ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 18
  • ኣብ ጭንቂ ንዚርከቡ ኣሕዋትና ብኸመይ ንሕግዞም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ጭንቂ ንዚርከቡ ኣሕዋትና ብኸመይ ንሕግዞም፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ረድኤት ይካፈሉ ድዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ኣገልግሎት ረድኤት
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 18

ትምህርቲ 18

ኣብ ጭንቂ ንዚርከቡ ኣሕዋትና ብኸመይ ንሕግዞም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ መዓት ምስ ኣጋጠመ ንእተዋህበ ረድኤት የበጻጽሑ

ዶመኒካዊት ሪፓብሊክ

ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ጃፓን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሃንጹ

ጃፓን

ኣብ ሀይቲ መዓት ምስ ኣጋጠመ፡ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንሓደ ሰብ የጸናንዖ

ሀይቲ

መዓት ኬጋጥም ከሎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም እተጐድኡ ኣሕዋቶም ንምሕጋዝ ብኡብኡ ረድኤት ይውድቡ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጻዕርታት፡ ኣብ መንጎ ሓድሕድና ዘላ ፍቕሪ ናይ ሓቂ ምዃና የርኢ። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ 1 ዮሃንስ 3:17, 18) ብኸመይ ኢና እንሕግዝ፧

ገንዘብ ንውፊ። ኣብ ይሁዳ ብርቱዕ ጥሜት ምስ ኰነ፡ ኣብ ኣንጾክያ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት ንመንፈሳውያን ኣሕዋቶም ብገንዘብ ሓጊዞም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 11:27-30) ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ገሊኡ ኽፋል ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ጸገማት ከም ዘጋጠሞም ምስ እንፈልጥ፡ ነቶም እተሸገሩ ብስጋ ዜድልዮም ንምምላእ፡ ብጉባኤና ኣቢልና ወፈያታት ንልእኽ ኢና።—2 ቈረንቶስ 8:13-15።

ግብራዊ ሓገዝ ንህብ። ኣብቲ መዓት ዘጋጠመሉ ኸባቢ ዘለዉ ሽማግለታት፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ጉባኤኦም ደሓን ከም ዘሎ የረጋግጹ እዮም። ኮሚተ ረድኤት ከኣ ምግብን ጽሩይ ዚስተ ማይን ክዳውንትን መጽለልን ሕክምናዊ ሓገዝን ዚውሃበሉ መገዲ የዳሉ ይኸውን። ክእለት ዘለዎም ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብናታቶም ወጻኢ ናብቲ ቦታ ኸይዶም ኣብ ዕዮ ረድኤት ንምስታፍ ወይ እተጐድአ ኣባይትን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ንምጽጋን ብፍታዎም ኪቐርቡ ይኽእሉ እዮም። ከም ውድብ ዘሎና ሓድነትን ብሓባር ብምዕያይ ዘጥረናዮ ተመክሮን፡ ኣብ እዋን ጸገም ቅልጡፍ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣኽኢሉና እዩ። ምናዳ “ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ” ኣእዳውና ንዝርግሓሎም እኳ እንተ ዀንና፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ ሃይማኖቶም ብዘየገድስ ንኻልኦት እውን ንሕግዝ ኢና።—ገላትያ 6:10።

መንፈሳውን ስምዒታውን ሓገዝ ንህብ። ብፍላይ ግዳያት መዓት፡ መጸናንዒ የድልዮም እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ካብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ ብርታዐ ንረክብ ኢና። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ንዅሉ እቲ ስቓይን መከራን ዜምጽእ ነገራት መወዳእታ ኸም እትገብረሉ ዚሕብር መረጋገጺ ብምንጋር፡ ነቶም ተስፋ ዝቐበጹ ተሓጒስና ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ነካፍሎም ኢና።—ራእይ 21:4።

  • መዓት ኬጋጥም ከሎ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅልጡፍ ምላሽ ኪህቡ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

  • ነቶም ካብ መዓት ዝደሓኑ፡ እንታይ መንፈሳዊ መጸናንዒ ኸነካፍሎም ንኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ