ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be መጽናዕቲ 24 ገጽ 160-ገጽ 165 ሕ.ጽ. 5
  • ቃላት ምምራጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ቃላት ምምራጽ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልሳንካ ንጽቡቕ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • “ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ ተዛረብ
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • “ንምህናጽ ዜድሊ ዘበለ ጽቡቕ ቃል” ተዛረብ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be መጽናዕቲ 24 ገጽ 160-ገጽ 165 ሕ.ጽ. 5

መጽናዕቲ 24

ቃላት ምምራጽ

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ኣኽብሮትን ሕያውነትን ዜርኢ: ንምርዳኡ ቐሊል: ንዘረባኻ በበይኑ ዝዓይነቱ ቓላት ከም ዚህልዎ ዚገብሮ: ከምኡውን ግቡእ ሓይልን ስምዒትን ዜመሓላልፍ ቃላት ተጠቐም። ነቲ እትመርጾ ቓላት ምስ ሕግታት ሰዋስው ብዚሰማማዕ መገዲ ተጠቐመሉ።

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ነቲ እተመሓላልፎ ዘለኻ መልእኽቲ ኣኽብሮት ከም ዘሎካ የርኢ: ብዛዕባ እቶም እትዛረቦም ሰባት ዘሎካ ኣረኣእያ ድማ ብዙሕ ይገልጽ። ሰባት ነቲ እትብሎ ነገር ብኸመይ ምላሽ ከም ዚህቡሉ ጽልዋ ይገብረሎም።

ቃላት: ሓሳብ ንምምሕልላፍ ዚሕግዝ ሓያል መሳርሒ እዩ። ቃላትና ሓደ እተወሰነ ዕላማ ምእንቲ ኺወቅዕ ግን: ተጠንቂቕና ኽንመርጾ ኣሎና። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ግቡእ ዝዀነ ቓል: ኣብ ካልእ ኵነታት ሕማቕ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ባህ ዜብል ዝነበረ መግለጺ ብዘይግቡእ እንተ ተጠቒምካሉ: “ተሪር ቃል” ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ምጥቃም: ከም ዘይትሓስብ ኬንጸባርቕ ይኽእል እዩ። ገሊኡ ቓላት ክልተ ትርጕም ኣለዎ: ሓደ ኻብቲ ትርጕሙ ድማ ዚጐድእ ወይ ዜቈናጽብ ኪኸውን ይኽእል። (ምሳ. 12:18፣ 15:1) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: “ሰናይ ቃል:” ወይ ዜተባብዕ ቃል: ንልቢ ሰማዒኡ ባህ የብሎ። (ምሳ. 12:25) ቅኑዕ ቃላት ምርካብ ዋላ እውን ንጥበበኛ ሰብ ጻዕሪ ይሓትት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ: ሰሎሞን “ባህ ዜብል ቃላት” ከምኡውን “ቅኑዕን ቃላት ሓቅን” ኪረክብ ጻዕሪ ኸም ዜድልዮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።—መክ. 12:10

ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት: ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ እተወሰነ ስልጣን ዘለዎም ንምዝራብ እተወሰነ ቓላት ክትጥቀም ከለኻ: ንመዛኑኻ ወይ ንምንኣስካ ኽትዛረብ ከለኻ ግን ካብዚ እተፈልየ ቓላት ትጥቀም። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስርዓት ዕሽሽ ምባል ከም ስድነት ጌርካ እዩ ዚርአ። እቲ ብባህሊ ንእተወሰነ ሰባት እተሓዝአ ቓላት ንርእስኻ ምጥቃም እውን ግቡእ ኣይኰነን። ኣኽብሮት ብምርኣይ ዝመጸ: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሕጊ ዀነ ባህሊ ዚበልጽ ስርዓት ኣለዎ። ንክርስትያናት: “ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ” ኢሉ እዩ ዚምሕጸኖም። (1 ጴጥ. 2:17) እቶም ነዚ ኻብ ልቦም ዚሕልውዎ: ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ንዚርከቡ ሰባት ብኣኽብሮት እዮም ዚዛረብዎም።

ልክዕ እዩ: ብዙሓት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዘይኰኑ ሰባት ብዕሉግን ጽዩፍን ቃላት ይጥቀሙ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ዘረባ ነቲ ዚብልዎ ኸም ዜጕልሖ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ወይ ከኣ ከምዚ ዚገብሩ ብዙሕ ቃላት ስለ ዘይፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ። ሓደ ሰብ መገድታት የሆዋ ቕድሚ ምፍላጡ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ናይ ምጥቃም ልማድ እንተ ነይርዎ: ነዚ ልማድ እዚ ኼወግዶ የጸግሞ ይኸውን። ዘይከኣል ግን ኣይኰነን። መንፈስ ኣምላኽ ንኣዘራርባ ሓደ ሰብ ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: እቲ ውልቀ-ሰብ ሰናይ ቃላት: ማለት ዚምሽእን ዚሃንጽን ቃላት ንኺፈልጥን ኣዘውቲሩ ንኺጥቀመሉን ፍቓደኛ ኪኸውን ኣለዎ።—ሮሜ 12:2፣ ኤፌ. 4:29፣ ቈሎ. 3:8

ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ ዘረባ። ሓደ ኻብቲ ንሓደ ዘረባ ጽቡቕ ዜብሎ መሰረታዊ ነገር: ንምርዳኡ ቐሊል ምዃኑ እዩ። (1 ቈረ. 14:9) እቲ እትጥቀመሉ ቓላት ሰማዕትኻ ንኺርድእዎ ዚኸብዶም እንተ ዀይኑ: ከም ሓደ ናይ ወጻኢ ቛንቋ ዚዛረብ ሰብ ኢኻ እትዀኖም።

ገሊኡ ቓላት ንሓደ ሞያ ዘለዎም ሰባት ፍሉይ ትርጕም ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ንሳቶም መዓልታዊ ይጥቀሙሉ ይዀኑ። ነዚ ቓላት እዚ ኣብ ጌጋ መዓላ ተውዕሎ እንተ ዄንካ ግን: ነቲ ሓሳባት ናይ ምምሕልላፍ ክእለትካ ኺዓግቶ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺውን ኣብ መዓልታዊ ዘረባ ዚዝውተር ቃላት ዋላ እውን እናተጠቕምካ ኽነስኻ: ኣብ ዘየድሊ ዝርዝር ነገራት እንተ ኣተኲርካ: ኣእምሮ ሰማዕትኻ ብቐሊሉ ኺገይሽ ይኽእል እዩ።

ሓላዪ ተዛራባይ ነቶም ብዙሕ ትምህርቲ ዘይብሎም ሰባት እውን እንተ ዀነ ዚርድኦም ቃላት እዩ ዚሓሪ። ንየሆዋ ብምምሳል: ነቲ “ድኻ” ወይ ኣብ ትሑት ደረጃ ዘሎውን ተገዳስነት የርእዮ እዩ። (እዮ. 34:19) ሓደ ተዛራባይ ሓደ ዘይፍለጥ ቃል ኪጥቀም ኣድላዪ ዀይኑ እንተ ረኺብዎ: ንትርጕም እቲ ቓል ኣብ ዜነጽር ቀሊል ሓረግ ኪሰዅዖ ኣለዎ።

ብጥንቃቐ እተመርጸ ቐሊል ቃላት ንሓሳባት ሓይሊ ይውስኸሉ እዩ። ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባትን ቀለልቲ ሓረጋትን ንምርዳኡ ቐሊል እዩ። እቲ ዚቐርብ ዘረባ እተቘራረጸ ምእንቲ ኸይከውን: ኣብ መንጎ እቲ ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባት: ንውሕ ዝበለ ምሉእ ሓሳባት ከተእትወሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ሰማዕትኻ ኺዝክርዎ እትደልዮም ሓሳባት ግን: ቀሊል ቃላትን ሓጺር ምሉእ ሓሳባትን ተጠቐም።

በበይኑ ዝዓይነቱን ትኽክለኛን ቃላት። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቋንቋ ዋሕዲ ሰናይ ቃላት የልቦን። ንነፍሲ ወከፍ ኵነታት ሕደ ዓይነት መግለጺታት ኣብ ክንዲ ምጥቃም: በበይኑ ዝዓይነቱ ቓላት ተጠቐም። ከምዚ እንተ ጌርካ: ዘረባኻ ባህ ዜብልን ትርጕም ዘለዎን ይኸውን። ብኸመይ ማህደረ ቓላትካ ኸተስፍሕ ትኽእል፧

ከተንብብ ከለኻ: ምሉእ ብምሉእ ዘይተረዳእካዮ ዝዀነ ይኹን ቃል ምልክት ግበረሉ: ብቛንቋኻ መዝገበ-ቓላት ዚርከብ እንተ ዀይኑ: ነዚ ኣብኡ ርኣዮ። ካብዚ ድማ እተወሰነ ቓላት ምረጽ: ኣብ ግቡእ መዳይ ንኽትጥቀመሉ ኸኣ ጻዕሪ ግበር። ብዚግባእ ኣድምጾ: ኣብቲ ኣቓልቦ ዚስሕብ ሓረጋት ዘይኰነስ: ብቐሊሉ ኺርድእዎ ኣብ ዚኽእሉ ሓረጋት ተጠቐመሉ። ማህደረ ቓላትካ ምስፋሕካ ኣብ ዘረባኻ በበይኑ ዝዓይነቱ ቓላት ንኽትጥቀም የኽእለካ። እንተዀነ ግን: ሓደ ኽትጥንቀቐሉ ዚግባእ ነጥቢ ኣሎ። ሓደ ሰብ ንቓላት ብጌጋ ምስ ዜድምጾ ወይ ምስ ዚጥቀመሉ: ካልኦት ሰባት ብዛዕባ እንታይ ይዛረብ ከም ዘሎ ዘይፈልጥ እዩ ዚመስሎም።

ማህደረ ቓላትና እነስፍሓሉ ዕላማ: ሰማዕትና ንኼድንቑና ኢልና ኣይኰንናን። እተሓላለኸ ዘረባን ነዊሕ ቃላትን ናብቲ ተዛራባይ ከም ዚትኰር ይገብር እዩ። ባህግና ኣገዳሲ ሓበሬታ ምክፋልን እቶም ዚሰምዑና ተገዳስነት ከም ዚሓድሮም ምግባርን እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ነቲ “ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምስላ ዘክሮ። (ምሳ. 15:2) ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ ሰናይን ግቡእን ቃላት ምጥቃምና: ንዘረባና ተመናውን ዜሰልክን ዘይኰነስ: ባህ ዜብልን ዜነቓቕሕን ይገብሮ።

ማህደረ ቓላትካ እናስፋሕካ ምስ ከድካ: ትኽክል ቃላት ክትጥቀም ጽዓር። ክልተ ቓላት ተመሳሳሊ ትርጕም ኪህልዎ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ኣብ እተፈላለየ ዅነታት ንኽትጥቀመሉ ዜኽእል ቍሩብ እተፈላለየ ትርጕማት ግን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ነዚ እንተ ኣለሊኻዮ: ንዘረባኻ ብዝያዳ ንጹር ክትገብሮን ንሰማዕትኻ ዜጕሂ ነገር ካብ ምዝራብ ክትቍጠብን ኢኻ። ነቶም ብዚግባእ ዚዛረቡ ሰባት ተጠንቂቕካ ስምዓዮም። ገሊኡ መዝገበ-ቓላት ኣብ ትሕቲ ነፍሲ ወከፍ ቃላት ተመሳሳሊ ትርጕም ዘለዎ: ግን ከኣ ሕደ ዘይኰነ ቓላት: ከምኡውን ኣንጻር ትርጕም ዘለዎ ቓላት ይዝርዝር እዩ። ስለዚ: ንሓደ ሓሳባት እተፈላለየ መግለጺታት ጥራይ ዘይኰነስ: ቍሩብ ፍልይ ዝበለ ቓላት ዘለዎ ትርጕም እውን ትረክብ ኢኻ። እዚ ኸኣ ንሓደ ዅነታት ዚሰማማዕ ቃል ከተናዲ ኸለኻ ብዙሕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ሓደ ቓል ኣብ ማህደረ ቓላትካ ቕድሚ ምውሳኽካ: እንታይ ማለት ምዃኑ: ብኸመይ ከም ዚድመጽ: ከምኡውን መዓስ ክትጥቀመሉ ኸም ዚግባእ ኣርጊጽካ ፍለጥ።

ንጹር ትርጕም ዘለዎ መግለጺ: ካብቲ ሓፈሻዊ ትርጕም ዘለዎ ንላዕሊ ዝነጸረ መልእኽቲ የመሓላልፍ እዩ። ሓደ ተዛራባይ “ኣብቲ ግዜ እቲ ብዙሓት ሰባት ሓሚሞም” ኪብል ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ “ድሕሪ ቐዳማይ ውግእ ዓለም: ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ 21,000,000 ዝዀኑ ሰባት ብናይ ስጳኛ እንፍሉዌንዛ ሞይቶም” ኪብል ይኽእል እዩ። ሓደ ተዛራባይ “ኣብቲ ግዜ እቲ:” “ብዙሓት ሰባት:” ከምኡውን “ሓሚሞም” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ምግላጹ: ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ፍልልይ ከም ዜምጽእ እሞ ኣስተብህል። በዚ መገዲ እዚ ንኽትዛረብ: ነቲ ርእሰ ነገር ብዚምልከት ዘሎካ ፍልጠት ከተስፍሕን ቃላትካ ተጠንቂቕካ ኽትመርጽን ኣሎካ።

ግቡእ ቃላት ትጥቀም እንተ ዄንካ: ብቓላት ኣመና ኸይተራቐቕካ መልእኽትኻ ንኸተመሓላልፍ የኽእለካ። ብቓላት ኣመና ምርቓቕ ንሓሳባት ይቐብሮ እዩ። ቀሊል ቃላት ምስ እትጥቀም: ካልኦት ንኺርድእዎ ዀነ ነቲ ኣገዳሲ ሓቅታት ንኺጭብጥዎ ይቐሎም። ርጡብ ፍልጠት ንኸተመሓላልፍ የኽእለካ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ትምህርትታቱ እተጠቕመሉ ቛንቋ ኣዝዩ ቐሊል ብምዃኑ ዜደንቕ እዩ። ካብኡ ተምሃር። (ነቲ ኣብ ማቴዎስ 5:3-12 ከምኡውን ማርቆስ 10:17-21 ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብነታት ርአ።) ሓሳባትካ ብእተመርጸ ቓላት ኣሕጽር ኣቢልካ ምግላጽ ተለማመድ።

ሓይልን ስምዒትን ንጻረን ዜንጸባርቕ ቃላት። ማህደረ ቓላትካ ኸተስፍሕ ከለኻ: ብዛዕባ ሓድሽ ቃላት ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ፍሉይ ባህርይ ዘለዎ ቓላት እውን ሕሰብ። ንኣብነት: ነቲ ሓይሊ ዜንጸባርቕ ግስታት፣ ንጻረ ዜመሓላልፍ ቅጽላት፣ ከምኡውን ምዉቕ ስምዒት: ሕያውነት: ወይ ዕቱብነት ዚገልጽ ቃላት ሕሰበሉ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጕም ዘለዎ ቓላት ዝመልኦ እዩ። የሆዋ ብነብዪ ኣሞጽ ኣቢሉ “ሰናይ ድለዩ: እከይ ኣይኰነን። . . . እከይ ጽልኡ: ሰናይ ከኣ አፍቅሩ” ኢሉ ተማሕጸነ። (ኣሞ. 5:14, 15) ነብዪ ሳሙኤል ንንጉስ ሳኦል: “እግዚኣብሄር ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ: ካባኻ ንዚሐይሽ ብጻይካ ሀቦ” በሎ። (1 ሳሙ. 15:28) የሆዋ ንህዝቅኤል ኪዛረቦ ኸሎ: “ኵሉ ቤት እስራኤል: ግምባሮም ተሪር: ልቦም ሓራን እዩ” ብምባል ዘይርሳዕ ቃላት ተጠቕመ። (ህዝ. 3:7) የሆዋ ንኽብደት እቲ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ሓጢኣት ኬጕልሕ ከሎ “ሰብዶ ንኣምላኽ ኪሰርቆ ይዀነሉ እዩ፧ ንስኻትኩም ግና ሰረቕኩምኒ” በሎም። (ሚል. 3:8) ዳንኤል ነቲ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣማልኽቲ ንጉስ ብዘይምምላኾም ኣብ ባቢሎን ዘጋጠሞም ናይ እምነት ፈተና ኺገልጽ ከሎ: “ነቡካድነጻር . . . እምብዛ ተናደደ” ድሕሪ ምባል: ተኣሲሮም ናብ “ጕሁር እቶን ሓዊ” ኺድርበዩ ኸም ዝኣዘዘ ገለጸ። ዳንኤል ንብርታዐ እቲ ዋዒ ንኽንርድኦ ኢሉ: እቲ ንጉስ ነቶም ሰቡ “ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮስ ሾብዓተ ኢድ ዝበለጸ ኼንድድዎ” ኸም ዝገበረ ገለጸ: አረ እቲ እቶን ኣመና ስለ ዝረሰነ: እቶም ንጉስ ዝለኣኾም ሰብኡት ናብ ጥቓ እቲ እቶን ምስ ቀረቡ እውን ሞይቶም እዮም። (ዳን. 3:19-22) የሱስ ካብታ ዝሞተላ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ: ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ኺዛረብ ከሎ: “ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም: ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ አቤኹም። . . . እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በሎም።—ማቴ. 23:37, 38

ብዚግባእ እተመርጸ ቓላት ንሰማዕትኻ ኣብ ኣእምሮኦም ንጹር ጦብላሕታ ኺሓድገሎም ይኽእል እዩ። ንህዋሳት ዜለዓዕል ቃላት እንተ ተጠቒምካ: ሰማዕትኻ ነቲ እትዛረበሉ ነገር “ኪርእይዎን” “ኪድህስስዎን:” ነቲ ዝጠቐስካዮ ምግቢ “ኪጥዕምዎን” “ኬሽትትዎን:” ነቲ ዝገለጽካዮ ደሃያትን ዝጠቐስካዮም ሰባትን “ኪሰምዕዎም” እዮም። ነቲ እትብሎ ህያው ስለ እትገብረሎም እቶም ሰማዕቲ በቲ ዘረባኻ ኺምሰጡ እዮም።

ሓሳባት ብንጹር ዜመሓላልፍ ቃላት: ንሰባት ኬስሕቖም ወይ ኬብክዮም ይኽእል እዩ። ንሓደ እተደቝሰ ሰብ ተስፋ ኼሕድረሉ: ናይ ምንባር ባህጉ ኼለዓዕሎ: ንፈጣሪኡ ዘለዎ ፍቕሪ እውን ኬነቓቕሖ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከም መዝሙር 37:10, 11, 34፣ ዮሃንስ 3:16፣ ከምኡውን ራእይ 21:4, 5 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ዚርከብ ቃላት: ኣብ መላእ ምድሪ ንዚርከቡ ሰባት ዓሚቝ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስን እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳለዎ ጽሑፋትን ከተንብብ ከለኻ: በበይኑ ዝዓይነቱ ቓላትን ሓረጋትን ክትረክብ ኢኻ። (ማቴ. 24:45) ነዚ ድሕሪ ምንባብካ ኣይትረስዓዮ። ባህ ዜብለካ ቓላት ምረጽ: ኣብቲ መዓልታዊ ዘረባኻ ድማ ተጠቐመሉ።

ምስ ሕግታት ሰዋስው ዚሰማማዕ ዘረባ። ገሊኦም ሰባት: ዘረባኦም ምስ ሕግታት ሰዋስው ዘይሰማምዓሉ እዋን ከም ዘሎ የስተውዕሉ እዮም። እንታይ ግን እዮም ኪገብሩ ዚኽእሉ፧

ገና ትምህርቲ ዘይወዳእካ እንተ ዄንካ: ጽቡቕ ሰዋስውን ብጥንቃቐ እተመርጸ ቓላትን ንኽትመሃር ዘሎካ ኣጋጣሚ ተጠቐመሉ። ብዛዕባ እተወሰነ ሕጊ ሰዋስው ብርግጽ ዘይትፈልጥ እንተ ዄንካ: ንመምህርካ ሕተቶ። ፈተና ንኽትሓልፍ ጥራይ ኣይተጽንዕ። ካልኦት ተመሃሮ ዘይብሎም ዓይነት ድራኸ ኣሕድር። ንፉዕ ኣገልጋሊ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትከውን ኢኻ እትደሊ።

ምናልባት ብዕድመ ዝደፋእካን ካብቲ ሕጂ እትጥቀመሉ ዘለኻ ቛንቋ እተፈልየ ቛንቋ እናተዛረብካ ዝዓበኻን እንተ ዄንካኸ፧ ወይ ከኣ ምናልባት ብቛንቋኻ ስሩዕ ትምህርቲ ዘይረኸብካ ትኸውን። በዚ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ኣብ ክንዳኡስ: ምእንቲ እቲ ብስራት ኢልካ ንኽትመሓየሽ ካብ ልብኻ ጽዓር። ብዛዕባ ሰዋስው እንፈልጦ መብዛሕትኡ ነገራት ንኻልኦት ብምስማዕ ኢና እንመሃሮ። ምኩራት ተዛረብቲ ኺምድሩ ኸለዉ ተጠንቂቕካ ስምዓዮም። መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ከተንብብ ከለኻ: ነቲ ምሉእ ሓሳባት ዝቘመሉ መገዲ: እቲ ብሓንሳእ ተኣሲሩ ዚርከብ ቃላት: ከምኡውን ኣብ ምንታይ ሓሳባት ተሰዂዑ ኸም ዘሎ ኣስተብህለሉ። ዘረባኻ ብመሰረት እዚ ጽቡቕ ኣብነት እዚ ቕረጾ።

ህቡባት ኣዘናጋዕትን ደረፍትን ምስ ሕጊ ሰዋስው ዚጋጮ መግለጺታትን ዘረባን ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ሰባት ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ-ሰባት ኪመስልዎም ይጽዕሩ እዮም። ነጋዶ ሓሽሽን ካልኦት ገበነኛታትን ርኹሳትን እውን ናይ በይኖም ቃላት ኣለዎም: ነቲ ዚጥቀሙሉ ቓላት ካብቲ ልሙድ ትርጕሙ ፍልይ ዝበለ ትርጕም ይህብዎ እዮም። ክርስትያናት ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኪመስልዎም ጥበባዊ ኣይኰነን። ከምዚ ምስ ዚገብሩ: ከምቶም ካብ ዓለም ዝዀኑ ጌርካ ይረኣዩ: ኣነባብራኦም እውን ከማታቶም ከም ዝዀነ ጌርካ ይውሰድ።—ዮሃ. 17:16

መዓልታዊ ጽቡቕ ዘረባ ናይ ምዝራብ ልማድ ይሃሉኻ። ኣብ መዓልታዊ ዘረባኻ ግዲ ዘይብልካ እንተ ዄንካ: ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት ጽቡቕ ክትዛረብ ኢልካ ኣይትጸበ። ኣብቲ ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ተራ ዅነታት ጽቡቕ ዘረባ ተዘውትር እንተ ዄንካ ግን: ኣብ መድረኽ ምስ ደየብካ ወይ ንኻልኦት ብዛዕባ ሓቂ ኽትምስክረሎም ከለኻ ጽቡቕ ዘረባ ብቐሊሉ ኺመጸልካ እዩ።

ብኸመይ ከም እተመሓይሾ

  • ካብቲ ኣብዚ ትምህርቲ እዚ ዘሎ ሓሳባት: ክትዓየላ እትደሊ ሓንቲ ነጥቢ ምረጽ። ንሓደ ወርሒ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ንኽትዓየላ ሸቶ ግበር።

  • ከተንብብ ከለኻ: ሸቶኻ ዘክሮ። ንኽኢላታት ተዛረብቲ ኽትሰምዕ ከለኻ: ኣይትረስዓዮ። ኣብ ዘረባኻ ኸተእትዎ እትደሊ መግለጺታት ኣብ መዘኻኸሪኻ መዝግቦ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ: ንዅሉ እቲ ዝጸሓፍካዮ ተጠቐመሉ።

መላመዲ:- ነቲ ኣብዚ ሰሙን ዚቐርብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ኽትዳሎ ኸለኻ: ትርጕሙ ኣጸቢቕካ ዘይትፈልጦ ሒደት ቃላት ምረጽ። መዝገበ-ቓላት ክትረክብ እንተ ኽኢልካ: ትርጕሙ ተመልከት፣ ወይ ከኣ ብዙሕ ቃላት ንዚፈልጥ ሰብ ትርጕሙ ኺነግረካ ሕተቶ።

ኣዘውቲረ ኽጥቀመሉ ዝደሊ ቓላት

በበይኑ ዝዓይነቱን ትኽክለኛን ሓይሊ: ስምዒት: ወይ ንጻረ ዜንጸባርቕ

․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․

․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․ ․․․․․․․․․․․․․․

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ