ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g02 8/7 ገጽ 32
  • ትጥምቶም ነበረት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትጥምቶም ነበረት
  • ንቕሑ!—2002
ንቕሑ!—2002
g02 8/7 ገጽ 32

ትጥምቶም ነበረት

ኣብ ኦሃዮ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ንእሽቶ ኸተማ ኽልተ መንእሰያት ቁርሲ ኽበልዑ ናብ ሓደ ቤት ብልዒ ኣተዉ። ከም ልማዶም ቅድሚ ምብልዖም ርእሶም ኣድኒኖም ብልቦም ክጽልዩ ጀመሩ።

ድሕርዚ እታ ሰበይቲ ናብ መኣዶም ቀሪባ ነቲ ክንደይ ከም ዝኸፍሉ ዝሕብር ወረቐት ሕሳብ ኣልዓለቶ እሞ “ኣብዚ ሎሚ ብዛዕባ መንእሰያትና ብዙሕ ሕማቕ ነገራት እንሰምዓሉ ዘሎና ዓለም: ክልተ መንእሰያት ብዛዕባ መግቦም ንኣምላኽ ከመስግኑ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኢዩ። ናይ ቍርስኹም ሕሳብ ኣነ ክኸፍሎ ኢየ” በለቶም።

እቶም ኣወዳት ካብ ምግራም እተላዕለ ፈዚዞም እኳ እንተ ነበሩ ‘ነመስግነኪ’ በልዋ። ጸኒሖም ግን ናብ የሆዋ እምበር ናብ ካልእ ኣምላኽ ይጽልዩ ከም ዘይነበሩ ከይሓበርዋ ኽኸዱ ኣይደለዩን። ስለዚ እቲ ሓደ ናብታ ሰበይቲ ኸይዱ: እንደገና ኣመስገና እሞ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኖም ገለጸላ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ስድራ​ቤቶም ኰይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምጽናዕ ልማድ ኣለዎም። ወለዲ ናይዞም ኣወዳት እዚኣቶም ከምኡ ኢዮም ዝገብሩ ነይሮም። ሓደ ኻብቲ ስድራ​ቤታት ዘጽንዓኦ ጽሑፋት ከኣ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትብል መጽሓፍ ኢያ። ሓንቲ ኻብተን 19 ምዕራፋታ “ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርብ” ዝብል ብዛዕባ ጸሎት ዝዛረብ ኣርእስቲ ሒዛ ኣላ።

ነዛ ኩፖን እዚኣ መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ኻብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ብምልኣኽ: ቅዳሕ ናይዛ 192 ገጻት ዘለዋ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እትሕግዝ መጽሓፍ ንኽስደደልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።

□ ነታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ልኣኹለይ።

በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር

□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ