ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 52 ገጽ 265-ገጽ 267 ሕ.ጽ. 3
  • ውጽኢታዊ ምዕዶ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ውጽኢታዊ ምዕዶ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብህጹጽ ስበኽ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
  • ካብ መልእኽትታት ናብ ቲቶስን ፊልሞንን እብራውያንን ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንትምህርትኻ ተጠንቀቕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ‘ዓቕሊ ልበሱ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 52 ገጽ 265-ገጽ 267 ሕ.ጽ. 3

መጽናዕቲ 52

ውጽኢታዊ ምዕዶ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ብዜእምን ርትዓዊ መረዳእታ ወይ ካብ ሓደ ኣኽቢርካ ዚርአ ምንጪ ብእተረኽበ ምኽሪ ጌርካ ንኻልኦት ስጕምቲ ኺወስዱ ኣነቓቕሓዮም። እዚ ብዕቱብ ምዝራብ ዚሓትት እዩ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ውጽኢታዊ ምዕዶ ንሰባት ብህጹጽ ነቲ በረኸት የሆዋ ዜምጽእ መገዲ ኺስዕቡ ጦብላሕታ ይሓድገሎም።

ክርስትያን ሽማግለታት ‘በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኺምዕዱ’ ኣለዎም። (ቲቶ. 1:9) ሓድሓደ ግዜ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት ምዕዶ ኺወሃብ ይከኣል እዩ። ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒታት ብምስምማዕ ምኽሪ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ: ሽማግለታት ነቲ ‘ናብ ምምዓድ ኣቕልብ’ ዚብል ምኽሪ ኺስዕቡ ኣለዎም። (1 ጢሞ. 4:13) እዚ ኣብዚ ዚግለጽ ዘሎ ሓሳባት ብቐዳምነት ናብ ሽማግለታት ወይ ናብቶም ነዚ ሓላፍነት እዚ ዚመጣጠሩ ዘለዉ ዝቐንዐ እኳ እንተ ዀነ: ወለዲ ንደቆም ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዚመሃሩ ዚምዕዱሉ እዋን ግን ኣሎ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዳያት: ተመሳሳሊ መምርሒታት ኪስዕቡ ይኽእሉ እዮም።

ምዕዶ ዜድልየሉ ዅነታት። ምዕዶ መዓስ ከም ዜድሊ ንምውሳን: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምዕዶ እተዋህበሉ ዅነታት ምምርማሩ ጠቓሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንሽማግለታት ነቲ ኸም ጓሶት መጓሰ ኣምላኽ መጠን ዘለዎም ሓላፍነት ኬቕልቡሉ መዓዶም። (1 ጴጥ. 5:1, 2) ጳውሎስ ንቲቶስ: ንኣጕባዝ “ለባማት” ኪዀኑ ኺምዕዶም መኸሮ። (ቲቶ. 2:6) ንክርስትያናት ብጾቱ ኸኣ ‘ሓደ ዘረባ ኺዛረቡን’ ካብቶም ኣብ መንጎ ኣሕዋት ምፍልላይ ኪገብሩ ዚጽዕሩ ኺርሕቑን ተማሕጸኖም። (1 ቈረ. 1:10፣ ሮሜ 16:17፣ ፊል. 4:2) ጳውሎስ ንኣባላት እታ ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበረት ጉባኤ ብጽቡቕ ነገራት እኳ እንተ ነኣዶም: ነቲ እተዋህቦም መምርሒታት ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ መዓዶም። (1 ተሰ. 4:1, 10) ጴጥሮስ ንክርስትያናት ብጾቱ: “ካብ . . . ስጋዊ ትምኒት ርሐቑ” ኢሉ ተላበዎም። (1 ጴጥ. 2:11) ይሁዳ ነቶም ኣብ ርኽሰት ዝጠሓሉ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ግምት ብምእታው: ንኣሕዋቱ ‘በታ እምነት ኪጋደሉ’ መዓዶም። (ይሁ. 3, 4) ክርስትያናት ብሓፈሻ ዋላ ሓደ በቲ መዐሸዊ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይተርር: ንሓድሕዶም ኪመዓዓዱ ምሕጽንታ ተዋሂብዎም እዩ። (እብ. 3:13) ጴጥሮስ ነቶም ገና ኣብ ክርስቶስ ዘይኣመኑ ዝነበሩ ኣይሁድ: “ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሐኑ” እናበለ መዓዶም።—ግብ. 2:40

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ሓያል ምሕጽንታ ንምቕራብ እንታይ ባህርያት እዩ ዜድሊ፧ እቲ ዚምዕድ ሰብ ጸቕጢ ኸየብዝሐ ወይ ተሪር ቃላት ከይተዛረበ ነቲ ምሕጽንታኡ ብህጹጽ ንኺዓዩሉ ኺገብር ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

“ምእንቲ ፍቕሪ።” ምዕዶና “ምእንቲ ፍቕሪ” ኢልካ እንተ ዘይተዋሂቡ: ከቢድ ኪመስል ይኽእል እዩ። (ፊሞ. 9) ብኡንብኡ ስጕምቲ ኺውሰድ ምስ ዚድለ: እቲ ተዛራባይ ንህጹጽነት እቲ ዅነታት ኬመሓላልፍ ከም ዘለዎ ዚከሓድ ኣይኰነን። ልምሉም ኣዘራርባ በቲ እትዛረቦ ዝሓፈርካ ኼምስል ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ: እቲ ምሕጽንታ ብዕቱብን ብሓልዮትን ኪቐርብ ኣለዎ። ፍቕራዊ ምሕጽንታ ንሰማዕቲ ኺድርኾም ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ነቲ ንሱን ብጾቱን ንሰብ ተሰሎንቄ ዝገበሩሎም ኪዛረብ ከሎ: “ከምቲ እትፈልጥዎ: . . . ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንውሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩም . . . ነበርና” በሎም። (1 ተሰ. 2:11) እቶም ክርስትያን ሓለውቲ ነቶም ኣሕዋት ብፍቕሪ እዮም ለሚኖምዎም። እምበኣር: እትዛረቦ ዘረባ ኻብቲ ንሰማዕትኻ ዘሎካ ናይ ሓቂ ሓልዮት ዝመነጨ ይኹን።

ሜላ ተጠቐም። ነቶም ስጕምቲ ኺወስዱ ኸተለዓዕሎም እትደልዮም ሰባት ኣይተርሕቆም። ንሰማዕትኻ “ዅሉ ምኽሪ ኣምላኽ” ካብ ምንጋር እውን ድሕር ኣይትበል። (ግብ. 20:27) መማሰውቲ ሰባት ቅኑዕ ኪገብሩ ብሕያውነት ስለ እተማሕጸንካዮም: ኣይቅየሙኻን ወይ ንዓኻ ዝነበሮም ፍቕሪ ኣይንክዩን እዮም።—መዝ. 141:5

መብዛሕትኡ ግዜ: ማዕዳ ቀቅድሚ ምሃብካ: ንጹርን ልባውን ናእዳ ምሃብ ጠቓሚ እዩ። ብዛዕባ እቲ ኣሕዋትካ ዚገብርዎ ዘለዉ ሰናይ ነገራት: ማለት ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ዜሐጕሶ ነገራት ሕሰብ። እዚ ድማ ኣብ ዕዮኦም ዜርእይዋ እምነት: ንኺጽዕሩ እትድርኾም ፍቕሪ: ከምኡውን ኣብ ፈታኒ ዅነታት ብምጽማም ዜርእይዋ ትዕግስቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ተሰ. 1:2-8፣ 2 ተሰ. 1:3-5) እዚ ንኣሕዋትካ ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮምን ከም እትርድኦምን ንኺስምዖም ይሕግዝ: ነቲ ስዒቡ ዚመጽእ ምሕጽንታ ንኪቕበልዎ ድማ ድሉዋት ይገብሮም።

“ብዅሉ ዓቕሊ።” ምዕዶ “ብዅሉ ዓቕሊ” ኺወሃብ ኣለዎ። (2 ጢሞ. 4:2) እዚ እንታይ የጠቓልል፧ ዓቕሊ ኺበሃል ከሎ: እተገብረ ጌጋ ወይ ዜሕርቕ ነገር ብትዕግስቲ ምጻር ማለት እዩ። ሓደ ዓቃል ሰብ ነቲ ዚብሎ ነገራት ሰማዕቱ ኣብ ግብሪ ኸም ዜውዕልዎ ተስፋ ይገብር እዩ። በዚ መንፈስ እዚ ምምዓድ: ሰማዕትኻ ብዛዕባኦም ኣሉታዊ ነገራት ከም እትሓስብ ገይሮም ንኸይርእዩኻ ይሕግዝ። ኣሕዋትካን ኣሓትካን ንየሆዋ ብእተኻእሎም መጠን ኬገልግልዎ ኸም ዚደልዩ ዘሎካ ምትእምማን: ነቲ ቕኑዕ ንኺገብሩ ዘለዎም ባህጊ የለዓዕሎ።—እብ. 6:9

“በቲ ጥዑይ ትምህርቲ።” ሓደ ሽማግለ “በቲ ጥዑይ ትምህርቲ . . . ኺምዕድ” ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ‘በቲ እሙን ቃል ምህሮ ብምጽናዕ’ እዩ ነዚ ዚገብሮ። (ቲቶ. 1:9) ብሕታዊ ርእይቶኻ ኣብ ክንዲ እትገልጽ: ቃል ኣምላኽ ነቲ እተቕርቦ ምሕጽንታ ሓይሊ ኸም ዝዀኖ ግበሮ። እንታይ ኪበሃል ከም ዜድሊ ንኸተስተውዕል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኰስ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ እትገልጾ ዘለኻ ጕዳይ ዚብሎ ነገር ኣብ ግብሪ ምውዓል ዜምጽኦ ረብሓታት ዘርዝር። ምስ ቃል ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ዘይምምልላስ: ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ዜምጽኦ ሳዕቤናት ኣብ ኣእምሮኻ መዝግቦ: ነዚ ድማ ንሰማዕትኻ ግቡእ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸም ዜድልዮም ንምእማን ተጠቐመሉ።

ንሰማዕትኻ እንታይ ኪገብሩን ብኸመይ ኪገብርዎን ከም ዘለዎምን ብንጹር ግለጸሎም። እቲ እተቕርቦ መረዳእታ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ምዃኑ ኣነጽሮ። እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣብ ገሊኡ ውሳነ እተወሰነ ናይ ምምራጽ ናጽነት ዚህብ እንተ ዀይኑ: እዚ ናጽነት እዚ ኽሳዕ ኣበይ ምዃኑ ግለጽ። ድሕሪኡ: ኣብ መደምደምታኻ ንሰማዕትኻ ስጕምቲ ኺወስዱ ዝገበርዎ ቘራጽነት ምእንቲ ኸተደልድሎ ናይ መወዳእታ ምሕጽንታ ኣቕርብ።

ብ“ትብዓት።” ሓደ ሰብ ንኻልኦት ሰባት ብውጽኢታዊ መገዲ ንምምዓድ: ንሱ ንባዕሉ “ብእምነት . . . ትብዓት” ኪህልዎ ኣለዎ። (1 ጢሞ. 3:13) ሓደ ሰብ ብትብዓት ከይተሰከፈ ንኺዛረብ ዚሕግዞ እንታይ እዩ፧ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝገደፎ ኣርኣያ’ ምስቲ ንኣሕዋቱ ኺገብርዎ ዚምሕጸኖም ዘሎ ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ኺሕግዞ ይኽእል እዩ። (ቲቶ. 2:6, 7፣ 1 ጴጥ. 5:3) ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: እቶም ሓደ ነገር ኪገብሩ ምሕጽንታ ዚወሃቦም ሰባት: እቲ ዚምዕዶም ሰብ ንሱ ንባዕሉ ኺገብሮ ዘይክእል ነገር ኪገብሩ ኸም ዘይጽበዮም የስተውዕሉ እዮም። ከምቲ ንሱ ንክርስቶስ ኪመስሎ ዚጽዕር ዘሎ: ንሳቶም እውን ንእምነቱ ኺመስልዋ ኸም ዚኽእሉ ኺግንዘቡ እዮም።—1 ቈረ. 11:1፣ ፊል. 3:17

ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተን ብፍቕሪ እተወሃበን ምዕዶ: ብዙሕ ሰናይ ኪዓምም ይኽእል እዩ። እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕዶ ኺህቡ ሓላፍነት እተዋህቦም: ብግቡእ ንኺምዕዱ ኺተግሁ ኣለዎም።—ሮሜ 12:8

ብኸመይ ከም እትገብሮ

  • ፍቕርን ዓቕልን ኣርኢ: ብዕቱብ ድማ ተዛረብ።

  • ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመስሪትካ ምዓድ።

  • ንስኻ ንባዕልኻ ሰናይ ኣብነት ብምዃን ንምዕዶኻ ኣደልድሎ።

መላመዲ:- ነታ ሃዋርያ ጳውሎስ ንፊልሞን ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኣንብባ። ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ኣናዲ:- (1) ባህ ዜብል ናእዳ: (2) ጳውሎስ ኣብ ክንዲ ኦኔሲሞስ ንምልማን እተጠቕመሉ መሰረት: (3) ንፊልሞን ነቲ እተመልሰ ባርያኡ ብኸመይ ኪቕበሎ ኸም ዘለዎ ንኼእምን እተጠቕመሉ መርትዖ: (4) ፊልሞን ቅኑዕ ነገር ከም ዚገብር ጳውሎስ ዝነበሮ ምትእምማን። ምዕዶ ኽትህብ ከለኻ: ነዚ ኣብነት እዚ ብኸመይ ክትቀድሖ ኸም እትኽእል ሕሰብ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ