ዓለምለኻዊ ሓድነት ሕልሚ ጥራይ ኣይኰነን
ኣብ ከራላ: ህንዲ: ዝነብር ሓደ ሰብኣይ ናብ ሓተምቲ እዚ መጽሔት እዚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ንቕሑ! መጽሔትኩም ካብ ካልኦት መጽሔታት ፍልይ ዝበለ ኢዩ። ዘይትንክፎ ጕዳይ ዘሎ ኣይመስለንን። ብፍላይ እቲ ብዛዕባ ተፈጥሮ ዝገልጽ ዓንቀጻት ባህ ኢዩ ዝብለኒ።”
እዚ ሰብኣይ መጽሔት ንቕሑ! ብፍላይ ንምንታይ ከም ዝሰሓቦ ኽገልጽ ከሎ ከምዚ በለ:- “ካብ እተፈላለየ ብሄራት ዝመጹ ሰባት ንሓድሕዶም ከም ኣሕዋት ገይሮም ንኽረኣኣዩ ኣብ ምሕጋዝ ምስ ንቕሑ! ዝዳረግ ካልእ መጽሔት ዘሎ ኣይመስለንን። ከም ንቕሑ! ገይሩ ንዓለምለኻዊ ሓድነት ዘተባብዕ መጽሔት የለን። ምስቲ ዘንበብክዎ እተፈላለየ መጽሔታት ከወዳድሮ ኸለኹ: ኣፈይ መሊአ ንቕሑ! ጠቓሚ መጽሔት ኢዩ ኽብል እኽእል ኢየ።”
እዚ ኣንባቢ ብዛዕባ መጽሔት ንቕሑ! እተዓዘቦ ነገር ምስቲ ኣብ ገጽ 4 ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ዝወጽእ “ኵሉ ግዜ ካብ ፖለቲካ ገለልተኛ ከምኡውን ንሓደ ዓሌት ካብ ካልእ ዓሌት ኣብሊጹ ኣይርእን ኢዩ” ዝብል ዕላማ ናይዚ መጽሔት ዝሰማማዕ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ መጽሔት ንቕሑ! ንኣንበብቱ: መልሲ ናይቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ኣገዳሲ ሕቶታት ካብ ፈጣሪ ኸም ዝርከብ ኢዩ ዝሕብር።
እታ 32 ገጽ ዘለዋ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ ዘርእስታ ብሮሹር እውን እዚ ትምህርቲ እዚ ኢያ እትህብ። ካብ መንጎ እቲ 16 ትምህርትታት “ኣምላኽ መን ኢዩ፧” “ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ ኢዩ፧” ከምኡውን “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧” ዝብል ኣርእስትታት ይርከባ። ነዛ ኩፖን እዚኣ መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ኻብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ብምልኣኽ ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ንኽስደደልካ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ ዘሎ ስእሊ 32]
□ ነታ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧ እትበሃል ብሮሹር ልኣኹለይ።
በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር
□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።