መጽናዕቲ 11
ምዉቕን ስምዒት ዜንጸባርቕን ኣዘራርባ
ስምዒት ኣገዳሲ ኽፋል ሰብኣዊ ህይወት እዩ። ሓደ ሰብ ስምዒቱ ኺገልጽ ከሎ: ኣብ ልቡ ዘሎ: ውሽጣዊ እንታይነቱ: ከምኡውን ብዛዕባ ዅነታትን ሰባትን ከመይ ከም ዚስምዖ እዩ ዚገልጽ። ሓያሎ ሰባት ኣብ ህይወቶም ሕማቕ ነገራት ስለ ዘጋጠሞም: ገሊኦም ከኣ ባህላዊ ጽልዋ ስለ ዘለዎም: ስምዒቶም ኣይገልጹን እዮም። የሆዋ ግን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ኣወንታዊ ባህርያት ንኸነማዕብልን ነዚ ብዚግባእ ንኽንገልጾን እዩ ዜተባብዓና።—ሮሜ 12:10፣ 1 ተሰ. 2:7, 8
ክንዛረብ ከለና: እቲ እንጥቀመሉ ቓላት ንስምዒትና ብዚግባእ ይገልጾ እዩ። ቃላትና ንስምዒትና ብዚግባእ ዘየንጸባርቕ እንተ ዀይኑ ግን: እቶም ዚሰምዑና ኻብ ልብና ንዛረብ እንተ ኣሊና ኺጠራጠሩ ይኽእሉ እዮም። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ቃላትና ንስምዒትና ብዚግባእ ዜንጸባርቕ እንተ ዀይኑ: ዘረባና ጽባቐን ግርማን ይህልዎ: ንኣልባብ ሰማዕትና ድማ ይትንክፍ።
ምዉቕ ስምዒት ምንጽብራቕ። ምዉቕ ስምዒታት መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ንሰባት ዘሎና ሓልዮት እዩ ዚተሓሓዝ። ስለዚ: ብዛዕባ እቲ ባህ ዜብል ባህርያት የሆዋ ኽንዛረብ ከለናን ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ሰናይ ዘሎና ሞሳ ኽንገልጽ ከለናን: ድምጽና ምዉቕ ኪኸውን ኣለዎ። (ኢሳ. 63:7-9) ንሰባት ክንዛረቦም ከለና እውን: ኣዘራርባና ነቲ ዚስሕብ ምዉቕ ስምዒት ኬንጸባርቕ ኣለዎ።
ሓደ ለምጻም ናብ የሱስ መጺኡ: ኬሕውዮ ለመኖ። የሱስ “ፈትየ አሎኹ: ንጻህ” ኪብሎ ኸሎ እተጠቕመሉ ቓና እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ማር. 1:40, 41) እታ ን12 ዓመት ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ዝነበረ ሰበይቲ ሰላሕ ኢላ ንየሱስ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ኽትትንኪ ኸላ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣላ። ካብቲ ዝገበረቶ ኸም ዘይተሓብአት ምስ ፈለጠት: ራዕራዕ ኣናበለት መጺኣ ኣብ እግሪ የሱስ ወደቐት: ንምንታይ ክዳኑ ኸም ዝተንከየቶን ብኸመይ ከም ዝሓወየትን ድማ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ሰባት ገለጸት። የሱስ ነታ ሰበይቲ: “ኣጆኺ ጓለይ: እምነትኪ ኣሕወየትኪ: ብሰላም ኪዲ” ኺብላ ኸሎ እተጠቕመሉ ደሃይ እሞ ሕሰበሉ። (ሉቃ. 8:42ሐ-48) እቲ የሱስ ኣብዚ መዳያት እዚ ዘርኣዮ ምዉቕ ስምዒት ወይ ለውሃት: ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ልብና ይትንክየና እዩ።
ከም የሱስ ንሰባት ምስ እንድንግጸሎምን ብሓቂ ኽንሕግዞም ምስ እንደልን: እዚ ኣብ ኣዘራርባና ይንጸባረቕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ምዉቕ ስምዒት: ካብ ልቢ ዝነቐለ ደኣ እምበር: መጠኑ ዝሓለፈ ኣይኰነን። ምዉቕ ስምዒት ምንጽብራቕና ኣብቲ ሰባት ዜርእይዎ ምላሽ ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ኣብ ኣገልግሎት እንዛረቦ ነገራት: ብፍላይ ከነረድእን ከነተባብዕን ክንምዕድን ድንጋጽና ኽንገልጽን ከለና ምስዚ ዓይነት መግለጺታት ዚተሓሓዝ እዩ።
ንኻልኦት ሰባት ምዉቕ ስምዒት ምስ ዚህልወካ: ኣብ ገጽካ ኣርእዮ። ነዚ ኸተንጸባርቕ ከለኻ: ከም ኣብ ቈራሪ ምሸት ናብ ሓዊ ዚሰሓቡ ዀይኖም ናባኻ ኺሰሓቡ እዮም። ኣብ ገጽካ ምዉቕ ስምዒት ዘይንበብ እንተ ዀይኑ: ሰማዕትኻ ኻብ ልቢ ኸም እትሓልየሎም ኣይኪኣምኑን እዮም። ምዉቕ ስምዒት ከም ማስኬራ ዚልበስ ዘይኰነስ: ናይ ሓቂ ኪኸውን ኣለዎ።
ምዉቕ ስምዒትካ ኣብ ድምጽኻ እውን ብንጹር ኪርአ ኣለዎ። ተሪርን ሻሕካርን ድምጺ እንተ ኣልዩካ: ኣብ ዘረባኻ ምዉቕ ስምዒት ምንጽብራቕ ኣጸጋሚ ኪዀነካ ይኽእል ይኸውን። ምስ ግዜን ጻዕርን ግን ነዚ ኸተንጸባርቖ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ኻብቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ብተክኒካዊ ዓይኒ ኺሕግዘካ ዚኽእል ነገር: ሓጺርን እተቘራረጸን ድምጽታት ንዘረባ ተሪር ከም ዚገብሮ ምዝካር እዩ። እቲ ኣብ ቃላት ልዙብ ደሃይ ዘለዎ ፊደላት ምጥጥ ኣብሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ዘረባኻ ምዉቕ ስምዒት ንኸተንጸባርቕ ኪሕግዘካ እዩ።
ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ግን: እቲ ኣትኵሮ እትገብረሉ ነገር እዩ። ኣብቶም እትዛረቦም ዘለኻ ሰባት ብሓቂ እንተ ኣተኲርካ: ኪጠቕሞም ዚኽእል ነገር ንኸተመሓላልፈሎም ድማ ልባዊ ባህጊ እንተ ኣልዩካ: እዚ ስምዒት እዚ ኣብ ኣዘራርባኻ ኺንጸባረቕ እዩ።
ህያው ኣቀራርባ የነቓቕሕ እኳ እንተ ዀነ: ለውሃት እውን የድሊ እዩ። ንኣእምሮ ሰባት ከነእምን ጥራይ ወትሩ ኣኻሊ ኣይኰነን፣ ንልቢ እውን ከነለዓዕል ኣሎና።
ካልእ ስምዒታት ምግላጽ። ሓደ ኣብ ጸበባ ዘሎ ሰብ: ከም ጭንቀትን ፍርህን ዝኣመሰለ ስምዒታት የንጸባርቕ ይኸውን። ሓጐስ ኣብ ህይወትና ዓብላሊ ኪኸውን ዘለዎ ስምዒት ኰይኑ: ንሰባት ክንዛረብ ከለና ብዚግባእ ከነንጸባርቖ ኣሎና። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ገሊኡ ስምዒታት ክትቈጻጸሮ የድሊ። እዚ ስምዒታት እዚ ምስ ክርስትያናዊ ባህርያት ዚሰማማዕ ኣይኰነን። (ኤፌ. 4:31, 32፣ ፊል. 4:4) ኵሉ ዓይነት ስምዒታት ብእንመርጾ ቓላት: ብቓና ድምጽና: ብትርር ዝበለ ኣዘራርባና: ኣብ ገጽና ብዚንበብ መግለጺታት: ከምኡውን ብኣካላዊ ምንቅስቓስና ኺመሓላለፍ ይኽእል እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ዓይነት ስምዒታት ሰባት ይገልጽ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ነቲ ስምዒታት ኪረቝሖ ኸሎ: ኣብ ካልእ እዋን ከኣ ነቲ ስምዒታት ዚገልጽ ፍጻመታት የዘንቱ ወይ ዘረባ ይጠቅስ። ነዚ ዓው ኢልካ ኸተንብቦ ኸለኻ: ድምጽኻ ነቲ ስምዒታት እቲ ብዚግባእ እንተ ኣንጸባሪቑ: ኣባኻን ኣብቶም ዚሰምዑኻን ዓብዪ ጽልዋ ኺህልዎ እዩ። ነዚ ንምግባር ገዛእ ርእስኻ ኣብ ቦታ እቲ እተንብቦ ዘለኻ ገጸ-ባህርይ ከተእትዋ ኣሎካ። መደረ ኸም ትያትር ስለ ዘይኰነ ግን: ከይተጋንን ተጠንቀቕ። ነቲ ኽፋል እቲ ኣብ ኣእምሮ ሰማዕትኻ ኸም ዚሰርጽ ግበሮ።
ነቲ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ዚሰማማዕ። ከምቲ ኣብ ውዕዉዕ ኣዘራርባ ዝረኣናዮ: ኣብ ቃላትካ እትጥቀመሉ ምዉቕ ኣዘራርባን ካልእ እትገልጾ ስምዒታትን ብዓብዪኡ ኣብቲ እትብሎ ዘለኻ እዩ ዚምርኰስ።
ማቴዎስ 11:28-30 ገንጽል: ነቲ ኣብኡ ዘሎ ድማ ኣስተብህለሉ። ድሕሪኡ: ነቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 23 ዚርከብ የሱስ ነቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝዀነነሉ ሓሳባት ኣንብብ። ነዚ ኣዝዩ ኸቢድ ናይ ምዅናን ቃላት: ብድኹምን ህያው ዘይኰነን ድምጺ ኺገልጾ ኣይንጽበዮን ኢና።
ኣብቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 44 ዚርከብ ብዛዕባ እቲ ይሁዳ ምእንቲ ቢንያም ሓዉ ዘቕረቦ ለመና ዚገልጽ ጸብጻብ እንታይ ዓይነት ስምዒት ዜድሊ ይመስለካ፧ ነቲ ኣብ ቍጽሪ 13 ተጠቒሱ ዘሎ ስምዒት: ነቲ ኣብ ቍጽሪ 16 ተጠቒሱ ዘሎ ይሁዳ ጠንቂ እቲ ሽግር ኰይኑ እተሰምዖ ነገር: ከምኡውን ነቲ ኣብ ዘፍጥረት 45:1 ዘሎ ዮሴፍ እተሰምዖ ስምዒት እሞ ኣስተብህለሉ።
እምበኣር: ነንብብ ወይ ንዛረብ ንሃሉ: ነዚ ብዚግባእ ንኽንገብሮ: ንቓላትን ንሓሳባትን ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ምስኡ ዚተሓሓዝ ስምዒት እውን ክንሓስበሉ ኣሎና።