ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ol ገጽ 2
  • መእተዊ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መእተዊ
  • መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
መገዲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺብካያዶ፧
ol ገጽ 2

መእተዊ

እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ: ጐይታ ዅሉ ፍጥረት እዩ። ህይወትና ሕጅን ኣብ መጻእን ኣብኡ እተመርኰሰት እያ። ዓስቢ ኺህብ ወይ ኪቐጽዕ ሓይሊ ኣለዎ። ህይወት ኪህብ ወይ ኪወስድ ሓይሊ ኣለዎ። ስምረቱ እንተ ረኺብና ይጽብቐልና: ስምረቱ እንተ ስኢንና ግን ኣብ ሕማቕ ኵነታት ኢና እንወድቕ። ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ዘለዎ ኣምልኾ ኺህልወናስ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ተመሳቓሊ መገዲ ደው ኢሎም

ሰባት ብብዙሕ መገድታት እዮም ዜምልኹ። ሃይማኖት ከም መገዲ እንተ ደኣ መሲልናዮ: ኵሉ ሃይማኖታዊ መገድታት ስምረት ኣምላኽ ኣለዎዶ፧ የብሉን። እቲ ነብዪ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ: ክልተ መገድታት ጥራይ ከም ዘለዋ እዩ ገሊጹ። “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም” በለ።—ማቴዎስ 7:13, 14

ክልተ ዓይነት ሃይማኖት ጥራይ እየን ዘለዋ። እታ ሓንቲ ናብ ህይወት ትመርሕ: እታ ሓንቲ ድማ ናብ ጥፍኣት ትመርሕ። እዛ ብሮሹር እዚኣ ነታ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ መገዲ ንኽትረኽባ ኽትሕግዘካ ተባሂላ እያ ተዳልያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ