ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g 5/14 ገጽ 16
  • ጥበብ ትጭድር ኣላ—ትሰምዓዶ ኣለኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጥበብ ትጭድር ኣላ—ትሰምዓዶ ኣለኻ፧
  • ንቕሑ!—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘እቲ ጥበብ ዝረክብ ብጹእ ኢዩ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ናይ ሓቂ ጥበብ ትጭድር ኣላ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ‘ኣየወ፡ መዓሙቝ ጥበብ ኣምላኽ!’
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ነታ “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ኣብ ህይወትካ ትዓይየላዶ ኣለኻ፧
    ንየሆዋ ቕረቦ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2014
g 5/14 ገጽ 16
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፍ ኪህባኣ ኸለዋ

‘ጥበብ ትጭድር ኣላ’ ክትሰምዓ ትኽእልዶ፧

“ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ፧ ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ፧ ኣብ ጫፍ በረኽትን፡ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢላ፡ . . . ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር።” —ምሳሌ 8:1-3።

ጥበብ ብዋጋ እትሽነን ኣይኰነትን። ብጥበብ እንተ ዘይተመሪሕና፡ ብዕሽነት ብዙሕ ጌጋታት ኢና እንፍጽም። ንናይ ሓቂ ጥበብ ግና ካበይ ኢና ኽንረኽባ እንኽእል። እቲ ንመጽሓፍ ምሳሌ ዝጸሓፈ ሰብ፡ ነቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ጥበብ ፈጣሪና ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ እዩ ጽሒፉ። ጥበብ ፈጣሪና መዳርግቲ ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣብቲ ፍሉይ መጽሓፍ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ስለ ዘሎ፡ ዳርጋ ዅሎም ደቂ ሰብ ኪረኽብዎ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ልዕሊ ዅሉ ዝርጋሐ ዝረኸበ መጽሓፍ” ምዃኑ ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ ገሊጹ ኣሎ። ኣስዒቡ እውን፡ “መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ካልእ መጽሓፍ ንላዕሊ ብዙሕ ግዜን ብብዙሕ ቋንቋታትን ተተርጒሙ እዩ” በለ። ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ክፋሉ ብልዕሊ 2,600 ቋንቋ ስለ እተተርጐመ፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ደቂ ሰብ ብቛንቋኦም ኪረኽብዎ ይኽእሉ እዮም።

  • ብዘይካዚ፡ ጥበብ ብምሳልያዊ መገዲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ቃል ብቓሉ እውን ‘ትጭድር ኣላ።’ ማቴዎስ 24:14፡ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ [እዛ ሕጂ ዘላ ዓለም] ኺመጽእ እዩ” ትብል።

እዚ “ብስራት” እዚ፡ ኣምላኽ ንጸገማት ደቂ ሰብ ዚፈትሓሉ ጥበባዊ መገዲ ብመንግስቱ ኣቢሉ ኸም ዝዀነ ስለ ዚሕብር፡ ናይ ሓቂ ጥበብ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዚግበር ምምሕዳር ኣምላኽ እያ እተመልክት። ሽዑ ኣብ ሓንቲ ዓለም፡ ሓንቲ መንግስቲ ጥራይ እያ ኽትህሉ። (ዳንኤል 2:44፣ 7:13, 14) በዚ ኸምዚ ድማ እዩ የሱስ ክርስቶስ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሉ ዝጸለየ።—ማቴዎስ 6:9, 10።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ 239 ሃገራት ይእውጅዋ ኣለዉ፣ ነዚ ዕዮ እዚ ኸኣ፡ ክቡር መሰል ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እወ፡ ጥበብ፡ ማለት መለኮታዊት ጥበብ፡ “ኣብ ኣፍ ደጌታት” እውን ከይተረፈ፡ ትጭድር እያ ዘላ። እሞኸ ትሰምዓዶ ኣለኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ