መጽናዕቲ 17
ኣጠቓቕማ ማይክሮፎን
ክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምምጻእ ብዙሕ ግዜን ጕልበትን እዮም ዜጥፍኡ። ካብቲ ዚበሃል ኪጥቀሙ እንተ ደኣ ዀይኖም: ብንጹር ኪሰምዕዎ ኣለዎም።
ብግዜ ጥንታውያን እስራኤላውያን: ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ መጕልሕ ድምጺ ኣይነበረን። እሞ ደኣ ህዝቢ እስራኤል ቅድሚ ናብ ምድሪ ተስፋ ምእታዎም: ሙሴ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ኪዛረቦም ከሎ: ኵሎም እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብኡ ዝነበሩ ተኣከብቲ ኸመይ ገይሮም እዮም ኪሰምዕዎ ኽኢሎም፧ ምናልባት ኣብቲ ሰፈር ኣብ እተወሰነ ርሕቐት ደው ዚብሉ ሰባት እናተቐባበሉ ነቲ ቓላት ሙሴ የቃልሕዎ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘዳ. 1:1፣ 31:1) እስራኤላውያን ነታ ኻብ ዮርዳኖስ ብምዕራብ ዘላ ምድሪ ኺቈጻጸሩ ድሕሪ ምጅማሮም ነዊሕ ከይጸንሐ: እያሱ ነቶም ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ከረን ጌሪዚምን ኸረን ዔባልን ኣከቦም: እቶም ሌዋውያን ከኣ ኣብቲ ስንጭሮ ኣብ ማእከሎም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብኡ ድማ ኵሎም እቶም ህዝቢ ነቲ ኣምላኽ ዘቕረበሎም ምርቓን መርገምን ሰሚዖም ምላሽ ሃቡ። (እያ. 8:33-35) ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚውን ነቲ ዘረባ እናሰምዑ ዜቃልሑ ሰባት ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ: ኣብቲ ኸባቢ ድምጺ ንኺጐዓዝ እውን ቀሊል እዩ ነይሩ።
ኣስታት 1,500 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: “ብዙሕ ህዝቢ” ንየሱስ ኪሰምዕ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ምስ ተኣከበ: የሱስ ኣብ ጃልባ ደይቡ ኻብቲ ገምገም ርሕቕ ኢሉ ኺዛረቦም ጀመረ። (ማር. 4:1, 2) የሱስ ኣብ ጃልባ ዀይኑ እተዛረቦም ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ: ድምጺ ሰብ ኣብ ከም ማይ ዝኣመሰለ ልሙጽ ዝባን ብኣዝዩ ንጹር መገዲ እዩ ዚጐዓዝ።
ክሳዕ መጀመርታ መበል 20 ዘመን: ካብቶም ተኣከብቲ ኽንደይ ዚኣኽሉ ኸም ዚሰምዑ ዚውሰን: ብዓውታን ብንጹርነትን እቲ ተዛራባይ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ካብ 1920ታት ኣትሒዙ: ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታቶም ነቲ ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ መጕልሕ ድምጺ ኺጥቀሙሉ ኽኢሎም እዮም።
ናይ ድምጺ መሳርሒ። ከምዚ ዝኣመሰለ መሳርሒ ንድምጺ እቲ ተዛራባይ ከየበላሸወ ወይ ቃናኡ ኸይቀየረ: ብብዙሕ ዕጽፊ ኼጕልሖ ይኽእል እዩ። እቲ ተዛራባይ ንኣውታር ድምጹ ኼጨንቖ ኣየድልን እዩ። ሰማዕቲ እውን ነቲ ዘረባ ንምስማዕ ኪጸናጸኑ ኣየድልዮምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብቲ መልእኽቲ ኼተኵሩ ይኽእሉ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ጽቡቕ ናይ ድምጺ መሳርሒ ንምቕራብ ብዙሕ ጻዕሪ ተገይሩ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሓያሎ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ: ነቶም መደረታት ዜቕርቡ: ነቶም ኣኼባታት ዚመርሑ: ወይ ነቶም ካብ መድረኽ ዜንብቡ ድምጾም ንምጕላሕ ናይ ድምጺ መሳርሒ ይጥቀማ እየን። ገሊአን ጉባኤታት ከኣ ኣብ መንጎ ኣኼባታት ሓሳባት ንምሃብ ዜገልግል ማይክሮፎናት ኣለወን። ጉባኤኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ መሳርሒ እንተ ኣልይዋ: ብዚግባእ ተጠቐመሉ።
ገለ መሰረታዊ መምርሒታት። ነቲ መሳርሒ ብዚግባእ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ: ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ዘክር:- (1) እቲ ማይክሮፎን ብሓፈሻኡ ኻብ ኣፍካ 10 ኽሳዕ 15 ሳንቲ ሜተር ኪርሕቕ ኣለዎ። እቲ ማይክሮፎን ናብ ኣፍካ ኣመና እንተ ቐሪቡ: እቲ ቓላትካ ይበላሾ። ኣመና እንተ ርሒቑ ኸኣ: ድምጽኻ ንጹር ኣይከውንን። (2) እቲ ማይክሮፎን ኣብ ቅድሜኻ ደኣ እምበር: ብጐድንኻ ኪኸውን የብሉን። ርእስኻ ናብ የማን ወይ ናብ ጸጋም እንተ ኣንቀሳቒስካ: ገጽካ ናብቲ ማይክሮፎን ገጹ ምስ ኰነ ጥራይ ተዛረብ። (3) ካብቲ ኣብ እትዘራረበሉ እዋን እትጥቀመሉ መጠንን ትረትን ድምጺ ብቝሩብ ዚዛይድ ተጠቐም። ክትጭድር ግን የብልካን። እቲ ናይ ድምጺ መሳርሒ ነቲ ድምጽኻ ብቐሊሉ ኽሳዕ እቲ ጫፍ ንዘሎ ሰማዒኻ ኼብጽሖ እዩ። (4) እሕሕ ክትብል: ክትስዕል: ወይ እንጥሾ ኽትብል እንተ ደሊኻ: ገጽካ ኻብቲ ማይክሮፎን ናብ ካልእ ኣዙሮ።
መደረ ኸተቕርብ ከለኻ። መደረ ንኸተቕርብ ኣብ መድረኽ ምስ ደየብካ: ሓደ ሓው ነቲ ማይክሮፎን የተኻኽለልካ እዩ። ከምኡ ኺገብር ከሎ ገጽካ ናብቶም ሰማዕቲ ጌርካ ብልሙድ መገዲ ደው በል። መዘኻኸሪታትካ ኣብቲ ኣትራኖስ ግበሮ: እቲ ማይክሮፎን ነቲ መዘኻኸሪታትካ ኸይትርኢ ዕንቅፋት ከይዀነካ ድማ ኣስተብህለሉ።
ክትዛረብ ምስ ጀመርካ: ድምጽኻ በቲ መጕልሒ ድምጺ ኺወጽእ ከሎ ኸመይ ከም ዚመስል ስማዕ። ድምጽኻ ኣመና ዓው ዝበለ ድዩ: ወይ ገሊኡ ቓላትካ ቡፍ-ቡፍ ዚብል ድምጺ የውጽእ ድዩ፧ ምናልባት ክልተን ፈረቓን ወይ ሓሙሽተ ሳንቲ ሜተር ክትርሕቕ የድልየካ ይኸውን። ናብ መዘኻኸሪታትካ ኣብ እትጥምተሉ እዋን: ኣንፈት ገጽካ ናብቲ ማይክሮፎን ወይ ቍሩብ ልዕሊኡ ኪኸውን ከሎ ጥራይ ደኣ እምበር: ትሕቲኡ ኪኸውን ከሎ ኽትዛረብ ከም ዘይብልካ ዘክር።
ካብ መድረኽ ከተንብብ ከለኻ። ገጽካ ናብቶም ሰማዕቲ ገጹ ምእንቲ ኪኸውን መጽሓፍ ቅዱስካ ወይ ካልእ ጽሑፍካ ኽብ ኣቢልካ እንተ ሓዝካዮ ይምረጽ። እቲ ማይክሮፎን ኣብ ቅድሜኻ ስለ ዚኸውን: እቲ እተንብቦ ጽሑፍካ ቝሩብ ናብ ሓደ ሸነኽ ገጽካ ጌርካ ኽትሕዞ የድልየካ ይኸውን። እዚ ማለት ከኣ ርእስኻ ብእተወሰነ መጠን በቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ማይክሮፎን ኪኸውን ኣለዎ ማለት እዩ። ድሕሪኡ ኸተንብብ ከለኻ: ድምጽኻ ብቐጥታ ናብቲ ማይክሮፎን ኪኣቱ እዩ።
ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዜንብቡ መብዛሕትኦም ኣሕዋት ደው ኢሎም ኣብ ዝቘመ ማይክሮፎን እዮም ዚዛረቡ። እዚ ኸኣ ብቐሊሉ ንኼስተንፍሱን ብጽቡቕ ገላጺ ቓላት ንኼንብቡን የኽእሎም። ንባብ ዝዓበየ ኽፋል ኣኼባና ምዃኑ ኣይትረስዕ። እቶም ሰማዕቲ ዚረኽብዎ ረብሓ: ብዓብዪኡ ኣብቲ ኺንበብ ከሎ ዚሰምዕዎ መጠን እዩ ዚምርኰስ።
ኣብ ኣኼባ ሓሳብ ክትህብ ከለኻ። ጉባኤኻ ነቶም ሰማዕቲ ተሳትፎ ንምግባር ማይክሮፎን ትጥቀም እንተ ደኣ ዀይና: ኣብዚውን ብንጹርን ብእኹል መጠን ድምጽን ምዝራብ ከም ዜድሊ ኣይትረስዕ። ሓሳብ ክትህብ ከለኻ: ነቲ ንመጽናዕቲ እትጥቀመሉ ጽሑፍ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድካ ሓዞ። እዚ ኸኣ ብቐጥታ ናብቲ ማይክሮፎን እናተዛረብካ ነቲ ጽሑፍካ ብንጹር ንኽትርእዮ የኽእለካ።
ኣብ ገሊኡ ጉባኤታት ኣሕዋት ነቲ ማይክሮፎናት ናብቶም ሓሳብ ዚህቡ ኼዙሩሎም ይምደቡ እዮም። ኣብ ጉባኤኻ ኸምዚ ዚግበር እንተ ደኣ ዀይኑ: እቶም ነቲ ማይክሮፎን ዚሕዙ ኣሕዋት ኣበይ ኮፍ ከም ዝበልካ ቐልጢፎም ምእንቲ ኺረኽቡኻ: ሓሳብ ክትህብ ምስ ተፈቕደልካ: ኢድካ ሓፍ ኣቢልካ ጽናሕ። እቲ ማይክሮፎን ኣብ ኢድካ ዚወሃበካ እንተ ዀይኑ: ንኽትቅበሎም ተዳሎ። ነቲ ማይክሮፎን ብትኽክል ምስ ሓዝካዮ: ሓሳብ ምሃብ ጀምር። ሓሳብ ምሃብ ምስ ወዳእካ: ብቕልጡፍ ምለሶ።
መርኣያ ኸተቕርብ ከለኻ። ኣብ መርኣያ ማይክሮፎን ምጥቃም ኣቐዲምካ ምሕሳብ ይሓትት። እቲ ማይክሮፎን ኣብ ደው መበሊኡ ዚትከል እንተ ደኣ ዀይኑ: መጽሓፍ ቅዱስካን መዘኻኸሪታትካን ንምጥቃም ክልቲኡ ኣእዳውካ ናጻ እዩ ዚኸውን። ብኢድ ዚተሓዝ ማይክሮፎን ምጥቃም ዝያዳ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ይህበካ እዩ። ኣብዚ ዅነታት እዚ ብጻይካ ኸም ዚሕዞ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። በዚ ኸምዚ ኣእዳውካ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጥቃም ናጻ ይኸውን። እቲ ብዓል ቤት ኰይኑ ዚዋሳእ ብጻይካ ነቲ ማይክሮፎን ብኸመይ ከም ዚሕዘልካ ምእንቲ ኺፈልጥ: ክልቴኹም ክትለማመዱሉ ኣለኩም። ኣብ መድረኽ ምስ ደየብካ: ብፍላይ ከኣ ክትዛረብ ከለኻ: ንሰማዕትኻ ዝባንካ ኽትህቦም ከም ዘይብልካ ኣይትረስዕ።
ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ኣብ ዚቐርብ መርኣያታት: ሓያሎ ተሳተፍቲ ይህልዉ ይዀኑ: ኣብቲ መድረኽ እውን ይንቀሳቐሱ ይዀኑ። ስለዚ: ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ማይክሮፎን የድልዮም ይኸውን። እዚ ኣቐዲምካ ኣብ ቦታኡ ኺንበረሎም ወይ እቶም ተሳተፍቲ ናብ መድረኽ ኪወጹ ኸለዉ ኺወሃቦም ኣለዎ። እቲ ማይክሮፎናት ኣብቲ ዚድለ እዋን: ኣብ እተደልየሉ ቦታ ኸም ዚጸንሕ ምግባር ኣቐዲምካ መደብ ምግባር ዚሓትት እዩ። መርኣያታት ቅድሚ ምቕራቡ ልምምድ ምግባር: ነቶም ተሳተፍቲ ግቡእ ኣጠቓቕማ ማይክሮፎን ንኺንገሮም ኣጋጣሚ ይኸፍት እዩ። እቲ ልምምድ ኣብቲ መድረኽ ኪግበር ዘይከኣል እንተ ዀይኑ: እቶም ተሳተፍቲ ኽንዲ ማይክሮፎን እትኸውን ዝዀነት ነገር ሒዞም ኣቃውማኦም ኪለማመድዎ ጽቡቕ እዩ። ድሕሪ እቲ መርኣያ: እቶም ተሳተፍቲ ነቲ ብኢዶም ዚሕዝዎ ማይክሮፎን ቀስ ኢሎም ኣብ ቦታኡ ኺመልስዎን በቲ ገመድ ከይጥለፉ ተጠንቂቖም ካብ መድረኽ ኪወርዱን ኣለዎም።
ንኣጠቃቕማ ማይክሮፎን ኣቓልቦ ምሃብና: ምስቲ ቐንዲ ዕላማ ኣኼባታትና ብቐጥታ ዚተሓሓዝ እዩ፣ እዚ ኸኣ በቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተመርኲስና እንገብሮ ምይይጥ ንሓድሕድና ምጥቕቓም እዩ። (እብ. 10:24, 25) ማይክሮፎን ብዚግባእ ብምጥቃም: ነዚ ኣገዳሲ ዕላማ እዚ ብብሕትና ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል ኢና።