ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 3 ገጽ 5
  • ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር ኣሎካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር ኣሎካ
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣምላኽ ዓርኩ ንኽትከውን ይዕድመካ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክትረኽበሉ እትኽእል መገዲ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ኣዕሩኽ ከተጥርየሉ እትኽእል መገድታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 3 ገጽ 5

ትምህርቲ 3

ብዛዕባ ኣምላኽ ክትመሃር ኣሎካ

ዓርኪ ኣምላኽ ንምዃን: ብዛዕባኡ ኽትመሃር ኣሎካ። ኣዕሩኽካ ስምካ ይፈልጥዎ: ብስምካ ኸኣ እዮም ዝጽውዑኻ። ኣምላኽ እውን ስሙ ኽትፈልጦን ብስሙ ኽትጽውዖን እዩ ዝደልየካ። ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ። (መዝሙር 83:18 NW፣ ማቴዎስ 6:9) እንታይ ከም ዝፈቱን እንታይ ከም ዝጸልእን እውን ክትመሃር ይግብኣካ። ኣዕሩኽቱን ጸላእቱን መን ምዃኖም ክትፈልጥ ኣሎካ። ንሓደ ሰብ ክትፈልጦ ግዜ ይወስድ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ግዜ ምምዳብ ጥበባዊ ምዃኑ እዩ ዝነግር።—ኤፌሶን 5:15, 16

ኣዕሩኽ ኣምላኽ ዘሐጕሶ ነገር እዮም ዝገብሩ። ብዛዕባ ኣዕሩኽካ እሞ ሕሰብ። ብሕማቕ ትሕዞምን ዝጸልእዎ ነገራት ትገብርን እንተደኣ ዄንካ ኣዕሩኽካ ኰይኖም ምቐጸሉዶ፧ ብርግጽ ኣይቅጽሉን እዮም! ብተመሳሳሊ መገዲ: ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ዘሐጒሶ ነገር ክትገብር ኣሎካ።—ዮሃንስ 4:24

ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ጥቓ ሓንቲ ጸባብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም፡ ነቶም ኣብታ ቐጣን መገዲ ዘለዉ ሰባት ይጥምትዎም

ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ንኽትምስርት ዝመርሓኻ ኵለን ሃይማኖታት ኣይኰናን። እቲ ናይ ማሕርሮ ዓርኪ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ: ብዛዕባ ክልተ መገድታት ተዛረበ። እታ ሓንቲ መገዲ ገፋሕን ብሰባት ዝመልአትን እያ። ናብ ጥፍኣት ከኣ ትመርሕ። እታ ኻልአይቲ መገዲ ጸባብ ክትከውን ከላ: ብእኣ ዝጓዓዙ ድማ ሒደት ሰባት እዮም። ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከኣ ትመርሕ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ: ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ክትምስርት ትደሊ እንተደኣ ዄንካ ንእኡ ኸተምልኸሉ እትኽእል ቅኑዕ ኣገባብ ኣምልኾ ኽትመሃር ኣሎካ ማለት እዩ።—ማቴዎስ 7:13, 14

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ