ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bh ገጽ 221-ገጽ 222 ሕ.ጽ. 2
  • የሱስ ኣብ ታሕሳስ ድዩ ተወሊዱ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ኣብ ታሕሳስ ድዩ ተወሊዱ፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ
    ንቕሑ!—2013
  • የሱስ መዓስን ኣበይን ተወሊዱ፧
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ምውላድ የሱስ —ኣበይን መዓስን፧
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • መላእኽቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ኣበሰሩ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
bh ገጽ 221-ገጽ 222 ሕ.ጽ. 2

መመላእታ ጽሑፍ

የሱስ ኣብ ታሕሳስ ድዩ ተወሊዱ፧

መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ መዓስ ከም እተወልደ ኣይነግረናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ታሕሳስ ከም ዘይተወልደ ኽንፈልጥ ዜኽእለና እኹል ምኽንያታት ይህበና እዩ።

ኣብታ የሱስ እተወልደላ ቤት-ልሄም ልሙድ ዝዀነ ዅነታት ኣየር እሞ ኣብ ግምት ኣእቱ። እታ ከስለው እትብሃል (ክፋል ሕዳር/ታሕሳስ እተጠቓልል) ናይ ኣይሁድ ወርሒ፡ ቈራሪትን ዝናም ዝበዝሓን እያ። ድሕሪኣ ዘላ ጤቤት (ታሕሳስ/ጥሪ) እትብሃል ወርሒ ኸኣ ካብ ምሉእ ዓመት እታ ኣዝያ ቘራሪት ክትከውን ከላ፡ ሓሓሊፉ ኣብ ከበሳታት ውርጪ ዚዘንመላ ወርሒ እያ። እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዅነታት ኣየር እቲ ኸባቢ እቲ እንታይ ከም ዚብል እስከ ንርአ።

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ እዝራ፡ ከስለው ብቝርን ዝናምን እትፍለጥ ወርሒ ምዃና ገሊጹ ኣሎ። ብዛዕባ እቶም “ኣብ ታሽዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 20 መዓልቲ እታ ወርሒ” ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡ ህዝቢ ኺገልጽ ከሎ፡ ‘ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ዝናም የንቀጥቅጡ’ ምንባሮም ገለጸ። እቶም እተኣከቡ ህዝቢ እውን ብዛዕባ ኣብቲ ወቕቲ እቲ ዚህሉ ዅነታት ኣየር ኪገልጹ ኸለዉ፡ “ግዜኡ ኸኣ ወቕቲ ዝናም እዩ። ኣብ ግዳም ደው ምባል ድማ ኣይከኣልን እዩ” በሉ። (እዝራ 10:9, 13፣ ኤርምያስ 36:22) ኣብቲ ኸባቢ እቲ ዚነብሩ ጓሶት እምበኣር ታሕሳስ ምስ መጸት ንሳቶምን መጓሰኦምን ለይቲ ኣብ መሮር ዘይምሕዳሮም ዜገርም ኣይኰነን!

መጽሓፍ ቅዱስ ግና በታ የሱስ እተወልደላ ለይቲ፡ ጓሶት መጓሰኦም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ከም ዝሓደሩ ይገልጽ እዩ። አረ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ሉቃስ እውን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም “ብለይቲ መጓሰኦም እናሓለዉ፡ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት” ምንባሮም ሓቢሩ ኣሎ። (ሉቃስ 2:8-12) እዞም ጓሶት እዚኦም ቀትሪ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ለይቲ እውን ኣብ መሮር ከም ዝሓደሩ ኣስተብህል። ምሉእ ለይቲ መጓሰኦም ሒዞም ኣብ መሮር እዮም ሓዲሮም። እዚ ኣብ ግዳም ብዛዕባ ምሕዳር ዚሕብር መግለጺ፡ ምስቲ ኣብ ታሕሳስ ኣብ ቤት-ልሄም ዚህሉ ቘራርን ዝናም ዝበዝሖን ኵነታት ኣየር ዚቃዶ ድዩ፧ ኣይቃዶን እዩ። እምበኣር፡ እቲ ምስ ውልደት የሱስ ተተሓሒዙ እተገልጸ ዅነታት፡ የሱስ ኣብ ታሕሳስ ከም ዘይተወልደ እዩ ዚሕብረና።a

ቃል ኣምላኽ የሱስ መዓስ ከም ዝሞተ ብንጹር ይነግረና እዩ፣ ብዛዕባ ውልደቱ ግና ብዙሕ ኣይነግረናን እዩ። እዚ ኸኣ፡ “ካብ ጽቡቕ ዘይትስ ጽቡቕ ስም ይሓይሽ፣ ካብ መዓልቲ ልደት ድማ መዓልቲ ሞት ይሓይሽ” ብምባል ንጉስ ሰሎሞን ንእተዛረቦ ቓላት እዩ ዜዘኻኽረና። (መክብብ 7:1) እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣገልግሎትን ሞትን የሱስ ሓያሎ ዝርዝር ሓበሬታ ኺህብ ከሎ፡ ብዛዕባ እተወልደሉ እዋን ግና ሒደት ሓበሬታ ጥራይ ምሃቡ ዜገርም ኣይኰነን።

ጓሶት ምስ መጓሶም ኣብ ጥቓ ቤት-ልሄም ኣብ መሮር

የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን ጓሶት ብለይቲ መጓሰኦም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ሓደሩ

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ገጽ 176-179 ተወከስ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ