ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g01 8/1 ገጽ 22
  • ዑፍ ንእሱር እንታይ ክትምህሮ ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዑፍ ንእሱር እንታይ ክትምህሮ ትኽእል፧
  • ንቕሑ!—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ንኣዕዋፍ እሞ ተመልከትወን’
    ንቕሑ!—2014
ንቕሑ!—2001
g01 8/1 ገጽ 22

ዑፍ ንእሱር እንታይ ክትምህሮ ትኽእል፧

ብወኪል ንቕሑ! ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ብመሰረት እታ ኣብ ደርበን: ደቡብ ኣፍሪቃ: እትሕተም ሳንደይ ትሪቡን (እንግሊዝኛ) ኣዕዋፍ ንኣልባብ እሱራት ቤት ማእሰርቲ ፖልስሞር የለስልሳ ኣለዋ። ኣብዚ ሕጂ እዋን 14 ገበነኛታት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኰይኖም ኮከቲል ከምኡውን ላቭበርድ ዝበሃሉ ዓይነት ዑፍ ምዕባይ ኣብ ዘጠቓልል ፕሮግራም ይካፈሉ ኣለዉ።

እዚ ፕሮግራም ብኸመይ ኢዩ ዝዓዪ፧ ነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ፕሮግራም እዚ ዝካፈል እሱር ኣብ ክፍሉ ንግዜኡ ዘገልግል መንቍሒ ይወሃቦ። እቲ እሱር ነታ ጫቚት ንሓሙሽተ ሰሙናት ዝኣክል መዓልትን ለይትን ኣብ ሰሰዓት ወይ ኣብ ከክልተ ሰዓት በእዳዉ ብምምጋብ ይከናኸና። ድሕሪኡ እታ ዑፍ ኣብቲ ክፍሊ ኣብ ዝቕመጥ ጋብያ ትኣቱ። ምስ ዓበየት ንኻልኦት ሰባት ትሽየጥ። ገለ እሱራት ነተን ዘዕበይወን ኣዕዋፍ ኣጸቢቖም ስለ ዝፈትውወን እቲ ዘይተርፍ ናይ ምፍልላይ እዋን ክኣክል ከሎ ይበኽዩ ኢዮም።

ገሊኦም ተረርቲ ዝነበሩ ገበነኛታት መዓልቲ መዓልቲ ምስተን ኣዕዋፎም ምስ ተዛረቡን ንዓኣተን ምስ ተኸናኸንወንን ዓቢ ለውጢ ብምግባር ሕያዎትን ልኡማትን ኰይኖም ኢዮም። ሓደ እሱር “ነተን ኣዕዋፍ እምህረን ኢየ: እንተ​ዀነ ግን ንሳተን እውን ምሂረናኒ ኢየን” በለ። ካልእ እሱር ድማ እተን ኣዕዋፍ ትዕግስትን ርእስኻ⁠-​ምግታእን ከም ዝማሃርኦ ተዛረበ። ሓደ ብስርቂ ገበነኛ ኰይኑ እተፈርደ ንሓንቲ ዑፍ ብምክንኻኑ ወላዲ ምዃን ማለት “ዓቢ ሓላፍነት” ምዃኑ ከም እተገንዘበ ገለጸ፣ እዚ እሱር እዚ ቅድሚ ምእሳሩ ንደቁ ብግቡእ ኣይከናኸኖምን ኢዩ ነይሩ።

እቶም እሱራት ነዘን ኣዕዋፍ እዚአን ብምክንኻኖም ካልእ ጥቕሚ እውን ይረኽቡ ኢዮም። እቲ ነዚ ፕሮግራም ዝጀመሮ ቪከስ ገረስ “ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጹ በቲ ኣብዚ ዘጥርይዎ ክእለት ኣርባሕቲ ኣዕዋፍ ወይ ሓኪም እንስሳ ኰይኖም ስራሕ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ