ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 7/15 ገጽ 8-9
  • ናብ ሞንጎልያ እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ሞንጎልያ እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2015
ንቕሑ!—2015
g 7/15 ገጽ 8-9
ሞንጎላውያን ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኸቢብ ገር ከለው

ሃገራትን ህዝብታትን | ሞንጎልያ

ናብ ሞንጎልያ እተገብረ ምብጻሕ

ሞንጎልያ እትርከበሉ ቦታ ዜርኢ ኻርታ ዓለም

ኣብ መበል 12 ዘመን ዝነበረ ገንጊስ ካን ዚብሃል ተባዕ ተዋጋኢ፡ ነቲ ጸኒሑ ዝመጸ ዓብዪ ሃጸያዊ ግዝኣት ሞንጎልያ መሰረት ኣንቢሩ እዩ። እቲ ሎሚ ሃገረ ሞንጎልያ ተደኲናትሉ ዘላ ቦታ እውን ንእሽቶ ኽፋል እቲ ሽዑ ዝነበረ ግዝኣት ኰይኑ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ቻይናን እዩ ዚርከብ። ሞንጎልያ፡ ሓንቲ ኻብተን ብዙሕ ሰብ ዘይነብረለን ሃገራት ዓለምና እያ።

ምድሪ ሞንጎልያ፡ ኣፍላጋትን ወሓይዝን ነዋሕቲ ኣኽራንን ሸኻታትን ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ልሙዕ ምድረ ሳዕርን ዚርከቦ እዩ። ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር፡ ኣዕጽምቲ ዳይኖሰር ብግቡእ እተዓቀበሉ ቦታታት ከም ዝዀነ ዚፍለጥ፡ ምድረ በዳ ጎቢ ይርከብ። ሞንጎልያ፡ ኣብ ኣስታት 1,580 ሜተር ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ እያ እትርከብ፣ እቶም ደቂ እታ ዓዲ ድማ ንሃገሮም “ምድሪ ሰማያዊ ሰማይ” ኢሎም እዮም ዚጽውዕዋ። ኣብ ዓመት፡ ጸሓይ ዚውዕለሉ ልዕሊ 250 መዓልትታት ስለ ዘለዋ፡ እዚ ስም እዚ ንዕኣ ዚበቅዕ እዩ።

ኣብ በረድ ዚነብር ነብሪ

ኣብ በረድ ዚነብር ነብሪ

ሞንጎላውያን ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዅነታት ኣየር ዘለዎ ቦታ እዮም ዚነብሩ። ኣብ ሓጋይ እቲ ሙቐት 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኪበጽሕ ከሎ፡ ኣብቲ ቘራሪ ወርሓት ከኣ ትሕቲ ዜሮ ኽሳዕ 40 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ እዩ ዚበጽሕ። ሓደ ሲሶ ኻብ ተቐማጦ ሞንጎልያ፡ ዘላን እዮም። ኣብተን ናይ ስራሕ መዓልትታት፡ ሰብኡቶምን ኣንስቶምን ኣንጊሆም ብምትንሳእ፡ ኣጣሎምን ላሞምን ኣግማሎምን ባዝራታቶም ይሓልቡ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ውጽኢት ጸባን ስጋን እዮም ዚምገቡ፣ ስጋ በጊዕ ድማ ኣዝዮም እዮም ዚፈትዉ።

ሕብስቲ ኣሮል ኣብ መስጥሒ ኺነቅጽ ከሎ

ሕብስቲ ዝረግአ ጸባ፡ ወይ ኣሮል፡ ኣብ ጸሓይ ኪነቅጽ ከሎ

ሞንጎላውያን ተቐበልቲ ጋሻ እዮም። ዝዀነ ይኹን ሓላፍ መገዲ ኣብ ቤቶም ኣትዩ ምእንቲ ኼዕርፍን ኪበልዕን ኢሎም ነቲ ዚቕመጡሉ ኸቢብ፡ ገር ዚብሃል ተንቀሳቓሲ ድንኳውንቶም ክፉት እዮም ዚሓድግዎ። ንጋሻኦም ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ ሒደት ጨው ዘለዎ፡ ልብጥ ዝበለ ሻሂ ብጸባ እዮም ዚቕርቡሉ።

መብዛሕትኦም ህዝቢ ሞንጎልያ ሰዓብቲ እምነት ቡድህና እዮም። ሒደት ካብቶም ህዝቢ ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ሻማንነትን ክርስትናን ኪዀኑ ኸለዉ፡ ብዙሓት ሃይማኖት ዘይብሎም እውን ኣለዉ። ኣብ ሞንጎልያ፡ ልዕሊ 350 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዉ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ንልዕሊ 770 ዝዀኑ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ይምህርዎም እዮም።

ክልተ መንጕዳ ዘለዎ ገመል ባክትርያን ከቢድ ጽዕነት ተሰኪሙ ኸሎ

ክልተ መንጕዳ ዘለዎ ገመል ባክትርያን ኣብቲ ቘራሪ ዅነታት ኣየር እውን ከይተረፈ ጽዕነት ተሰኪሙ ይርአ እዩ

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 2,713,000

  • ርእሰ ኸተማ፦ ኡላንባቶር

  • ቋንቋ፦ ሞንጎልያን፡ ሩስያኛ ኸምኡ እውን ቋንቋታት ቱርኪክ

  • ቀንዲ ሰደድ፦ ነሓስን ከሰልን ወርቅን ጸምሪ ጤልን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ