ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 8
  • ንኣኼባታትና ጽቡቕ እንኽደን ስለምንታይ ኢና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣኼባታትና ጽቡቕ እንኽደን ስለምንታይ ኢና፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣከዳድናናን ትርኢትናን ዜገድስ ስለምንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣከዳድናኻ ንኣምላኽ የኽብሮ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ጽቡቕ ኣካላዊ ትርኢት
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 8

ትምህርቲ 8

ንኣኼባታትና ጽቡቕ እንኽደን ስለምንታይ ኢና፧

ኣቦን ወድን ንኣኼባ ጉባኤ ይኽደኑ

ኣይስላንድ

ኣደን ጓልን ንኣኼባ ይቀራረባ

መክሲኮ

ጽቡቕ እተኸድኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጊኒ-ቢሳው

ጊኒ-ቢሳው

ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ስድራ ቤት ናብ ኣኼባ ትከይድ

ፊሊፒንስ

ኣብዚ ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ ዘሎ ስእልታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኺእከቡ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ከም ዚኽደኑ ኣስተብሂልካዶ፧ ንኣከዳድናናን ንኣመለኻኽዓናን ክሳዕ ክንድዚ ቘላሕታ እንገብረሉ ስለምንታይ ኢና፧

ንኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮት ንምግላጽ። ኣምላኽ ኣብ ደጋዊ ትርኢትና ኸም ዘየተኵር ዚከሓድ ኣይኰነን። (1 ሳሙኤል 16:7) ግናኸ፡ ከነምልኾ ኢልና ኽንእከብ ከለና፡ ንዕኡን ኣመንቲ ንዝዀኑ ብጾትናን ዘሎና ልባዊ ኣኽብሮት ክንገልጽ ንደሊ ኢና። ኣብ ቅድሚ ዳኛ እንተ ንቐርብ፡ ንስልጣኑ ኻብ ዘሎና ኣኽብሮት እተላዕለ፡ ንትርኢትና ቘላሕታ ምገበርናሉ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ኣኼባታትና ኣብ እንእከበሉ እዋን ዚህልወና ትርኢት፡ ነቲ “ፈራድ ኵላ ምድሪ” ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽን ንቦታ ኣምልኾኡን ዘሎና ኣኽብሮት እዩ ዚገልጽ።—ዘፍጥረት 18:25።

ኣኽቢርና እንርእዮ ስርዓታት ንምንጽብራቕ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ “ትሕትናን ልብምናን” ዜርኢ ኽዳውንቲ ኪኽደኑ የተባብዖም እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) “ትሕትና” ዜርኢ ኽዳን ኪብሃል ከሎ፡ ንርኣዩለይ ዚግበር፡ ስምዒት ዜለዓዕል፡ ወይ እተቐላልዐ ኽዳን ዘይኰነ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ናባና ኣቓልቦ ዘይስሕብ ማለት እዩ። “ልብምና” እንተ ኣልዩና ኸኣ፡ ወዛል ወይ ጠገለ ዘይብሉ ዘይኰነስ፡ ጽቡቕ ክዳን ክንሓሪ ይሕግዘና። ኣብ ውሽጢ እዚ ስርዓታት እዚ፡ ብሕታዊ ምርጫና ኽንገብረሉ እንኽእል ብዙሕ ኣማራጺታት ኣሎና። እቲ ማራኽን ጽቡቕን ትርኢትና፡ ብዘይ ቃል፡ ‘ንትምህርቲ መድሓኒና ኺስልሞ’ ‘ንኣምላኽ ከኣ ኬመጕሶ’ ይኽእል እዩ። (ቲቶስ 2:10፣ 1 ጴጥሮስ 2:12) ንኣኼባታትና ጽቡቕ ምስ እንኽደን፡ ነቲ ኻልኦት ብዛዕባ ኣምልኾ የሆዋ ዘለዎም ኣረኣእያ ንጸልዎ።

ግናኸ፡ ብኣከዳድናኻ ተሰኪፍካ፡ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምምጻእ ኣይተድሓርሕር። ክዳውንትና ግቡእን ጽሩይን ብቑዕን ንኪኸውን፡ ክቡር ወይ ዜብለጭልጭ ኪኸውን ኣየድልን እዩ።

  • ንኣምላኽ ከነምልኾ ኸለና፡ ኣከዳድናና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

  • እንታይ ስርዓታት እዩ ኣብ ኣከዳድናናን ኣብ ኣመለኻኽዓናን መምርሒ ዚዀነና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ