ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 4/15 ገጽ 8-9
  • ናብ ሆንዱራስ እተገብረ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ ሆንዱራስ እተገብረ ምብጻሕ
  • ንቕሑ!—2015
ንቕሑ!—2015
g 4/15 ገጽ 8-9
ገማግም ሆንዱራስ

ሃገራትን ህዝብታትን

ናብ ሆንዱራስ እተገብረ ምብጻሕ

ካርታ ሆንዱራስ

ሆንዱራስ ብስጳንኛ፡ “ዕምቈት” ማለት እዩ፣ እዛ ቓል እዚኣ፡ ክሪስቶፈር ኮሎምበስ ነቲ ብሸነኽ ገማግም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዘሎ ማያት ሆንዱራስ ንምግላጽ እተጠቕመላ ቓል ክትከውን ትኽእል እያ። ገሊኦም ሰባት፡ ሆንዱራስ በዚ ምኽንያት እዚ ኸም እተሰምየት እዮም ዚገልጹ።

ተቐማጦ ሆንዱራስ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ዘሎ ተኣማንነትን ምትሕብባርን ዓብዪ ግምት እዮም ዚህብዎ። ንኣብነት፡ ንወጻኢታት ስድራ ቤት ወይ ከኣ ንትምህርቲ ውሉዳት ዚምልከት ዓበይቲ ውሳነታት፡ መብዛሕትኡ እዋን ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ኰይኖም እዮም ዚውስንዎ።

መብዛሕትኦም ነበርቲ ሆንዱራስ፡ መስቲዞስ፡ ማለት ምስ ኤውሮጳውያንን ምስ ደቀባትን እተዳቐሉ እዮም። ከምቶም ቾርቲ ዚብሃሉ ገሊኦም ደቀባት ሆንዱራስ ድማ ክሳዕ ሕጂ ኣለዉ። ከም ጋሪፉና ዝኣመሰሉ ኻልኦት ደቀባት ሆንዱራስ ከኣ፡ ካብ ካልእ ቦታ ዝመጹ እዮም።

ካብ ዓሌት ጋሪፉና ዝዀነ ሙዚቀኛ፡ ብተሪር ዕንጨይቲ እተሰርሐ ኸበሮ ኺሃርም ከሎ

ካብ ዓሌት ጋሪፉና ዝዀነ ሙዚቀኛ፡ ብተሪር ዕንጨይቲ እተሰርሐ ኸበሮ ኺሃርም ከሎ

ጋሪፉና ዘርኢ ኣፍሪቃውያንን ዘርኢ እቶም ኣብ ደሴት ሰይንት ቪንሰንት ዚነብሩ ዝነበሩ ህንዳውያን ኣመሪካውያንን እዮም። ኣብ ከባቢ 1797 ድማ፡ ኣብ ኢዝላስ ደ ላ ባዪያ (ደሴታት በይ) በጽሑ። ጸኒሖም ከኣ፡ ኣብቲ ኽፍሊ ማእከላይ ኣመሪካ ዝዀነ ገማግም ካሪበያን ኪቕመጡ ጀመሩ። ድሕሪ ግዜ፡ እቶም ጋሪፉና ኣብ ኵሉ ማእከላይን ሰሜንን ኣመሪካ ተበተኑ።

ዓሌት ጋሪፉና፡ ብደረቕ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ኸበሮ እናሃረምካ ምስዕሳዕ ባህ እዩ ዚብሎም። ብዘይካዚ፡ ባህሎም፡ ደሚቕ ዝሕብሩ ባህላዊ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ዛንታ ምዝንታውን የጠቓልል፣ ኢሪባ ዚብሃል ካብ ሱር ካሳቫ ዚስራሕ ሰፊሕን ረቂቕን ቅጫ እውን የዳልዉ እዮም።

ኣብ ሆንዱራስ ኣስታት 400 ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣለዋ። ኣኼባታት ብቐንዱ ብስጳንኛ እዩ ዚምራሕ፣ ብዘይካዚ፡ ብሚስኪቶን ብማንዳሪን ቻይንኛን ብቛንቋ ምልክት ሆንዱራስን ብእንግሊዝኛን ብጋሪፉናን እውን ይምራሕ እዩ።

ኢሪባ

ኢሪባ ዚብሃል ካብ ሱር ካሳቫ ዚስራሕ ሰፊሕን ረቂቕን ቅጫ

ሓጺር ሓበሬታ

  • ብዝሒ ህዝቢ፦ 8,111,000

  • ርእሰ ኸተማ፦ ቲጉስጋልፓ

  • መንግስቲ፦ ዲሞክራስያዊ ሪፓብሊክ

  • ቋንቋ፦ ስጳንኛ

  • ኵነታት ኣየር፦ ሓውሲ ትሮፒካዊ፣ ኣብ ከባቢ ኣኽራን ግና ዝሕል ዝበለ ዅነታት ኣየር

  • መሬት፦ ልዕሊ 75 ሚእታዊት ኣኽራን ዚበዝሖ እዩ። ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ግና፡ ሰጣሕ መሬትን ደሴታትን ኣሎ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ