ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jl ትምህርቲ 1
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧
  • ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ህይወትካ ዜመሓይሽ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት
    ንቕሑ!—2013
  • ኣድላይነት ስነ ምግባራዊ መትከላት
    ንቕሑ!—2019
  • ብግዜ ዘይግደብ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • 7 መትከል
    ንቕሑ!—2018
ዝያዳ ርአ
ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
jl ትምህርቲ 1

ትምህርቲ 1

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧

ኣብ ደንማርክ እትነብር ናይ የሆዋ ምስክር

ደንማርክ

ኣብ ታይዋን ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ታይዋን

ኣብ ቨነዝወላ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ቨነዝወላ

ኣብ ህንዲ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ህንዲ

ክንደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትፈልጥ፧ ገሌና ጐረባብትኻ፡ መሳርሕትኻ፡ ወይ መማህርትኻ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ምሳኻ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያይጥና ንኸውን። ብሓቂ እንታዎት ኢና፧ ንሰባት ብዛዕባ እምነታትና እንነግሮምከ ስለምንታይ ኢና፧

ተራ ሰባት ኢና። እተፈላለየ ኣተዓባብያን ማሕበራዊ ዅነታትን ዘሎና ኢና። ገሌና እተፈላለየ ሃይማኖት እዩ ነይሩና፣ ገሌና ድማ ብኣምላኽ ኣይንኣምንን ኢና ኔርና። ይኹን እምበር፡ ኵላትና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ምዃንና፡ ግዜ መዲብና ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ መርሚርናዮ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ነቲ እተምሃርናዮ ምስ ኣመንናሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከነገልግል ብሕታዊ ውሳነ ጌርና ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ንጥቀም ኢና። ከም ካልኦት፡ ምስ ጸገማትን ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ድኽመታትን ንቃለስ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ብምጽዓር፡ ህይወትና ኣጸቢቕና ኸነመሓይሽ ክኢልና ኢና። (መዝሙር 128:1, 2) ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርናዮ ጽቡቕ ነገራት ንኻልኦት ከነካፍሎም እንደልየሉ ሓደ ምኽንያት እውን እዚ እዩ።

ብስርዓታት ኣምላኽ ንመላለስ ኢና። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት እዚ፡ ጽቡቕ ክንረክብን ንኻልኦት ኣኽብሮት ኪህልወናን የኽእለና፣ ከም ቅንዕናን ለውሃትን ዝኣመሰለ ባህርያት ድማ የተባብዕ። ጥዑይን ኣፍራይን ሕብረተሰብ ኪህሉ ኣበርክቶ ይገብር፣ ሓድነት ስድራ ቤትን ስነ ምግባራዊ ንጽህናን ድማ የተባብዕ። “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ” ስለ እንኣምን፡ ኣባላት እቲ ኻብ ዓሌታውን ፖለቲካውን ክፍፍል ናጻ ዝዀነ ዓለምለኻዊ መንፈሳዊ ሕውነት ኢና። ተራ ሰባት እኳ እንተ ዀንና፡ ፍሉይ ህዝቢ ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 4:13፣ 10:34, 35።

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ካልኦት ዜመሳስሎም እንታይ እዩ፧

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ስርዓታት እዮም ተማሂሮም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ