ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 5 ገጽ 10-11
  • ዜደንቕ ባእታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዜደንቕ ባእታ
  • ንቕሑ!—2016
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 5 ገጽ 10-11

ዜደንቕ ባእታ

ኣቶማት ካርቦን

ኔቸርስ ብዩልዲንግ ብሎክስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ከም ካርቦን ገይሩ ንህይወት ዜድሊ ባእታ የለን” በለት። እቲ ፍሉይ ዝዀነ ጠባያት ካርቦን፡ ንሓድሕዱን ምስ ሓያሎ ኻልኦት ከሚካዊ ባእታታትን ኪላገብ ስለ ዜኽእሎ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ውሁዳት የቕውም። ብዙሓት ካብዚኣቶም ድማ ብቐጻሊ ይርከቡን ይቃመሙን ኣለዉ።

ኣብዚ ቐጺሉ ዚርከብ ኣብነታት ከም እንርእዮ፡ ኣቶማት ካርቦን ተወሃሂዶም ከም ሰንሰለታትን ሃረማትን ቀላብትን ቱቦታትን ዝኣመሰለ እተፈላለየ ቕርጽታት የቝሙ እዮም። ብሓቂ እምበኣር፡ ካርቦን ዜደንቕ ባእታ እዩ።

ኣልማዝ

ኣልማዝ

ኣቶማት ካርቦን፡ ቴትራሄድሮንስ ዚብሃሉ ሃረማት የቝሙ እዮም። እዚኣቶም ንቕርጺ ሓደ ነገር ኣዝዩ ተሪር ከም ዚኸውን እዮም ዚገብርዎ፣ ኣልማዝ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተረኽቡ ባህርያዊ ነገራት ኣዝዩ ዝተረረ ዝዀነ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። ሓደ ውጹእ ኣልማዝ ብንጽል ሞለክዩል ኣቶማት ካርቦን ዝቘመ እዩ።.

ግራፋይት

ርሳስ

ከረው ኢሎም እተላገቡ ኣቶማት ካርቦን፡ ልክዕ ከም እተደርደረ ወረቓቕቲ፡ ተነጺሎም ኪፍለዩ ብዚኽእሉ ብዙሕ ዘይተጣበቑ ቐጸላታት እተሰርዑ እዮም። ብምኽንያት እዚ ጠባያት እዚ ኸኣ ግራፋይት ጽቡቕ መለስለስን ርሳስ ንምስራሕ ዚሕግዝ ቀንዲ ውሁድን እዩ።*

ግራፊን

ኣሰር ርሳስ

እዚ ነቲ ሽዱሽተ ዅርናዕ ብዘለዎ መርበብ ዚመስል ቀዳዳት እተመዓራረየ፡ ንጽል ቀጸላ ኣቶማት ካርቦን የመልክት። ግራፊን ካብ ኣቻዮ ኣዝዩ እተዓጻጸፈ ድልዳለ ኣለዎ። ኣሰር ርሳስ፡ ኣብ ንጽል ወይ ድርብ ቀጸላታት፡ ሒደት ዓቐን ግራፊን ኪርከቦ ይኽእል እዩ።.

ፉለሪንስ

ፉለሪንስ

እዞም ባዶ ሞለክዩላት ካርቦን እተፈላለየ ቕርጺ ዘለዎም ኰይኖም፡ ናኖትዩብስ ዚብሃሉ ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚርኣዩ ዀዓሳሱን ቱቦታትን የጠቓልሉ። ብናኖሜተርስ ወይ ሓደ ኣብ ልዕሊ ቢልዮን ናይ ሓደ ሜተር ድማ ይዕቀኑ።

ህያዋን ነፍሳት

ካርቦን ዘለዎም ህያዋን ዋህዮታት

እቶም ንኣትክልትን ንእንስሳታትን ንሰባትን ዜቝሙ ዋህዮታት፡ በቲ ኣብ ካርቦሃይድሬትን ስብሕን ኣሚኖ ኣሲድን ዚርከብ ካርቦን እዮም ተሃኒጾም።

“እቲ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ [ባህርይ ኣምላኽ] . . . ብንጹር ይርአ እዩ።” —ሮሜ 1:20።

ነታ ኣብ ናይ ሕዳር 2007 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ርሳስ ዘለዎዶ ኣሎ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

ኰዀብ

ካርቦን—ውጽኢት ናይቲ ኣብ ከዋኽብቲ ዚርከብ ፍጹም ውህደት

ካርቦን ብምውህሃድ ሰለስተ ናይ ሄልዩም ኑክለስ እዩ ዚቐውም። እዚ ውህደት እዚ፡ ኣብ ውሽጢ እቶም ሬድ ጂያንትስ ዚብሃሉ ኸዋኽብቲ ኸም ዚካየድ እዮም ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዚኣምኑ። ሄልዩም ምእንቲ ኺወሃሃድ ግና እተወሰነ ዅነታት ልክዕ ኪመጽእ ኣለዎ። ናይ ፊዚክስ ሊቅ ዝዀነ ፖል ዴቪስ፡ “[ኣብ ግኡዛዊ ሕጊ] ገለ ለውጢ እንተ ዚህሉ፡ ዋላ እውን ኣዝዩ ደቂቕ ይኹን፡ ዩኒቨርስን ህይወትን ኣይምሃለወን፡ ሰባት እውን ኣይምሃለዉን” ብምባል ጸሓፈ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፍጹም ውህደት ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል፧ ገሊኦም ብሃንደበት ናብ ህላወ ኸም ዝመጸ ይዛረቡ። ካልኦት ድማ ጥበበኛ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዚሕብር መርትዖ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ። እሞ፡ ነየናይ ኣረኣእያ ኢኻ ዝያዳ ርትዓዊ ጌርካ እትርእዮ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ