ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • gt ምዕ. 18
  • ዮሃንስ ይንእስ የሱስ ይዓቢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዮሃንስ ይንእስ የሱስ ይዓቢ
  • ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ወሰኸ፡ ዮሃንስ ከኣ ነከየ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ዮሃንስ እምነት ኣጕዲሉ ድዩ፧
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ዮሃንስ መጥምቕ—ሓጐስና ንምዕቃብ ዚሕግዝ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ዮሃንስ ንየሱስ ሓተቶ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
ዝያዳ ርአ
ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
gt ምዕ. 18

ምዕራፍ 18

ዮሃንስ ይንእስ የሱስ ይዓቢ

ብድሕሪ እቲ ኣብ ጽድያ ናይ 30 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ በዓል ፋስጋ: የሱስን እቶም ደቀ መዛሙርቱን ካብ የሩሳሌም ወጹ። ይኹን እምበር: ናብ ዓዶም ኣብ ገሊላ ዘይኰነስ ናብ ይሁዳ ኢዮም ከይዶም: ኣብኡ ኸኣ ኣጠመቑ። ዮሃንስ መጥምቕ እውን ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኸውን ኣጠሚቑ ኢዩ: ገና ኸኣ ምስኡ ዝሓብሩ ደቀ መዛሙርቲ ነበርዎ።

የሱስ ባዕሉ ንዋላ ሓደ ኣየጠመቐን: ደቀ መዛሙርቱ ግን ብናቱ መሪሕነት የጠምቑ ነበሩ። እቲ ንሶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ጥምቀት: ኣይሁድ ኣንጻር ሕጊ ኪዳን ኣምላኽ ብምሕጥኦም ከም እተናስሑ ዘርኢ ብምንባሩ ከምቲ ናይ ዮሃንስ ትርጕም ኢዩ ነይርዎ። ይኹን እምበር: የሱስ ካብ ምዉታት ድሕሪ ምትንስኡ ግን እተፈልየ ትርጕም ዘለዎ ጥምቀት ክገብሩ ነገሮም። ሎሚ ክርስትያናት ዝገብርዎ ጥምቀት ሓደ ሰብ ንየሆዋ ንምግልጋል ከም እተወፈየ ዘመልክት ኢዩ።

ኣብዚ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣገልግሎት የሱስ ግን: ንሱን ዮሃንስን ዋላ እኳ በበይኖም ይዓዩ እንተነበሩ: ክልቲኦም ንዝናስሑ ሰባት ኢዮም ዝምህሩን ዘጠምቑን ነይሮም። ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ግን ቀንኡ እሞ ብዛዕባ የሱስ ንዮሃንስ “መምህር: . . . እንሆ: ንሱ የጥምቕ: ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ አሎ” ኢሎም ነገሩዎ።

ኣብ ክንዲ ዝቐንእ ግን ዮሃንስ ብዓወት ናይ የሱስ ተሓጐሰ: ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ክሕጐሱ ደለዮም። “አነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለአኽኩ እምበር: ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ: ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም” ኢሉ ኣዘኻኸሮም። ቀጺሉ ኸኣ “እቲ መርዓት ዘላቶ: ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኢሉ ንእኡ ዚሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ” ብምባል ጽቡቕ ምሳሌ ተጠቕመ።

ዮሃንስ ከም ዓርኪ ናይቲ መርዓዊ መጠን ንገለ ሽዱሽተ ወርሒ ንደቀ መዛሙርቱ ምስ የሱስ ከላልዮም ከሎ ተሓጒሱ ኢዩ። ገለ ካብኣቶም ክፍሊ ናይታ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝቘመት ሰማያዊት መር​ዓት ክርስቶስ ናይ ምዃን ተስፋ ዘለ​ዎም ኰኑ። ዮሃንስ ዕላ​ምኡ ነቲ ዕዉት ኣገልግሎት ክርስቶስ መገዲ ምኽፋት ስለ ዝነበረ: እቶም ሽዑ ምስኡ ዝነ​በሩ ደቀ መዛሙርቱ እውን ንየሱስ ክስዕብዎ ኢዩ ዝደሊ ነይሩ። ዮሃንስ መጥምቕ “ንሱ ኺዐቢ: ኣነ ግና ክንእስ ይግ​ባእ” ኢሉ ገለጸ።

እቲ ቅድም ናይ ዮሃ​ንስ መጥምቕ ወደ መዝ​ሙር ዝነበረ ዮሃንስ ዝብ​ሃል ሓድሽ ወደ መዝሙር የሱስ: ብዛዕባ መበቈል የሱስን ሰባት ንምድሓን ዘለዎ ኣገዳሲ ግደን ክጽሕፍ ከሎ “እቲ ኻብ ላዕሊ ዚመጽእ ዘሎ: ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። . . . ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ኢዱ ሀቦ። ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ: እቲ ብወዲ ዘይአምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር: ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ” በለ።

ዮሃንስ መጥምቕ ናቱ ንጥፈታት ክንእስ ከም ዝዀነ ድሕሪ ምዝራቡ ነዊሕ ከይጸንሐ ንጉስ ሄሮድስ ኣሰሮ። ሄሮድስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኣእተዋ: ዮሃንስ ከኣ እቲ ዝገበሮ ጌጋ ከም ዝዀነ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ስለ ዝነገሮ ኣእሰሮ። የሱስ ብዛዕባ ምእሳር ዮሃንስ ምስ ሰምዐ ንይሁዳ ገዲፉ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ገሊላ ከደ። ዮሃንስ 3:⁠22–4:⁠3፣ ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠4፣ ማቴዎስ 28:⁠19፣ 2 ቈረንቶስ 11:⁠2፣ ማርቆስ 1:⁠14፣ 6:⁠17⁠-​20

▪ እቲ ካብ ምዉታት ቅድሚ ምትንስኡ ብመሪሕነት የሱስ ዝግበር ዝነበረ ጥምቀት እንታይ ትርጕም ኢዩ ነይርዎ፧ እቲ ብድሕሪ ካብ ምዉታት ምትንስኡ ዝነበረኸ፧

▪ ዮሃንስ ምጕርምራም ናይ ደቀ መዛሙርቱ ግቡእ ከም ዘይኰነ ብኸመይ ኣርኣየ፧

▪ ዮሃንስ እተኣስረ ስለምንታይ ኢዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ