መጽናዕቲ 3
ቅኑዕ ኣደማምጻ
ነዊሕ ዓመታት ዚወስድ ዓለማዊ ትምህርቲ ዘለዎም ኵሎም ክርስትያናት ኣይኰኑን። ሃዋርያ ጴጥሮስን ሃዋርያ ዮሃንስን እኳ ኸይተረፉ “ዘይተማህሩ ጭዋታት” ተባሂሎም ተገሊጾም እዮም። (ግብ. 4:13) ይኹን እምበር: ብሰንኪ ሕማቕ ኣደማምጻኻ ሰባት ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኸየተኵሩሉ ዕንቅፋት ከይትኸውን ምጽዓር ኣገዳሲ እዩ።
ኣብ ግምት ኪኣቱ ዘለዎ ረቛሒታት። ንዅሉ ቛንቋታት ዚጠቅም ሓደ ዓይነት ሕግታት የልቦን። ሓያሎ ቛንቋታት ብፊደላት እዩ ዚጸሓፍ። ናይ ግእዝ ፊደላት ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ላቲን: ናይ ሲርሊክ: ናይ እብራይስጢ: ናይ ዓረብኛ: ናይ ግሪኽኛ ፊደላት እውን ኣሎ። ቋንቋ ቻይና ኸኣ ፊደላት ዘይኰነስ: ብዙሕ ነገራት ዝሓቘፈ ቕርጺ ጽሕፈት እዩ ዚጥቀም። ሓደ ኣሃዱ ቕርጺ ጽሕፈት መብዛሕትኡ ግዜ ንሓንቲ ቓል ወይ ክፍሊ ቓል እዩ ዜቕውም። ጃፓንኛን ኮሪያኛን ካብ ቋንቋ ቻይና ዚወስድ እኳ እንተ ዀነ: እቲ ቕርጺ ጽሕፈቱ ግን ኣዝዩ እተፈልየ ድምጽን ትርጕምን ኪህልዎ ይኽእል እዩ።
ኣብቲ ብፊደላት ዝቘመ ቛንቋታት: ግቡእ ኣደማምጻ ኺበሃል ከሎ ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ፊደል ወይ ጥምረ-ፊደላት ግቡእ ኣደማምጻ ምጥቃም ይሓትት። ከምዚ ዝኣመሰለ ቛንቋታት ዘይለዋወጥ ሕግታት ምስ ዚህልዎ: ኣብ ኣደማምጻ ብዙሕ ሽግር ኣየጋጥምን እዩ። ገለ ኻብዚ: ቋንቋታት ስጳንኛን ግሪኽኛን ዙሉን ከም ኣብነት ኪጥቀስ ይከኣል። ይኹን እምበር: ብሰንኪ እቲ ንሓደ ቛንቋ ዜጋጥሞ ባዕዳዊ ጽልዋ: ንምንጪ እቲ ቓላት ዜንጸባርቕ ኣደማምጻ ኼፍሪ ይኽእል እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ሓደ ፊደል ወይ ጕጅለ ፊደላት ብእተፈላለየ መገዲ ኺድመጽ: ወይ ፈጺሙ እውን ከይድመጽ ይኽእል እዩ። ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ቃላት ክትሽምድዶን: ኣብ ዘረባኻ ብተደጋጋሚ ኽትጥቀመሉን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ቋንቋ ቻይና: ግቡእ ኣደማምጻ ኺበሃል ከሎ: በሽሓት ዚቝጸር ቅርጽታት ጽሕፈት ምልላይ ይሓትት። ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ቃና እንተ ተቐዪሩ: ትርጕም ቃል ይቕየር። ነዚ መዳይ ቋንቋ እዚ ግቡእ ቈላሕታ ዘይምሃብ: ጌጋ ሓሳብ ከም እተመሓላልፍ ኪገብረካ ይኽእል እዩ።
ቃላት ሓደ ቛንቋ ብእተፈላለየ ጥምረ-ድምጺ ዝቘመ እንተ ደኣ ዀይኑ: ነቲ ግቡእ ጥምረ-ድምጺ ኣትሪርካ ኸተድምጾ ይግባእ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቃውማ ዚጥቀም ብዙሕ ቋንቋታት: ኣትሪርካ ብምድማጽ ዝመጸ ሓደ ዓይነት ኣገባብ ኣለዎ። ካብዚ ኣገባብ እዚ ውጽእ ዝበለ እንተ ኣልዩ: ናይ ምትራር ምልክት ኣብ ጽሑፍ ይኣቱ ይኸውን። እዚ ኸኣ ብቐሊሉ ግቡእ ኣደማምጻ ንኺህሉ ይሕግዝ። ይኹን እምበር: እቲ ኣገባብ ሓደ ስርዓት ዝሓዘ እንተ ዘይኰይኑ: እቲ ጸገም ብዝያዳ ይኸብድ። ነቲ ጸገም ንኽትሰግሮ ድማ ብዙሕ ክትዝክር የድሊ።
ንኣደማምጻ ብዚምልከት እተወሰነ ዕንቅፋታት ኣሎ። ቅኑዕ ኣደማምጻ ንምጥቃም ምሒር ጥንቃቐ ምግባር ንኣዘራርባኻ ዘይባህርያዊ ኺገብሮ: ሕሉፍ ሓሊፉውን ትምክሕተኛ ኸም ዝዀንካ ኼምስል ይኽእል እዩ። ሰብ ብሓፈሻኡ ዘይጥቀመሉ ኣደማምጻ ምጥቃም እውን ተመሳሳሊ ስምዒት እዩ ዜሕድር። እቲ እዚ ዜሕድሮ ጽልዋ: ናብቲ ተዛራባይ ኣቓልቦ ምስሓብ ጥራይ እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ: ወጅሃላይ ኣዘራርባን ኣደመምጻን ከተርሕቕ ኣሎካ። ገለ ኻብዚ ነዚ ዚምልከት መዳያት ኣብቲ “ቃላት ብንጹር ምዝራብ” ዚብል መጽናዕቲ ተገሊጹ ኣሎ።
ግቡእ ኣደማምጻ ቓላት: ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር: አረ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር እውን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኺፈላለ ይኽእል እዩ። ካብ ካልእ ሃገር ዝመጸ ሰብ: ነቲ ቛንቋ እቲ ብእተፈልየ ኣደማምጻ ኺዛረቦ ይኽእል እዩ። መዝገበ-ቓላት ንሓንቲ ቓል: ካብ ሓደ ንላዕሊ ቕቡል ኣደማምጻ ኺዝርዝር ይኽእል እዩ። ብፍላይ ሓደ ሰብ ብዙሕ ዓለማዊ ትምህርቲ እንተ ዘይረኺቡ: ወይ እቲ ዚዛረቦ ዘሎ ቛንቋ ኣዲኡ እንተ ዘይኰይኑ: ነቶም ነቲ ቛንቋ ብዚግባእ ዚዛረብዎ ተጠንቂቑ ብምስማዕን ኣደማምጻኡ ኸምቲ ናቶም ገይሩ ብምዕራይን ኪጥቀም ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን: ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ብዜኽብርን ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት ብቐሊሉ ብዚርድኦምን ኣገባብ ኢና ኽንዛረብ እንደሊ።
ኣብ መዓልታዊ ዘረባ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኣጸቢቕካ እትፈልጦ ቓላት ጥራይ እንተ ተጠቐምካ ይሓይሽ። ብሓፈሻኡ: ኣብ ዕላል: ኣደማምጻ ጸገም ኣይከውንን እዩ። እንተዀነ ግን: ዓው ኢልካ ኸተንብብ ከለኻ: ኣብ መዓልታዊ ዘረባኻ ዘይትጥቀመሉ ቓላት የጋጥመካ ይኸውን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ብዙሕ ግዜ እዮም ዓው ኢሎም ዜንብቡ። ንሰባት ክንምስክረሎም ከለና: መጽሓፍ ቅዱስ ነንብበሎም ኢና። ገሊኦም ኣሕዋት ኣብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ንኼንብቡ ይሕተቱ እዮም። ብቕኑዕ ከነንብብን ጌጋ ኣደማምጻ ብምጥቃም ነቲ መልእኽቲ ዕንቅፋት ከይንፈጥርን ክንጥንቀቕ ይግባእ።
ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተጸውዖ ስም ንምድማጹ ኣጸጋሚ ዀይኑዶ ትረኽቦ ኢኻ፧ ኣብ ትግርኛ: ብዙሓት ሓደስቲ ተገደስቲ ወይ ንኣሽቱ እተወሰነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስማት ምድማጽ የሸግሮም እዩ። ንኣብነት: ነቡካድነጻር ዚብል ስም ንውሰድ። ነዚ ብዚግባእ ንምድማጽ እንወስዶ ቐዳማይ ስጕምቲ: ነታ ቓል ብጕጅለ ፊደላት ምክፍፋል እዩ። ስለዚ: ኣብዚ መዳይ እዚ: ነቡ-ካድ-ነጻር ክንገብሮ ንኽእል። ድሕሪኡ ቐስ ኢልካ ኣንብቦ። ቀስ ብቐስ: ንብምልእታ እታ ቓል ብቕልጡፍን ብቕኑዕን መገዲ ኸተንብባ ጽዓር። እዚ ነታ ቓል ብዚግባእ ንኸተድምጻ ኺሕግዘካ እዩ።
እተመሓይሸሉ መገድታት። ብዙሓት ናይ ኣደማምጻ ሽግር ዘለዎም ሰባት: ነዚ ጸገሞም ኣይፈልጥዎን እዮም። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ: ቈላሕታ ኽትገብረሉ ዚግባእ መዳይ እንተ ሓቢሩካ: ንሕያውነቱ ኣማስወሉ። ጸገምካ ሓንሳእ ምስ ፈለጥካዮ: ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸተመሓይሽ እትኽእል፧
ፈለማ: ዓው ኢልካ ኸተንብብ ክፍሊ ኺወሃበካ ኸሎ: እንተ ተኻኢሉ መዝገበ-ቓላት ተወከስ። ዘይትፈልጦ ቓላት ኣብኡ ርአ። ኣጠቓቕማ መዝገበ-ቓላት ብዚግባእ ዘይትፈልጥ እንተ ደኣ ዄንካ: ናብቲ ብዛዕባ ትርጕም ምልክታት ዚሕብረካ ኣብ መጀመርታ ገጻት ዚርከብ መግለጺ ገንጺልካ ርአ: ወይ ከኣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ሓደ ሰብ ንኺገልጸልካ ሕተቶ። እቲ መዝገበ-ቓላት ኣብ ምንታይ ከም እተትርርን ከም እተፍኵስን ኪሕብረካ እዩ። ኣብ ገሊኡ መዳያት: ሓንቲ ቓል ከከም እቲ እተሰዅዓትሉ ትሕዝቶ: ብእተፈላለየ መገዲ ኽትድመጽ ትኽእል እያ። ነታ ዝደለኻያ ቓል ኣናዲኻ ምስ ረኸብካያ: ነቲ መዝገበ-ቓላት ቅድሚ ምዕጻውካ ደጋጊምካ ኣድምጻ።
ኣደማምጻ እተመሓይሸሉ ኻልኣይ መገዲ: ነቲ ቓላት ብዚግባእ ንዜድምጾ ሰብ ዓው ኢልካ ብምንባብን ጌጋታትካ ኺእርመካ ብምሕታትን እዩ።
ኣደማምጻ እተመሓይሸሉ ሳልሳይ መገዲ ኸኣ ንንፉዓት ተዛረብቲ ጽን ኢልካ ብምስማዕ እዩ። ናይ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ወይ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ንቕሑ! ኣውድዮ ካሴታት እንተ ረኺብካ: ብዚግባእ ተጠቐመሉ። ነዚ ኽትሰምዕ ከለኻ: ካብቲ ንስኻ እተድምጸሉ ብእተፈልየ መገዲ እተደምጸ ቓላት መዝግብ። ነዚ ጽሓፎ: ተለማመደሉ ኸኣ። ምስ ግዜ: ናይ ኣደማምጻ ጸገም ኣይኪህልወካን እዩ፣ እዚ ኸኣ ንዘረባኻ ኣጸቢቑ ኼማዕብሎ እዩ።