ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gf ትምህርቲ 1 ገጽ 3
  • ኣምላኽ ዓርኩ ንኽትከውን ይዕድመካ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ ዓርኩ ንኽትከውን ይዕድመካ
  • ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዓርኪ የሆዋ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • እንታይ ይመስለካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2018
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናይ ሓቂ ዓርኪ ኸመይ ዝበለ እዩ፧
    ንቕሑ!—2014
ዝያዳ ርአ
ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
gf ትምህርቲ 1 ገጽ 3

ትምህርቲ 1

ኣምላኽ ዓርኩ ንኽትከውን ይዕድመካ

ኣምላኽ ዓርኩ ኽትከውን ይደልየካ እዩ። ናይቲ ኣብ ኣድማስ ዝለዓለ ኣምላኽ ዓርኪ ኽትከውን ከም እትኽእል ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ እቲ ቕድሚ ብዙሕ ዓመታት ዝነብር ዝነበረ ኣብርሃም: ዓርኪ ኣምላኽ ተባሂሉ ተጸዊዑ እዩ። (ያእቆብ 2:23 ትርጕም 1990) ካልኦት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዝርከቡ ሰባት እውን ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኰይኖምን ብዙሕ ተባሪኾምን እዮም። ሎሚ: ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ምድሪ ዝርከቡ ሰባት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኰይኖም እዮም። ንስኻውን ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ።

ኣብርሃም ይጽሊ

ካብ ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዓርኪ ምዃን ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ይበልጽ። ኣምላኽ ነቶም ቅኑዓት ወይ እሙናት ኣዕርኽቱ ፈጺሙ ኣየጕህዮምን እዩ። (መዝሙር 18:25) ካብ ሃብቲ ኽህልወካ: ዓርኪ ኣምላኽ ምዃን ይበልጽ። ሃብታም ሰብ ክመውት ከሎ: ገንዘቡ ኻልኦት እዮም ዝወርስዎ። እቶም ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ዘለዎም ሰባት ግን ማንም ክወስደሎም ዘይክእል መዝገብ እዩ ዘለዎም።—ማቴዎስ 6:19

ገለ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ንኸይትምሃር ክኽልክሉኻ ይፍትኑ ይዀኑ። ገለ ካብ ኣዕሩኽካን ስድራቤትካን እውን ከይተረፉ ክኽልክሉኻ ይፍትኑ እዮም። (ማቴዎስ 10:36, 37) ሰባት እንተ ኣላጊጾምልካ ወይ እንተ ኣፈራሪሆምኻ ንነፍስኻ ‘ንመን እየ ኸሐጒስ ዝደሊ: ንሰባትዶ ወይስ ንኣምላኽ፧’ ኢልካ ሕተታ። ሕስብ እሞ ኣብሎ:- ሓደ ሰብ ምብላዕ ኣቋርጽ እንተ ዝብለካ: ምተኣዘዝካዮዶ፧ ፈጺምካ ኣይምተኣዘዝካዮን! ብህይወት ንኽትነብር መግቢ የድልየካ እዩ። ኣምላኽ ግን ንዘለኣለም ብህይወት ከም እትነብር ክገብረካ ይኽእል እዩ! ስለዚ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብኸመይ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ከም እትኽእል ንኸይትምሃር ክኽልክለካ ኣይተፍቅደሉ።—ዮሃንስ 17:3

ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ጽሑፋት ከተንብብ ከላ ኣንስቲ የላግጻላ
    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ