኺውስኽ፡ ኣነ ግና ክንኪ ኣሎኒ” ኢሉ ገለጸ።—ዮሃንስ 3:30።

ኣቐዲሙ ንየሱስ ኪስዕቦ ዝጀመረ ኻልእ ዮሃንስ፡ ብዛዕባ መበቈል የሱስን ኣብ ድሕነት ደቂ ሰብ ዘለዎ ግደን ጸኒሑ ኸምዚ ኢሉ ጽሒፉ እዩ፦ “እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ፡ ልዕሊ ዅሉ እዩ። . . . ኣቦ ንወዲ የፍቅሮ እዩ፡ ኵሉ ድማ ኣብ ኢዱ ሃቦ። እቲ ብወዲ ዚኣምን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፣ እቲ ንወዲ ዘይእዘዞ ግና፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።” (ዮሃንስ 3:31, 35, 36) እዚ ሓሳብ እዚ፡ ሰባት ኪፈልጥዎ ዚግባእ ሓቂ እዩ።

ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይድርበ

ዮሃንስ መጥምቕ ግዲኡን ዕዮኡን ኪንኪ ኸም ዚግባእ ድሕሪ ምግላጹ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብንጉስ ሄሮድስ ተኣስረ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ወሲዱ ተመርዕይዋ ነበረ። ዮሃንስ ከኣ ንዝሙቱ ምስ ኣቃልዖ፡ ሄሮድስ ኣእሰሮ። የሱስ ብዛዕባ ማእሰርቲ ዮሃንስ ምስ ሰምዐ፡ ንይሁዳ ገዲፉ ምስ ደቀ መዛሙርቱ “ናብ ገሊላ ኸደ።”—ማቴዎስ 4:12፣ ማርቆስ 1:14።

  • ጥምቀት ዮሃንስ እንታይ ትርጉም ነይርዎ፧ እቲ የሱስ ቅድሚ ምትንሳኡ ብትእዛዙ እተገብረ ጥምቀትከ እንታይ ትርጉም ነይርዎ፧

  • ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ብንጥፈታት የሱስ ኪቐንኡ ኸም ዘይግባእ ዘርኣዮም ብኸመይ እዩ፧

  • ዮሃንስ እተኣስረ ስለምንታይ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ