ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ገጽ 32
  • ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ገጽ 32

ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧

እዛ ብሮሹር እዚኣ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መሳጢ መልእኽቲ ኣሕጽር ኣቢላ እያ እተቕርቦ። ኰይኑ ግን፡ እዚ ኣብዚ ቐሪቡ ዘሎ ትምህርቲ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ጕዳይ ዚምህሮ ትምህርትታት ብዝርዝር ዜብርህ ኣይኰነን።

ንኣብነት፡ ‘ኣምላኽ ንዓይ ብውልቂ ይሓልየለይ ድዩ፧ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ኣብ ህይወተይ ብኸመይ ሓጐስ ክረክብ እኽእል፧’ ንዚብል ሕቶታት መልሱ ኽትፈልጦ ትደሊ ትኸውን።

ናይዝን ናይ ካልእ ሕቶታትን መልሲ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ኪርከብ ይከኣል እዩ። እታ መጽሓፍ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ በብኣርእስቲ ንኸተጽንዖ ተባሂላ እያ ተዳልያ። በዚ ኸምዚ ዚግበር መጽናዕቲ፡ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ዚገልጽ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ ጠርኒፉ የቕርብ።

ናብ www.jw.org/ti ኣቲኻ፡ ነዛ ሕታም እዚኣ ኸተንብባ ወይ ከተራግፋ ወይ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ምእንቲ ኽትምሃር ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ