ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 8/15 ገጽ 14-15
  • ኣብ እምነታ ጸንዐት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ እምነታ ጸንዐት
  • ንቕሑ!—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ዘለዎ ኣረኣእያ ተቐቢለዮ
    ንቕሑ!—2003
ንቕሑ!—2015
g 8/15 ገጽ 14-15

ኣብ እምነታ ጸንዐት

ምስ ሶንግ ሂ ካንግ እተገብረ ቓለ መጠይቕ

ሶንግ ሂ ካንግ

ሶንግ ሂ ጓል 11 ዓመት ከላ፡ ኣዲኣ ኣብ ሕቘ ጓላ ፍልይ ዝበለ ሕበጥ ከም ዘሎ ኣስተብሃለት። ሓኪም ድማ ንሶንግ ሂ መርመራ ምስ ገበረላ፡ ስኮሊዮሲስ ዚብሃል ሕማም ከም ዝሓዛ ነገራ፣ እዚ ሕማም እዚ፡ ዓንዲ ሕቘ ኸም “ር” ወይ ከኣ ከም “S” ዝዓይነቱ ቕርጺ ኸም ዚሕዝ ብምግባር ኣብ ጐድኑ ዚጠውዮ ሕማም እዩ። ሶንግ ሂ፡ እቲ ሕማም እናገደዳ ስለ ዝኸደ፡ መጥባሕቲ ኽትገብር ነበራ። ኰይኑ ግና፡ ደም ኣይትወስድን እያ። ንቕሑ! ብዛዕባ ተመክሮኣ ሓቲታታ ኣላ።

ፈለማ ብዛዕባ ሕማምኪ ምስ ፈለጥኪ፡ ሓካይም ኪሕግዙኺ ኽኢሎምዶ፧

ንሰለስተ ዓመት ዚኸውን፡ ክልተ ሓካይም ይከታተሉኒ ነይሮም፣ ዓንዲ ሕቘይ ግና ብዝያዳ እናተጠውየ ኸይዱ። ኣዝዩ ስለ ዝገደደኒ፡ ዓንዲ ሕቘይ ንልበይን ንሳምቡአይን ኪጸቕጦ ጀሚሩ፣ ብሰንኩ ኸኣ ምስትንፋስ የሸግረኒ ነይሩ። እታ ሓንቲ ዝነበረት ኣማራጺ፡ መጥባሕቲ ምግባር እያ ነይራ።

መጥባሕቲ ንምግባር ፍቓደኛዶ ዄንኪ፧

እወ። እቲ መጥባሕቲ ኸቢድ ከም ዚኸውን ግና ተነጊሩኒ ነይሩ እዩ። ሽዑ ዓንዲ ሕቘይ 116 ዲግሪ ተጠውዩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ እቲ ኣነ ዝገብሮ መጥባሕቲ፡ ናቱ ፍሉይ ብድሆ ነይርዎ። ብምኽንያት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሃይማኖታዊ እምነተይ፡ ደም ኣይወስድን እየ።a

እሞኸ መጥባሕቲ ኺገብረልኪ ዚኽእል ሓኪም ረኺብኪዶ፧

ኣነን ኣደይን ኣብታ እንነብረላ ግዝኣት ፍሎሪዳ፡ ሕ.መ.ኣ. ናብ ዚርከብ ክኢላ ሓኪም ኬድና ኔርና። ደም ከም ዘይወስድ ምስ ነገርክዎ ግና፡ ብዘይ ደም ከምዚ ዓይነት ከቢድ መጥባሕቲ ኺገብር ፍቓደኛ ዝዀነ ሓኪም ከም ዘይረክብ ነገረኒ። ብዘይካዚ፡ መጥባሕቲ እንተ ዘይገይረ፡ ጓል 20 ዓመት ቅድሚ ምዃነይ ክመውት ከም ዝኽእል ሓበረኒ። ሽዑ ኸኣ ገና ጓል 14 ዓመት እየ ነይረ።

ብዛዕባ እምነትኪ ገሊጽክሉዶ፧

እወ ገሊጸሉ። እምነተይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምዃኑን ኣምላኽ፡ ‘ደም ሰብ ኰነ ደም እንስሳ ቕዱስ እዩ’ ኸም ዝበለን ነጊረዮ።b ሓደ እስራኤላዊ ደም እንተ በሊዑ፡ ብሞት ይቕጻዕ ከም ዝነበረ እውን ሓቢረዮ።c ግብሪ ሃዋርያት 15:19, 20 እውን ኣርእየዮ እየ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ንክርስትያናት ‘ካብ ደም ርሓቑ’ ዚብል ትእዛዝ ከም እተዋህቦም ትገልጽ። እዚ ኸኣ፡ ደም ብኣፍና ዀነ ብሰራውር ደምና ኽንወስድ ከም ዘይብልና እዩ ዚገልጽ ዘሎ።

እቲ ሓኪም መጥባሕቲ ደኣ እሞ እንታይ ኢሉ፧

ምስ ኣረዳእክዎ እውን እንተ ዀነ፡ ብዘይ ደም መጥባሕቲ ኸም ዘይገብረለይ ነገረኒ። እቲ ዜገርም ድማ፡ እቲ ሆስፒታል፡ ደም እንተ ወሲደ፡ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘየኽፍሉኒ ነገሩኒ።

እቲ እተኸፍተልኪ ኣጋጣሚ ቐሊል ኣይኰነን ነይሩ። ንስኽን ኣዴኽን ደኣ እሞ እንታይ ወሲንክን፧

ብዘይ ደም መጥባሕቲ ኺገብረለይ ፍቓደኛ ዝዀነ ሓኪም ዘይርከብ እኳ እንተ መሰለ፡ ኣብ እምነትና ኽንጸንዕ ኢና ወሲንና። ሽዑ ነገራት መሊሱ እናተሓላለኸ ኪኸይድ ጀሚሩ። ብሕጊ ኺርአ ኸሎ፡ ኣነ ገና ትሕቲ ዕድመ እየ ነይረ። ስለዚ፡ ኵነታተይ እናገደደ ስለ ዝኸደ፡ ጕዳየይ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ዓቃብ ሕጊ ፍሎሪዳ፡ ብዘይ ደም መጥባሕቲ ኺገብረለይ ዚኽእል ሓኪም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ኽንረክብ ዕድል ሂቡና።

እሞኸ ረኺብኪዶ፧

እወ። ኣብቲ ኸባቢና ዝነበረ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝገበረልና ምትሕብባር፡ ብዘይ ደም መጥባሕቲ ኺገብረለይን ኪሕክመንን ፍቓደኛ ዝዀነ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ክኢላ ሕክምና ስኮሊዮሲስ ተረኺቡ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃበና ዕለት ቅድሚ ምዝዛሙ፡ ሓኪም ረኺብና።

እቲ መጥባሕቲ እሞ ኸመይ ነይሩ፧

ዕዉት እዩ ነይሩ። እቲ መጥባሕቲ ዝገበረለይ ዶክተር ሮበርት በርንስቲን፡ ዓንዲ ሕቘይ ትኽ ከም ዚብል ንምግባር፡ ከከም ኣድላይነቱ ኺተዓራረ ዚኽእል ዘንጊ ኣብ ሕቘይ ኣእተወለይ። ነቲ መጥባሕቲ ኣብ ክልተ ደረጃ እዩ መቒልዎ፣ ናይ ክልተ ሰሙን ፍልልይ ድማ ነበሮ።d

ስለምንታይ ደኣ ኣብ ክልተ ደረጃ መቒልዎ፧

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ደረጃ መጥባሕቲ ብዙሕ ደም እንተ ፈሲሱ፡ ካልኣይ ደረጃ እቲ መጥባሕቲ ቕድሚ ምግባርና ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሰብነተይ ዝያዳ ቐያሕቲ ዋህዮታት ደም ኬዳሉ ይኽእል። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ እቲ መጥባሕቲ ዝገበረለይ ጕጅለ ሳላ ዝገበሮ ጽቡቕ ምድላውን ሳላ ኽእለቶምን ጥንቃቐኦምን፡ ኣብ ክልቲኡ ደረጃ እቲ መጥባሕቲ፡ ሒደት ደም ጥራይ እዩ ፈሲሱ። ብዘይካዚ፡ ካብቲ ደም ምውሳድ ዜምጽኦ ጸገማት ናጻ ስለ ዝዀንኩ፡ ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ቐልጢፈ እየ ሓውየ።e

እቲ መጥባሕቲ ዝገበረልኪ ሓኪም እሞ እንታይ ተሰሚዕዎ፧

ሓካይም ብዛዕባ መንነት እቲ ተሓካሚ ኺግደሱ ኣለዎም

ኣዝዩ እዩ ተሓጒሱ። “ሕክምናዊ ኽንክን ኪብሃል ከሎ፡ መጥባሕቲ ምግባር ጥራይ ኣይኰነን” ኢሉ ነይሩ እዩ። ብናቱ ኣረኣእያ፡ ሓካይም ብዛዕባ መንነት እቲ ተሓካሚ፡ እንተላይ ብዛዕባ እምነታቱን ብዛዕባ እቲ ዚስዕቦ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት እውን ኪግደሱ ኣለዎም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ ብዙሓት ካልኦት ሰባት፡ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ምሉእ ብምሉእ ይድግፍዎ እዮም።

a ኣደ ሶንግ ሂ ናይ የሆዋ ምስክር እያ። ሶንግ ሂ እውን ንእምነት ኣዲኣ እያ እትስዕብ፣ ብ2012 ድማ ጓል 16 ዓመት ከላ ተጠምቀት።

b ዘፍጥረት 9:3-5።

c ዘሌዋውያን 17:10-14።

d ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ፡ ሕክምና ንዜድልዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዘይ ደም ጽቡቕ ሕክምናዊ ኽንክን ኪገብረሎም ዚኽእል ሓኪም ንኺረኽቡ ይሕግዞም።

e ክሊኒካል ኤክሰለንስ ኮሚሽን፡ ኒው ሳውዝ ዌልስ (ኣውስትራልያ) ሄልዝ ዘውጸኦ ዓንቀጽ ብዛዕባ እቲ ምውሳድ ደም ዘለዎ ሓደጋታት ኪገልጽ ከሎ፡ “ደም ምውሳድ ኪብሃል ከሎ፡ ካልእ ህያው ኣካሊት (ቲሹ) ኣብ ውሽጢ ኻልእ ሰብ ምትካል ማለት እዩ። ሰብነትና ዝዀነ ይኹን ጓና ዝዀነ ነገር ኪኣትዎ ኸሎ፡ ብባህሪኡ ኣይቅበሎን እዩ። እዚ ሰብነትና ዚህቦ ተፈጥሮኣዊ ምላሽ እዚ፡ ንጥዕና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ” በለ።

ሓጺር ሓበሬታ ስኮሊዮሲስ

ስእሊ ሓደ እተጠውየ ዓንዲ ሕቘ

ጥዑይ ዓንዲ ሕቘ

  • ስኮሊዮሲስf ብሕማቕ ኣቀማምጣን ኮፍ ኣበሃህላን ኰነ ብዋሕዲ ካልስየም ኣይመጽእን እዩ

  • ምምዝባል ዓንዲ ሕቘ ኻብ ሰብ ናብ ሰብ ኣይሓልፍን እዩ

  • ደጋፊ ሓጺን ምግባር፡ ንዓንዲ ሕቘ ትኽ ዘየብሎ እኳ እንተ ዀነ፡ ንኸይገድድ ግና ኪዓግቶ ይኽእል እዩ

  • ንስኮሊዮሲስ ኢልካ ዚግበር መጥባሕቲ፡ ውሉድ ምውላድ ኣይዕንቅፍን እዩ

  • ምስ ዓንዲ ሕቘ ተተሓሒዙ ንዚመጽእ ምምዝባል ኣካላት ብኸመይ ክትከላኸሎ ኸም ዚክኣል ገና ኣይተፈልጠን

  • ምትካኽ ሽጋራ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ዚሓውየሉ መስርሕ ይዓናቕፎ እዩ

f ምንጪ፦ ስፓይናል ዲፎርሚቲ፦ ስኮሊዮሲስ ኤንድ ኪፎሲስ—ኤ ሃንድቡክ ፎር ፔሸንትስ፣ “ሕማምን ጥዕናዊ ዅነታትን—ስኮሊዮሲስ፡” ብሰራሕተኛታት ክሊኒክ ማዮ፡ ክሊኒክ ማዮ፡ ሕ.መ.ኣ. እተዳለወ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ