ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 17 ገጽ 20
  • የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃረ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • የሱስ ህያው ኰነ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 17 ገጽ 20
የሱስ ንህዝቢ ይምህር

ክፋል 17

የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ መሃረ

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዙሕ ነገራት እኳ እንተ መሃሮም፡ ብፍላይ ግን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ የተኵር ነበረ

የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸሉ ተልእኾ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ንሱ ባዕሉ፡ “ስለዚ እየ እተለአኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) የሱስ ብዛዕባ እታ ቐንዲ ፍረ ነገር ስብከቱ ዝነበረት መንግስቲ ኣምላኽ፡ እንታይ ኣርባዕተ ነገራት ከም ዝመሃረ እስከ ንርአ።

1. የሱስ ንጉስ ኪኸውን ከም እተመዘዘ። የሱስ ብትንቢት እተነግረሉ መሲሕ ከም ዝዀነ ብቐጥታ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 4:25, 26) ብተወሳኺ፡ እቲ ነብዪ ዳንኤል ብራእይ ዝረኣዮ ንጉስ ምዃኑ፡ ኣርእዩ እዩ። ንሃዋርያቱ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ “ዝፋን ክብሩ” ኪቕመጥ ምዃኑ፡ ንሳቶም እውን ምስኡ ኣብ ዝፋናት ከም ዚቕመጡ ነገሮም። (ማቴዎስ 19:28) ነዞም ጕጅለ ገዛእቲ እዚኣቶም፡ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ኺጽውዖም ከሎ፡ ክፍሊ እዚ ጕጅለ ዘይኰኑ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ከም ዘለውዎ እውን ገሊጹ እዩ።—ሉቃስ 12:32፣ ዮሃንስ 10:16።

2. መንግስቲ ኣምላኽ ጽድቅን ፍትሕን ከም እተስፍን። መንግስቲ ኣምላኽ ንስም የሆዋ ኣምላኽ ብምቕዳስ፡ ካብ ኵሉ እቲ ሰይጣን ካብ ዕልወት ኤድን ኣትሒዙ ዝዀመሮ ጸርፊ ድማ ናጻ ብምግባር፡ ነቲ ዝኸፍአ ምጕዳል ፍትሒ ኸም እትፈትሖ፡ የሱስ ሓቢሩ እዩ። (ማቴዎስ 6:9, 10) ብዘይካዚ፡ ንሰብኡት ኰነ ንኣንስቲ፡ ንሃብታማት ኰነ ንድኻታት ከይፈላለየ መዓልታዊ ብምምሃር፡ ኣድልዎ ኸም ዘይገብር ኣርእዩ እዩ። ተልእኾኡ ብቐዳምነት ንእስራኤላውያን ንምምሃር እኳ እንተ ነበረ፡ ንሳምራውያንን ንኣህዛብን—ንኣይሁድ ዘይኰኑ ማለት እዩ—እውን ሓጊዝዎም እዩ። ካብቲ እቶም ሽዑ ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት ብእተፈልየ መገዲ፡ ሌላን ጕሌላን ኰነ ኣድልዎ ኣይገበረን።

3. መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዓለም ከም ዘይትኸውን። የሱስ ህውከት ኣብ ዝነበሮ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ዓዱ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ሓይሊ እያ ነይራ። ኰይኑ ግን፡ ሰባት ኣብ ፖለቲካ ኼእትውዎ ምስ ፈተኑ፡ ኣበየ። (ዮሃንስ 6:14, 15) ንሓደ ፖለቲከኛ፡ “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” በሎ። (ዮሃንስ 18:36) ንሰዓብቱ ኸኣ፡ “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” በሎም። (ዮሃንስ 15:19) ንዕኡ ንኺከላኸሉሉ ኢሎም እውን እንተ ዀነ፡ ኣጽዋር ውግእ ኪጥቀሙ ኣይፈቐደሎምን።—ማቴዎስ 26:51, 52።

“መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።”—ሉቃስ 8:1

4. ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ኸም ዚኸውን። የሱስ ንሰባት ከም ዜዕርፎምን ጾሮም ከም ዜፍኵሰሎምን ተመባጺዑ እዩ። (ማቴዎስ 11:28-30) ከምቲ ቓሉ ድማ ገይሩ እዩ። ብዛዕባ ዘይምጭናቕ፡ ርክባትካ ብዛዕባ ምምሕያሽ፡ ንፍቕረ-ንዋይ ብዛዕባ ምስናፍ፡ ከምኡውን ሓጐስ ብዛዕባ ምርካብ፡ ፍቕራውን ግብራውን ምኽሪ ሂቡ እዩ። (ማቴዎስ፡ ምዕራፍ 5-7) ፍቕሪ ስለ ዘርኣየ፡ እተፈላለየ መነባብሮ ዝነበሮም ሰባት ይቐርብዎ ነበሩ። እቶም ግፉዓት እውን እንተ ዀኑ፡ ብለውሃትን ብኽብርን ከም ዚሕዞም ይተኣማመኑ ስለ ዝነበሩ፡ ናብኡ ይውሕዙ ነበሩ። የሱስ ከመይ ዝበለ ብሉጽ ገዛኢ ዀን እዩ!

የሱስ ብኻልእ መገዲ ገይሩ እውን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምሂሩ እዩ። እወ፡ ብዙሕ ትኣምራት ገይሩ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ገይሩ፧ ቀጺልና እስከ ንርአ።

—ኣብ መጽሓፍ ማቴዎስ፣ ማርቆስ፣ ሉቃስ፣ ዮሃንስ እተመስረተ።

  • የሱስ መሲሓዊ ንጉስ ምዃኑ ብኸመይ እዩ ዝመሃረ፧

  • የሱስ ብፍትሓዊ መገዲ ኸም ዚገዝእ ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

  • የሱስ፡ መንግስቱ ኻብ ዓለም ዘይምዃና ብኸመይ እዩ ኣነጺሩ፧

  • የሱስ፡ ግዝኣቱ ኣብ ፍቕሪ እተመስረተ ኸም ዚኸውን ብኸመይ እዩ ኣርእዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ