ንሕሙም ምማቝ: ረኽሲ ይቕንስ
ድሕሪ መጥባሕቲ ዘጋጥም ረኽሲ: ክእለ ዘይተኻእለ ጸገም ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ለንደን እትሕተም ዘ ታይምስ “ንሕሙም ቅድሚ መጥባሕቲ ከም ዝመውቝ ምግባሩ: ነቲ ናይ ምርካስ ኣጋጣሚ ካብ 60 ሚእታዊት ንላዕሊ ይንክዮ” በለት።
ኣብቲ ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ ኖርዝ ቲስ ዝበሃል ናይ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ መጽናዕቲ ዝገበሩ ተመራመርቲ: ናይ ጡብ: ሕበጥ ሰራውር ደም: ወይ ናይ ኤርንያ መጥባሕቲ ንዝገብሩ 400 ሕሙማት ኣብ ሰለስተ ጕጅለታት መቐልዎም። ሓደ ጕጅለ ኸይሞቑ: እቶም ኻልኦት ክልተ ጕጅለ ግን ቅድሚ እቲ መጥባሕቲ እንተ ወሓደ ንፍርቂ ሰዓት ዝኸውን ኣብቲ መጥባሕቲ ዝግበረሎም ከባቢ ወይ ምሉእ ኣካላቶም ከም ዝሞቑ ተገብሩ። ውጽኢቱኸ፧
ድሕሪ መጥባሕቲ 5 ሚእታዊት ካብቶም ከም ዝሞቑ እተገብሩ ሕሙማት ረኽሲ ኸጋጥሞም ከሎ: ካብቶም ዘይሞቑ ግን 14 ሚእታዊት ረኽሲ ኣጋጠሞም። ነቶም ናይ ዳንዱር ወይ ባጡቕ መጥባሕቲ ዝገብሩ ሕሙማት ከም ዝሞቑ ምግባር ረኽሲ ዝቕንስ ምዃኑ ኣቐዲሙ ኸም እተረጋገጸ እውን ከነስተብህለሉ ዝግባእ ኢዩ።