ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 7/15 ገጽ 16
  • ምንጋጋ ሓርገጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምንጋጋ ሓርገጽ
  • ንቕሑ!—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕዝቶ
    ንቕሑ!—2015
  • ቃላት ብንጹር ምዝራብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
ንቕሑ!—2015
g 7/15 ገጽ 16
ሓንቲ ኣንስተይቲ ሓርገጽ ንውላዳ ብጥንቃቐ ኣብ ኣፋ ገይራ ኽትወስዶ ኸላ

ተነዲፉ ድዩ፧

ምንጋጋ ሓርገጽ

ሓርገጽ ካብቶም ሕጂ ዘለዉ እንስሳታት ንላዕሊ ሓያል ናይ ምንካስ ዓቕሚ እዩ ዘለዎ። ንኣብነት፡ መንከስቲ እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዚርከብ ጨዋም ማይ ዚነብር ሓርገጽ፡ ካብ ኣንበሳ ወይ ነብሪ ዳርጋ ብሰለስተ ዕጽፊ ይበልጽ። ኰይኑ ግና፡ ምንጋጋ ሓርገጽ፡ ገለ ነገር ኪትንክፎ ኸሎ፡ ካብ ጫፍ ኣጻብዕቲ ሰብ ንላዕሊ ብቐሊሉ እዩ ዚስምዖ። ቈርበት ሓርገጽ ድሩዕ ወይ ኣዝዩ ድልዱል ክነሱ፡ ኣብ ምንጋጋኡ ኺትንከፍ ከሎ ብቕልጡፍ ኪስምዖ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ምንጋጋ ሓርገጽ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ናይ ስምዒት ህዋሳት ኣለዎ። ዳንከን ሊች ዝስሙ ተመራማሪ፡ ነቲ ናይ ስምዒት ህዋሳት ምስ መርመሮ፡ “ነፍሲ ወከፍ ጫፍ መትኒ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ሽክና እቲ ሓርገጽ ዚርከብ ቀዳድ ኣቢሉ እዩ ዚወጽእ” በለ። እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ምንጋጋኡ ዚርከብ መትንታት ከይጕዳእ የዕቍቦ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ገለ ነገር ኪትንክፎ ኸሎ ቕልጡፍ ምላሽ ንኺህብ እውን ይሕግዞ እዩ፣ እቲ ዚህቦ ምላሽ ኣዝዩ ቕልጡፍ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ ብመሳርሒ ኺዕቀን ኣይክእልን እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ሓርገጽ፡ ኣብ ኣፉ ዘሎ ነገር፡ ምግቢ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኪፈሊ ይኽእል። ሓንቲ ኣንስተይቲ ሓርገጽ፡ ነቶም እተጫጭሑ ደቃ ኣብ ኣፋ ገይራ ናብ ካልእ ቦታ ኽትወስዶም ከላ ብድንገት ከይትጭፍልቖም ዚሕግዛ፡ እቲ ናይ ስምዒት ህዋሳት እዩ። ብሓቂ እምበኣር፡ ምንጋጋ ሓርገጽ፡ ናይ ምንካስ ሓይሊ ጥራይ ኣይኰነን ዘለዎ፣ ኪትንከፍ ከሎ እውን ብቕልጡፍ ኪስምዖ ይኽእል እዩ።

እንታይ ይመስለካ፧ ምንጋጋ ሓርገጽ ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ