ህይወትካ ናበይ ገጻ እያ እተምርሕ ዘላ፧
• ብዙሓት ሰባት ኣብ ጕዳያት መዓልታዊ ናብራኦም ትሑዛት ብምዃኖም ናበይ ገጾም የምርሑ ኸም ዘለዉ እምብዛ ኣይጭነቕሉን እዮም።
• መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጻኢ ዜደንቕ ፍጻመታት ኬጋጥም ምዃኑ ይነግረና። ብዛዕባ ኣብ ሰብኣውያን ትካላት ዜጋጥም ዓለምለኻዊ ቕልውላው እውን የጠንቅቐና እዩ። ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽንጥቀምን ካብቲ ጥፍኣት ክንድሕንን እንተደኣ ደሊና: ቀልጢፍና ኣወንታዊ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና።
• ገለ ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ዚፈልጡን ኣብ ተግባር ኬውዕልዎ ዚጽዕሩን እኳ እንተዀኑ እዚ ሃለኽለኽ ዚመልኦ ናብራ ግን መገዶም ከም ዚስሕቱ ይገብሮም ኣሎ።
• በቲ ህይወትካ እትምርሓሉ ዘላ መገዲ ሕጕስ ዲኻ፧ ሓደ ነገር ንምግባር ክትምድብ ከሎኻ: ነቲ ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶኻ ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ትሓስበሉዶ፧
[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሳጹን/ስእልታት]
ዝያዳ ዜገድሰካ ነገር እንታይ እዩ፧
ነዚ ዚስዕብ ብኸመይ ኢኻ እትሰርዖ፧ ነቲ ዝያዳ ኣገዳስነት እትህቦ ቐዳምነት እናሃብካ ስርዓዮ።
መብዛሕትኡ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ህይወትካ ኣገዳሲ ቦታ ኣለዎ: እንተዀነ ግን እቲ ቐንዲ ዜገድሰካ ኽትመርጽ እንተደኣ ዄንካ: ነየናይ ኢኻ ቀዳማይ: ካልኣይ: ሳልሳይ ወዘተ እናበልካ እትሰርዖ፧
․․․ ምዝንጋዕ/መሕለፍ ግዜ
․․․ ስርሐይ
․․․ ጥዕናይ
․․․ ዜሐጕሰኒ ነገራት
․․․ በዓልቲ ቤተይ/በዓል ቤተይ
․․․ ወለደይ
․․․ ደቀይ
․․․ ጽቡቕ ገዛ: ብሉጽ ክዳውንቲ
․․․ ኣብ ዝገብሮ ዘበለ ዝበለጽኩ ክኸውን
․․․ ንኣምላኽ ዘቕርቦ ኣምልኾ
[ኣብ ገጽ 10, 11 ዘሎ ሳጹን]
እቲ እትገብሮ ምርጫ ብሓቂ ናብቲ ኽትበጽሖ ዝወጠንካዮ ሸቶ ዜብጽሓካ ድዩ፧
ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕሰበሉ
መዘናግዒ/መሕለፍ ግዜ:- ኣብ ምዝንጋዕ ዝገብሮ ምርጫ ዜሐድሰኒ ድዩ፧ ባህ ክብለኒ ኢለ ዝመርጾ ምዝንጋዕ ንጥዕናይ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኻብኡ ሓሊፉ እውን ስንክልና ኸስዕበለይ ዚኽእል ድዩ፧ ንሒደት ሰዓታት ዚጸንሕ ሓጐስ ዜምጽእ እኳ እንተዀነ ነባሪ ጓሂ ልቢ ዜስዕብ ድዩ፧ ዋላ እውን እቲ ዝመርጾ መዘናግዒ ጥዑይ እንተዀነ: ነቲ ዝያዳ ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ዚኸውን ግዜ ኽሳዕ ዝስእን ዝገብረኒ ድዩ፧
ስርሐይ:- ነቲ ንህይወት ዜድልየኒ ነገራት ንምምላእ ድዩ ዚሕግዘኒ ወይስ ምሉእ ብምሉእ ባርያኡ እዩ ዚገብረኒ፧ ንጥዕናይ ኪትንክፍ ዚኽእል ድዩ፧ ምስ ብዓልቲ ቤተይ (ብዓል ቤተይ) ወይ ደቀይ ግዜ ምሕላፍ ድየ ዝመርጽ ወይስ ተወሳኺ ሰዓታት ምስራሕ፧ ኣስራሕየይ ምስ ሕልናይ ዘይሰማማዕ ክሰርሕ እንተ ሓቲቱኒ ወይ ምስቲ ንመንፈሳዊ ነገራት እተሓዝአ ግዜ ዚሻሞ እንተደኣ ዀይኑ ስርሐይ ንምዕቃብ ክብል ነቲ ስራሕ ምስራሕ ድየ ዝመርጽ፧
ጥዕናይ:- ኣቕሊለ ድየ ዝርእዮ ወይስ እጥንቀቐሉ እየ፧ ምስ ሰባት ከዕልል ከለኹ ዘረባይ ብዛዕባኡ ጥራይ ድዩ፧ ኣብ ጥዕናይ ዝገብሮ ተገዳስነት ንስድራቤተይ ከም ዝሓሊ ዜርኢ ድዩ፧
ዜሐጕሰኒ ነገራት:- ቀዳምነት ዚህቦ ነገር ድዩ፧ ካብቲ ንብዓልቲ ቤተይ (ንብዓል ቤተይ) ወይ ንስድራቤተይ ዜሐጕሶም ነገራት ንላዕሊ ድየ ዝሰርዖ፧ ንኽሕጐስ ኢለ ዝገብሮ ነገራት ምስቲ ንኣምላኽ ዘቕርቦ ኣምልኾይ ዚሰማማዕ ድዩ፧
ብዓልቲ ቤተይ/ብዓል ቤተይ:- ንብዓልቲ ቤተይ (ብዓል ቤተይ) ከም ብጸይተይ ገይረ ዝርእያ ሳሕቲ ጥራይ ድዩ፧ ክብረት ከም ዚግብኣ ገይረ ብምርኣይ ብኣኽብሮት ድየ ዝሕዛ፧ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ነቲ ንበዓልቲ ቤተይ ዘሎኒ ኣረኣእያ ይጸልዎ ድዩ፧
ወለደይ:- ንእሽቶ እንተደኣ ዄንካ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ተወከስ። ንወለደይ እእዘዝዶ እየ፧ ኣብ ዝሕተተሉ ግዜ ኽብሪ ብዘለዎ መገዲ እምልስ ድየ፧ ክገብሮ ንእተዋህበኒ ዕዮ እፍጽም ድየ፧ ኣብ እተወሰነለይ ሰዓት ገዛ እኣቱ ድየ፧ ኣርሕቆም ንዝበሉኒ ኣዕሩኽን ንጥፈታትን አወግድ ድየ፧ ዓብዪ እንተደኣ ዄንካ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተት:- ንወለደይ ክብሪ ብዘለዎ መገዲ እሰምዖም ድየ፧ ኣብ ዜድልዮም ግዜ ኣድላዪ ሓገዝ እገብረሎም ድየ፧ ምስኦም ኣብ ዝገብሮ ርክብ ከም ዝጥዕመኒ ድየ ዝመላለስ ወይስ ብምኽሪ ቓል ኣምላኽ፧
ደቀይ:- ንደቀይ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ክምህሮም ከም ዚግባኣኒ ድዩ ዚስምዓኒ ወይስ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኺምሃርዎ እየ ትጽቢት ዝገብር፧ ምስ ደቀይ ግዜ አሕልፍ ድየ ወይስ ምስ መጻወቲ: ቲቪ: ወይ ኮምፒዩተር ግዜ ኸም ዜሕልፉ እየ ዝገብር፧ ንመዘኻኸሪታት ኣምላኽ ኣብ ዚጥሕስሉ እዋናት ድየ ዝቐጽዖም ወይስ ንዓይ ዜሕርቕ ነገራት ኪገብሩ ኸለዉ ጥራይ፧
ጽቡቕ ገዛ: ብሉጽ ክዳውንቲ:- ንኣቃውማይን ንዘሎኒ ንዋታዊ ነገራትን ዝህቦ ቘላሕታ ዚጸልዎ እንታይ እዩ፧ ኣብ ጐረባብተይ ክፈጥሮ ዝደሊ ስምዒት ድዩ: ድሕንነት ስድራቤተይ ድዩ: ወይስ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ምዃነይ፧
ኣብ ዝገብሮ ዘበለ ዝበለጽኩ ክኸውን:- ነገራት ብዚግባእ ኪግበር ኣለዎ ዚብል ስምዒት ድዩ ዘለኒ፧ ብሉጽ ክኸውን ድየ ዝጽዕር፧ ካልእ ሰብ ንሓደ ነገር ብዝሓሸ መገዲ እንተ ገበሮ እቐንእ ድየ፧
ንኣምላኽ ዘቕርቦ ኣምልኾ:- ስምረት የሆዋ ምርካብ ካብ ብዓልቲ ቤተይ (ብዓል ቤተይ): ወሉድ: ወላዲ: ኣስራሒ ዚርከብ ስምረት ንላዕሊ ድየ ዝርእዮ፧ ምሾት ዘለዎ ናብራ ንምንባር ክብል ነገልግሎት ኣምላኽ ካልኣይ ቦታ ድየ ዝህቦ፧
ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠንቂቕካ መርምሮ
ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ኸመይ ዝበለ ቦታ እዩ ዘለዎ፧
መክብብ 12:13:- “መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ: እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።”
ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ኣነባብራይ ምስቲ ኣብ መክብብ 12:13 ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ዚሰማማዕ ድዩ፧ ኣብ ገዛ: ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎኒ ሓላፍነት ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው ድየ ዝፍጽሞ፧ ወይስ ካልእ ዜገድሰኒ ነገራት ወይ ናይ ናብራ ጸቕጥታት ንኣምልኾ ዚዀነኒ እኹል ግዜ ንኸይምድብ ጽልዋ ይገብረለይ እዩ፧
ምስ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ርክብ እዩ ዘሎካ፧
ምሳሌ 3:5, 6:- “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”
ማቴዎስ 4:10:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ።”
ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ብዛዕባ ኣምላኽ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ድዩ ዚስምዓኒ፧ መዓልታዊ ንጥፈታተይን ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎ ዝኽተሎ መገድን ኣብ ኣምላኽ እምነትን ተወፋይነትን ከም ዘሎኒ ዜርኢ ድዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብን ምጽናዕን ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜገድሰካ፧
ዮሃንስ 17:3:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።”
ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ንቓል ኣምላኽ ንምንባብን ንምስትንታንን ዘሎኒ ተገዳስነት ብሓቂ ኣብኡ ኸም ዝኣምን ዜርኢ ድዩ፧
ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋል ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜገድሰካ፧
እብራውያን 10:24, 25:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።”
መዝሙር 122:1:- “ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ: ምስ በሉኒ ተሐጐስኩ።”
ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- በነባብራይ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መምርሒ ሞሳ አርኢ ድየ፧ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣራኽቦ ስለ ዝሰኣንኩ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኸይተኻፈልኩላ ዝሓለፈት መዓልቲ ኣላዶ፧
ብዛዕባ ኣምላኽን ዕላማታቱን ንኻልኦት ንምንጋር ብቕንኢ ትካፈልዶ ኣሎኻ፧
ማቴዎስ 24:14:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር . . . ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”
ማቴዎስ 28:19, 20:- “ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም።”
መዝሙር 96:2:- “ንእግዚኣብሄር ዘምሩ: ንስሙ ባርኹ: ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ።”
ንገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ነዚ ናይ ምስባኽ ዕዮ እዚ: ኣብ ናብራይ እቲ ዚግብኦ ቦታ እህቦ ድየ፧ ኣብ ኣገልግሎት ዘርእዮ ተሳትፎ እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ህጹጽ ምዃኑ ኸም ዝኣምነሉ ዜርኢ ድዩ፧