ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/4 ገጽ 32
  • “ንመጽሔታትኩም ሃንቀው ኢየ ዝብሎ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንመጽሔታትኩም ሃንቀው ኢየ ዝብሎ”
  • ንቕሑ!—2001
ንቕሑ!—2001
g01 8/4 ገጽ 32

“ንመጽሔታትኩም ሃንቀው ኢየ ዝብሎ”

ንማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጀርመን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝበጽሓቶም ደብዳበ ገለ ኽፋላ ከምዚ ትብል:-

“ንመጽሔታትኩም ሃንቀው ኢየ ዝብሎ: እዚ ኸኣ ክእመነሉ ዘሎኒ ኢዩ። ዓመት ዓመት ሓደ ዓይነት ነገር ኢዩ ዘጋጥመኒ። ንዕረፍቲ ቕድሚ ምኻደይ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዀይነ ዘንብቦ ክልተ እዋናውያን መጽሔታት ንቕሑ! ምሳይ ከይተማላእኩ ኣይከይድን ኢየ ኢለ እውስን!

“ልክዕ ኣብ ኢደይ ምስ በጽሓ ግን እቲ ግድል ይጅምር። ነቲ ትሕዝቶ ላዕሊ ላዕሊ እርእዮ። ዝምስጥ ታሪኽ ህይወት ኣሎ: ንመጻንሒ ግን እዚኣ ጥራሕ ከንብባ: ናብ ካልእ ኣይሓልፍን ኢየ እብል። እንተዀነ ግን እታ እትቕጽል ኣርእስቲ እውን ብፍላይ እተገድስ ትመስል። ሕጅስ ይኣኽለኒ: እዘን መጽሔታት እዚኣተን ኣብ ግዜ ዕረፍተይ ከድልያኒ ኢየን: ግን ሓንቲ ኣርእስቲ ጥራይ ከንብብ እብል። እቲ “ካብ ከባቢ ዓለም” ዝብል ዓንቀጽ እሞ ኸኣ ኵሉ ግዜ ብዙሕ ትምህርቲ ስለ ዝህብ ከጽንሖ ኣይደልን ኢየ። ካብቲ ዝገርመኩም ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ኽሳዕ ዝበጽሕ ንዅሉ ኣርእስትታት ገለ ከየትረፍኩ ወዲአዮ እጸንሕ።”

ንቕሑ! ኣብ ሓደ ሕታም ጥራይ ብ20,300,000 ቅዳሓትን ብ82 ቋንቋታትን ተሓቲሙ ምውጽኡ ተደላዪ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ። እቲ ኣብቲ መጽሔት ዝንጸባረቕ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንኣንበብቲ የሐጕሶም ኢዩ። እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕታም ዝርከብ “ንቕሑ! ዝሕተመሉ ዕላማ” ዝብል መግለጺ ከምዚ ይብል:- “እዚ መጽሔት እዚ . . . ሰላም ዝመልኣን ውሕስነት ዘለዋን ሓዳስ ዓለም ከምጽእ ምዃኑ ዝገልጽ መብጽዓ ናይ ፈጣሪ ዘሎና እምንቶ የደልድለልና።”

ይኹን እምበር ብዙሓት ሰባት ‘ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ነዊሕ ክጸንሕ ዘፍቀደ፧’ ኢሎም ይሓቱ ኢዮም። እዚ ሕቶ እዚ ኣብታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂዶ ይግደስ ኢዩ፧ እትብል ብሮሹር ተመሊሱ ኣሎ። ነዛ ኩፖን እዚኣ መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ብምልኣኽ ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር ንኽስደደልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]

□ እታ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂዶ ይግደስ ኢዩ፧ እትብሃል ብሮሹር ልኣኹለይ።

በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር

□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ