ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bm ክፋል 4 ገጽ 7
  • ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ኪዳን ኣተወ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ኪዳን ኣተወ
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብርሃም መን እዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • የሆዋ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኣብርሃምን ሳራን ንእምነቶም ክትቀድሓ ትኽእል ኢኻ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መልእኽቲ ሒዙ ኣሎ፧
bm ክፋል 4 ገጽ 7
ኣብርሃም ናብ ከዋኽብቲ ይርኢ

ክፋል 4

ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ኪዳን ኣተወ

ኣብርሃም ንኣምላኽ ብእምነት ተኣዘዞ፣ የሆዋ ኸኣ ንኺባርኾን ንዘርኡ ንኼብዝሖምን ቃል ኣተወሉ

ካብቲ ብግዜ ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ፡ ኣስታት 350 ዓመት ኣቢሉ ሓለፈ። እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም፡ ኣብታ እናበልጸገት እትኸይድ ዝነበረት ኣብ ናይ ሎሚ ዒራቕ እትርከብ ከተማ ኡር ይነብር ነበረ። ኣብርሃም እተደንቕ እምነት ዘላቶ ሰብ እዩ ነይሩ። ሓደ ግዜ ግን፡ እምነቱ ተፈተነት።

የሆዋ ንኣብርሃም ካብታ እተወልደላ ዓዲ ወጺኡ ናብ ወጻኢ ዓዲ ኪኸይድ ነገሮ፣ እታ ኪኸዳ ዝመደበሉ ዓዲ ድማ ከነኣን እያ ነይራ። ኣብርሃም ብዘይ ውልውል ተኣዘዘ። ንሳራ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን ኣብ ቤቱ ንዚርከቡ ዅሎምን ሒዙ ነዊሕ ጕዕዞ ድሕሪ ምግባር፡ ኣብ ከነኣን ኣብ ድንኳን ኪቕመጥ ጀመረ። የሆዋ ምስ ኣብርሃም ኣብ ዝኣተዎ ኺዳን፡ ብዙሕ ህዝቢ ኻብኡ ኸም ዚወጽእ፡ ዓሌታት ኵላ ምድሪ ብእኡ ኸም ዚባረኹ፡ ዘርኡ ድማ ንምድሪ ከነኣን ከም ዚወርሳ ተመባጽዐ።

ኣብርሃምን ሎጥን ብዙሓት ኣባጊዕን ማልን ኣጥረዩ። ኣብርሃም ንጥቕሚ ሎጥ ብምቕዳም፡ ዝደለዮ ኸባቢ ኺመርጽ ቀዳምነት ሃቦ። ሎጥ ነቲ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ ዚርከብ ዝነበረ ፍርያም ቦታ መረጸ፡ ኣብ ጥቓ ኸተማ ሶዶም ድማ ተቐመጠ። ሰብ ሶዶም ግን ርኹሳት ብምንባሮም፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዓብዪ ሓጢኣት ይገብሩ ነበሩ።

ጸኒሑ የሆዋ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ዘርኡ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ብዙሓት ኪዀኑ ምዃኖም ኣረጋገጸሉ። ኣብርሃም ነቲ መብጽዓ እቲ ኣመኖ። ኰይኑ ግን፡ ሳራ ሰበይቱ መኻን ነበረት። ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስ ኰነን ሳራ ናብ 90 ዓመት ዕድሚኣ ምስ ቀረበትን፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ንሱን ሳራን ወዲ ኸም ዚወልዱ ነገሮም። ከምቲ ዝበሎም ድማ፡ ሳራ ንይስሃቅ ወለደት። ኣብርሃም ካልኦት ውሉዳት እውን ነይሮምዎ እዮም፣ እቲ ኣብ ኤድን መብጽዓ እተኣትወሉ መድሓኒ ግን ብይስሃቅ ኣቢሉ እዩ ኺመጽእ ነይርዎ።

እዚ ኸምዚ ኪኸውን ከሎ፡ ሎጥን ስድራ ቤቱን ኣብ ሶዶም ይቕመጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቲ ጻድቕ ሎጥ ካብቶም ርኹሳት ተቐማጦ እታ ኸተማ እተፈልየ እዩ ነይሩ። የሆዋ ኣብ ልዕሊ ሶዶም ፍርዱ ኺፍጽም ምስ ወሰነ፡ መላእኽቱ ልኢኹ ንሎጥ ብዛዕባ እቲ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ጥፍኣት ኣጠንቀቖ። እቶም መላእኽቲ ንሎጥን ንስድራ ቤቱን፡ ካብ ሶዶም ኪወጹን ንድሕሪት ገጾም ግልጽ ከይብሉን ነገርዎም። ድሕሪኡ፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ እታ ጥቓኣ ዝነበረት ጎሞራ እትበሃል እክይቲ ኸተማን ሓውን ዲንን ኣዝነመ፣ ንዅሎም ተቐማጦአን ድማ ኣጥፈኦም። ሎጥን ክልተ ኣዋልዱን ኣምለጡ። ሰበይቲ ሎጥ ግን ንድሕሪት ግልጽ በለት፣ ከምኡ ዝገበረት ከኣ ምናልባት ነቲ ብድሕሪኣ ሓዲጋቶ ዝወጸት ተመንያ ኽትከውን ትኽእል እያ። ብምኽንያት ዘይምእዛዛ ኸኣ፡ ህይወታ ሰኣነት።

—ኣብ ዘፍጥረት 11:10–19:38 እተመስረተ።

  • ኣብርሃም ናብ ከነኣን ዝገዓዘ ስለምንታይ እዩ፧

  • የሆዋ ምስ ኣብርሃም እንታይ ኪዳን እዩ ዝኣተወ፧

  • የሆዋ ንሶዶምን ጎሞራን ዘጥፈአን ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ዝኣተዎ ኺዳናት

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኪዳን ኪበሃል ከሎ፡ ውዕል ወይ ወግዓዊ ስምምዕ እዩ ነይሩ። የሆዋ ተኸታታሊ ኺዳናት፡ ማለት ረዚን መብጽዓታት ብምእታው፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤድን እተመባጽዖ መድሓኒ ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ከም ዚፍጸም በብቝሩብ ገለጸ። እቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መድሓኒ ኻብ መስመር ወለዶ ኣብርሃም ከም ዚመጽእ ሓበረ። ጸኒሑ እተኣትወ ኺዳናት፡ ብዛዕባ መንነት እቲ መድሓኒ ዝያዳ መብርሂ ሃበ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ