ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • nwt ራእይ 1:1-22:21
  • ራእይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ራእይ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ራእይ

ራእይ ዮሃንስ

1 እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም+ ኢሉ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ክርስቶስ ዝሃቦ ራእይ።*+ ንሱ ኸኣ መልኣኹ ልኢኹ፡ ንባርያኡ ዮሃንስ ብምልክታት ኣርኣዮ፣+ 2 ንሱ ድማ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ቓልን ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመስከሮ ምስክርን፡ እወ፡ ነቲ ዝረኣዮ ዘበለ ዅሉ መስከረ። 3 እቲ ምዱብ ግዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ንቓል እዚ ትንቢት እዚ ዓው ኢሉ ዜንብቦን እቶም ዚሰምዕዎን ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ እውን ዚሕልውዎን ሕጉሳት እዮም።+

4 ካብ ዮሃንስ፡ ናብተን ኣብ ኣውራጃ እስያ ዘለዋ ሸውዓተ ጉባኤታት፦+

ካብቲ “ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን፡”+ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሸውዓተ መናፍስትን+ ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 5 ካብቲ “እሙን ምስክርን”+ “በዅሪ ምዉታትን”+ “ገዛኢ ነገስታት ምድርን”+ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ እውን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።

ንዕኡ ነቲ ዜፍቅረናን+ ካብ ሓጢኣትና ብደሙ ሓራ ዘውጽኣናን፡+ 6 መንግስቲ፡+ ከምኡ ድማ ንኣምላኹን ንኣቦኡን ካህናት+ ዝገበረና፡ እወ፡ ንዕኡ ኽብርን ሓይልን ንዘለኣለም ይኹኖ። ኣሜን።

7 እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፡+ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ኪርእይዎ እዮም፣ ኵሎም ነገዳት ምድሪ ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም።+ እወ፡ ኣሜን።

8 እቲ “ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን ኵሉ ዚኽእል”+ የሆዋ* ኣምላኽ፡ “ኣልፋን ኦሜጋን* ኣነ እየ”+ ይብል።

9 ኣነ ዮሃንስ ሓውኩም፡ ኣብቲ ምስ የሱስ ብምሕባር+ ዚመጽእ ጸበባን+ መንግስትን+ ተጻዋርነትን+ ከኣ መኻፍልትኹም፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራበይን ብዛዕባ የሱስ ብምምስካረይን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሃል ደሴት ነበርኩ። 10 ብመንፈስ ተመሲጠ፡ ኣብ መዓልቲ ጐይታ ዀንኩ፣ ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ብድሕረይ ከምዚ ዚብል ሰማዕኩ፦ 11 “ነዚ እትርእዮ፡ ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን+ ስሚርናን+ ጴርጋሞስን+ ትያቲራን+ ሳርዴስን+ ፊላደልፍያን+ ሎዲቅያን+ ዘለዋ ሸውዓተ ጉባኤታት ስደዶ።”

12 ነቲ ዚዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ፣ ግልጽ ምስ በልኩ እውን፡ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቂ ረኣኹ።+ 13 ኣብ ማእከል እቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳብ ኣእጋሩ እተኸድነን ኣብ ኣፍ ልቡ ወርቃዊ ዕጣቕ እተዓጥቀን ወዲ ሰብ ዚመስል ረኣኹ።+ 14 ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምርን ከም ውርጭን ነበረ፣ ኣዒንቱ እውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ ነበራ፣+ 15 ኣእጋሩ ኣብ እቶን ከም ዝረሰነ ጽሩይ ነሓሲ+ ይመስላ ነበራ፣ ድምጹ ኸኣ ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት ነበረ። 16 ኣብ የማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ነበሮ፣+ ካብ ኣፉ ድማ ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ ይወጽእ ነበረ፣+ ገጹ እውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ ነበረ።+ 17 ምስ ረኣኽዎ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ።

የማናይ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ከምዚ በለ፦ “ኣይትፍራህ። ኣነ እቲ ቐዳማይን+ እቲ ዳሕራይን+ 18 እቲ ህያውን እየ፣+ ሞይተ ድማ ነይረ፡+ እንሆ ግና፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፣+ መፋትሕ ሞትን መቓብርን* ከኣ ኣሎኒ።+ 19 እምበኣር፡ ነቲ ዝረኣኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዚኸውንን ጽሓፎ። 20 ናይቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝረኣኻዮም ሸውዓተ ኸዋኽብትን ናይቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቅን ቅዱስ ምስጢር እዚ እዩ፦ እቶም ሸውዓተ ኸዋኽብቲ፡ መላእኽቲ እተን ሸውዓተ ጉባኤታት እዮም፣ እቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ፡ ሸውዓተ ጉባኤታት እየን።+

2 “ናብ መልኣኽ+ እታ ኣብ ኤፌሶን+ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሸውዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፡ ኣብ መንጎ እቲ ሸውዓተ ቐዋሚ ቐንዴል ወርቂ እውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል ኣሎ፦+ 2 ‘ግብርኻን ጻዕርኻን ተጻዋርነትካን፡ ነቶም እኩያት እውን ክትጻወሮም ከም ዘይከኣልካ፡ ነቶም “ሃዋርያት ኢና” ዚብሉ፡+ ግናኸ ዘይኰኑ ድማ ፈቲንካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮም እፈልጥ እየ። 3 ትጻወር ከኣ ኣለኻ፣ ምእንቲ ስመይ ኢልካ ድማ ጸኒዕካ ኢኻ፡+ ኣይተሓለልካን እውን።+ 4 ግናኸ፡ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እሞ፡ እዚ ረኺበልካ ኣለኹ።

5 “‘እምበኣር፡ ካበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡+ ነቲ ቐዳማይ ግብርኻ እውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ፡ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሲሕካ እውን፡+ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ቦታኡ ኸልግሶ እየ።+ 6 ነቲ ኣነ እውን ዝጸልኦ ግብሪ ኑፋቐ ኒቆላዎስ+ ትጸልኦ ኢኻ እሞ፡ እዚ ግዳ ጽቡቕ ኣሎካ። 7 እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ፦+ ነቲ ዚስዕር፡+ ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክፈቕደሉ እየ።’+

8 “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ስሚርና ዘላ ጉባኤ እውን ጽሓፍ፦ እቲ ‘ቐዳማይን ዳሕራይን፡’+ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል ኣሎ፦+ 9 ‘ጸበባኻን ድኽነትካን፡—ግናኸ ሃብታም ኢኻ፡+—ጸርፊ እቶም “ኣይሁድ ኢና” ዚብሉን፡—ግናኸ ምኵራብ ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡+—እፈልጥ እየ። 10 ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ።+ እንሆ፡ ኣጸቢቕኩም ምእንቲ ኽትፍተኑ፡ ንዓሰርተ መዓልቲ እውን ጸበባ ምእንቲ ኺረኽበኩምሲ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብየኩም እዩ። ክሳዕ ሞት እኳ እሙን ኩን፣ ኣነ እውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።+ 11 እቲ እዝኒ ዘለዎ፡+ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ፦ እቲ ዚስዕር፡+ በቲ ኻልኣይ ሞት ከቶ ኣይኪጕዳእን እዩ።’+

12 “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ጴርጋሞስ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ ዘለዎ ኸምዚ ይብል ኣሎ፦+ 13 ‘ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ዝፋን ሰይጣን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ እየ። ግናኸ፡ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ ኣለኻ፣+ ብመዓልትታት ኣንቲጳስ እቲ ኣብ ጐድንኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዚነብረሉ እተቐትለ+ እሙን ምስክረይ እኳ፡+ ነታ ኣባይ ዘላትካ እምነት ኣይከሓድካያን።+

14 “‘ግናኸ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መዐንቀፊ ኼንብረሎም ኢሉ፡ ንጣኦታት እተሰውአ ኺበልዑን ኪምንዝሩን*+ ንባላቅ+ ዝመሃሮ ትምህርቲ በላዓም+ ኣጽኒዖም ዝሓዙ ስለ ዘለዉኻ፡ ሒደት ነገራት ረኺበልካ ኣለኹ። 15 ከምኡ ድማ፡ ንትምህርቲ ኑፋቐ ኒቆላዎስ ኣጽኒዖም ዝሓዙ እውን ኣለዉኻ።+ 16 እምበኣር፡ ተነሳሕ። እንተ ዘይኰነስ፡ ቀልጢፈ ኽመጸካ፡ በቲ ነዊሕ ሰይፊ ኣፈይ እውን ክዋግኦም እየ።+

17 “‘እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ፦+ ነቲ ዚስዕር፡+ ገለ ኻብቲ ሕቡእ ማና ኽህቦ እየ፣+ ጻዕዳ ጸጸር እውን ክህቦ እየ፣ እቲ ጸጸር ድማ ብዘይካ እቲ እተቐበሎስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ሓድሽ ስም እተጻሕፎ እዩ።’

18 “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ትያቲራ+ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡+ ኣእጋሩ እውን ጽሩይ ነሓሲ ዚመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፦+ 19 ‘ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ተጻዋርነትካን፡ እቲ ግብርኻ እውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዚበዝሕ እፈልጥ እየ።

20 “‘ግናኸ፡ ነታ “ነብዪት እየ” እናበለትሲ ንባሮተይ ኪምንዝሩን*+ ንጣኦታት እተሰውአ ኺበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡+ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ፡ እዚ ረኺበልካ ኣለኹ። 21 ምእንቲ ኽትንሳሕ ግዜ ሂበያስ፡ ካብ ምንዝርናኣ* ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። 22 እንሆ፡ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፣ እቶም ምስኣ ዚዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነሲሖም፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ። 23 እቲ ውሽጣዊ ሓሳብን* ልብን ዚምርምር፡ ኣነ ምዃነይ ኵለን ጉባኤታት ምእንቲ ኺፈልጣ፡ ንደቃ እውን ብመዓት ክቐትሎም እየ፣ ንነፍሲ ወከፍኩም እውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።+

24 “‘ንዅላትኩም ኣቱም ነዚ ትምህርቲ እዚ ዘይሰዓብኩም፡ ነቲ “መዓሙቝ ሰይጣን”+ ዚብሃል ድማ ዘይፈለጥኩም ኣብ ትያቲራ ዘለኹም ካልኦት ግና፡ ከምዚ እብለኩም ኣለኹ፦ ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ። 25 ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ።+ 26 ነቲ ዚስዕርን ክሳዕ መወዳእታ ግብረይ ዚሕሉን ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ ኣህዛብ ስልጣን ክህቦ እየ፣+ 27 እዚ ድማ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ እዩ። ንሱ እውን እቶም ህዝቢ ኸም ኣቕሑ መሬት ምእንቲ ኺሰባበሩ፡ ብበትሪ ሓጺን+ ኪጓስዮም እዩ። 28 ኰዀብ ጽባሕ እውን ክህቦ እየ።+ 29 እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።’

3 “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ሳርዴስ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን+ ሸውዓተ ኸዋኽብትን ዘለውዎ፡+ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ ‘ህያው ተባሂልካ ትስመ ኣለኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ እሞ፡+ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። 2 ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኸይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡+ ነቶም ኪሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦት እውን ኣበርትዓዮም። 3 እምበኣር፡ ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሓልዎ፡ ተነሳሕ እውን።+ እንተ ዘይነቒሕካስ፡ ከም ሰራቒ ኽመጽእ እየ፣+ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካ እውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ።+

4 “‘ግናኸ፡ ኣብ ሳርዴስ፡ ክዳውንቶም ዘየርከሱ ሒደት ሰባት* ኣለዉኻ፣+ ንሳቶም ብቑዓት ስለ ዝዀኑ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ኪመላለሱ እዮም።+ 5 እቲ ዚስዕር፡+ ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ኪኽደን እዩ፣+ ኣነ እውን፡ ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ከቶ ኣይክድምስሶን እየ፣+ ግናኸ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ንስሙ ኽእመኖ እየ።+ 6 እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።’

7 “ናብ መልኣኽ እታ ኣብ ፊላደልፍያ ዘላ ጉባኤ ጽሓፍ፦ እቲ ቕዱስን+ ናይ ሓቅን*+ መፍትሕ ዳዊት ዘለዎን+ ሓደ እኳ ኸይዓጹ ዚኸፍትን ሓደ እኳ ኸይከፍት ከኣ ዚዓጹን፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፦ 8 ‘ንግብርኻ እፈልጦ እየ። እንሆ፡ ሓደ እኳ ኺዓጽዎ ዘይክእል ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ።+ ሒደት ሓይሊ ኸም ዘሎካን ንቓለይ ከም ዝሓሎኻዮን ንስመይ ከም ዘይከሓድካዮን እውን እፈልጥ እየ። 9 እንሆ፡ ነቶም ካብ ምኵራብ ሰይጣን ዝዀኑ፡ “ኣይሁድ ኢና” ዚብሉ፡ ግናኸ ዚሕስዉ ዘለዉ እምበር ዘይኰኑ፡+ እንሆ፡ ንዓታቶም ከም ዚመጹን ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዚሰግዱን* ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻ ኸም ዚፈልጡን ክገብሮም እየ። 10 ንቓል ተጻዋርነተይ ስለ ዝሓሎኻዮ፡*+ ኣነ እውን ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ብዘላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ።+ 11 ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ።+ ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይወስደልካ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞ።+

12 “‘ነቲ ዚስዕር፡ ኣብታ ቤተ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ፣ ንሱ እውን ካብኣ ኸቶ ኣይኪወጽእን እዩ። ስም ኣምላኸይን+ ስም እታ ኻብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም ዝዀነት ከተማ ኣምላኸይን+ እቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ።+ 13 እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።’

14 “ናብ መልኣኽ ጉባኤ ሎዲቅያ ጽሓፍ፦+ እቲ ኣሜን፡+ እሙንን ናይ ሓቅን*+ ምስክር፡+ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፦+ 15 ‘ዝሑል ወይስ ውዑይ ዘይምዃንካ፡ ንግብርኻ እፈልጦ እየ። ብኻ ዝሑል ወይስ ውዑይ ምዀንካ። 16 ስለዚ፡ ኣይውዑይ+ ኣይዝሑል+ ልቡጥ ስለ ዝዀንካ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። 17 “ሃብታም እየ፡+ ሃብቲመ እየ፡ ገለ እኳ ኣየድልየንን” ስለ ዝበልካ፡ ግናኸ ምግዱርን ዜደንግጽን ድኻን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ 18 ምእንቲ ኽትህብትም፡ ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ፡ ምእንቲ ኽትክደንን ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን፡+ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ኸኣ፡ ንኣዒንትኻ እትኰሓሎ ዅሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣለኹ።+

19 “‘ኣነ ነቶም ዝፈትዎም ዘበሉ እገንሖምን እግስጾምን እየ።+ እምበኣር፡ ቅናእን ተነሳሕን።+ 20 እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ እዅሕኵሕ ኣለኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑ ማዕጾ እንተ ኸፊቱለይ፡ ናብ ቤቱ ኽኣቱ፡ ምስኡ እውን ክድረር እየ፣ ንሱ እውን ምሳይ። 21 ከምቲ ኣነ እውን ዝሰዓርኩን ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩን፡+ ነቲ ዚስዕር፡+ ምሳይ ኣብ ዝፋነይ ኪቕመጥ ክፈቕደሉ እየ።+ 22 እቲ እዝኒ ዘለዎ፡ እቲ መንፈስ ንጉባኤታት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።’”

4 ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ኣፍ ደገ ረኣኹ፣ እቲ ኺዛረበኒ ዝሰማዕክዎ ኸም መለኸት ዝበለ ቐዳማይ ድምጺ፡ “ናብዚ ደይብ እሞ፡ እቲ ኪኸውን ዘለዎ ኸርእየካ እየ” በለኒ። 2 ድሕርዚ፡ ብኡብኡ ብመንፈስ ተመሰጥኩ፦ እንሆ ድማ፡ ዝፋን ኣብ ሰማይ ኣብ ቦታኡ ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋን እውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ።+ 3 እቲ ተቐሚጡ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን+ እምኒ ሰርድዮስን* ይመስል ነበረ፣ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ድማ ስመራግዶስ ዚመስል ቀስተ ደበና ነበረ።+

4 ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ 24 ዝፋን፡ ኣብቲ ዝፋናት እውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ ዝደፍኡ 24 ሽማግለታት ተቐሚጦም ረኣኹ።+ 5 ካብቲ ዝፋን ድማ በርቅታትን+ ደሃያትን ነጐዳታትን+ ይወጽእ ነበረ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሸውዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ፣ እዚኣቶም ድማ እቶም ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።+ 6 ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ከም ባሕሪ መረጼን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዚመስል ነበረ።+

ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ድማ፡ ብቕድሚኦምን ብድሕሪኦምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ነበሩ።+ 7 እቲ ቐዳማይ ህያው ፍጡር ከኣ ኣንበሳ ይመስል ነበረ፣+ እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር ድማ ዝራብዕ ይመስል ነበረ፣+ እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር+ ከኣ ገጽ ሰብ ዚመስል ገጽ ነበሮ፣ እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡር+ እውን ዚነፍር ንስሪ ይመስል ነበረ።+ 8 እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ፡ ነፍሲ ወከፎም ሸሽዱሽተ ኽንፊ ነበሮም፣ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ።+ መዓልትን ለይትን ከየቋረጹ ድማ፡ “እቲ ዝነበረን ዘሎን ዚመጽእን+ ኵሉ ዚኽእል የሆዋ* ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ”+ ይብሉ።

9 እቶም ህያዋን ፍጡራት ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ ህያው ኰይኑ ዚነብር፡ ግርማን ክብርን ምስጋናን ኪህብዎ ኸለዉ፡+ 10 እቶም 24 ሽማግለታት+ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ፍግም ኢሎም፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ሰገዱሉ፣ ከምዚ እናበሉ እውን ኣኽሊላቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደርበዩ፦ 11 “ኦ የሆዋ* ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡+ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን+ ክብርን+ ሓይልን+ ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”

5 ኣብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ድማ፡+ ብውሽጣን ብዝባናን እተጻሕፋ፡ ብሸውዓተ ማሕተም ከኣ እተሓትመት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ረኣኹ። 2 ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ “ነዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ኪቐልዓን ነቲ ማሕተማታ ኺፈትሖን ዚበቅዕ መን እዩ፧” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኺእውጅ ከሎ ረኣኽዎ። 3 ኣብ ሰማይ ኰነ፡ ኣብ ምድሪ ዀነ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እቲኣ ኪቐልዓ ወይስ ኪርእያ ዚኽእል ሓደ እኳ ኣይነበረን። 4 ኣነ ኸኣ፡ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪቐልዓ ወይስ ኪርእያ ዚበቅዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኸኹ። 5 ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ግና፡ “ደጊም ኣይትብከ። እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡+ እቲ ሱር+ ዳዊት፡+ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ኪቐልዓን ነቲ ማሕተማታ ኺፈትሖን ስዒሩ ኣሎ”+ በለኒ።

6 ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግለታትን፡+ ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዚመስል+ ገንሸል*+ ደው ኢሉ ረኣኹ። ንሱ ኸኣ ሸውዓተ ቐርንን ሸውዓተ ዓይንን ኣለዎ፣ እቲ ኣዒንቲ ድማ እቶም ኣብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሸውዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም።+ 7 ንሱ ኸኣ ቀሪቡ፡ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዳ።+ 8 ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዳ ድማ፡ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን እቶም 24 ሽማግለታትን፡+ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን* ዕጣን ዝመልአ ጭሔሎ ወርቅን ሒዞም፡—እቲ ዕጣን ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፡—ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ፍግም በሉ።+ 9 ከምዚ እናበሉ ኸኣ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ፦+ “ንስኻ ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ክትወስዳን ነቲ ማሕተማታ ኽትፈትሖን ብቑዕ ኢኻ፣ ምኽንያቱ፡ ተሓሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኣህዛብን+ ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዓዲግካ ኢኻ፣+ 10 ንኣምላኽና ድማ መንግስትን+ ካህናትን+ ጌርካዮም ኢኻ፣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸኣ ኪነግሱ እዮም።”+

11 ረኣኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ህያዋን ፍጡራትን እቶም ሽማግለታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፣ ቍጽሮም ድማ ኣእላፋት ግዜ ኣእላፋት፡* ኣሽሓት ግዜ ኣሽሓት እዩ።+ 12 ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ “እቲ እተሓርደ ገንሸል፡+ ሓይልን ሃብትን ጥበብን ብርታዐን ክብርን ግርማን በረኸትን ኪቕበል ብቑዕ እዩ” በሉ።+

13 ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን+ ኣብ ባሕርን ዘሎ ዅሉ ፍጡር፡ ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉ እውን፡ “በረኸትን ክብርን+ ግርማን ሓይልን ንዘለኣለመ ኣለም+ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን+ ነቲ ገንሸልን ይኹን”+ ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። 14 እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ድማ፡ “ኣሜን!” በሉ፣ እቶም ሽማግለታት እውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

6 እቲ ገንሸል፡*+ ሓደ ኻብቲ ሸውዓተ ማሕተም ምስ ፈትሐ+ ኸኣ ረኣኹ፣ ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት+ ድማ ከም ደሃይ ነጐዳ ብዝበለ ድምጺ፡ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። 2 ረኣኹ ድማ፡ እንሆ፡ ኣምበላይ* ፈረስ፣+ እቲ እተወጥሖ ኸኣ ቀስቲ ኣለዎ፣ ኣኽሊል እውን ተዋህቦ፣+ እናሰዓረስ ኪስዕር* ድማ ወጸ።+

3 ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ኻልኣይ ህያው ፍጡር፡+ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። 4 ካልእ ሓመር* ፈረስ ድማ ወጸ፣ እቲ እተወጥሖ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኺቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ኼርሕቓ ተፈቕደሉ፣ ዓብዪ ሰይፊ እውን ተዋህቦ።+

5 ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡+ እቲ ሳልሳይ ህያው ፍጡር፡+ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ መጋል* ፈረስ፣ እቲ እተወጥሖ ድማ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። 6 ካብ ማእከል እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከኣ ከም ድምጺ ዚመስል፡ “ሓደ ኮይኒክስ* ስርናይ ብዲናር፡*+ ሰለስተ ኮይኒክስ ስገም ከኣ ብዲናር፣ ዘይቲ ኣውልዕን ወይንን ድማ ኣይትጕዳእ” ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።+

7 ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ ህያው ፍጡር፡+ “ንዓ!” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ። 8 ረኣኹ እውን፡ እንሆ፡ ጨላይ* ፈረስ፣ ስም እቲ እተወጥሖ ድማ ሞት እዩ። መቓብር* እውን ደድሕሪኡ ይስዕቦ ነበረ። ብነዊሕ ሰይፍን ብጥሜትን+ ብመቕዘፍትን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንርብዒ ምድሪ ኪቐትሉ ስልጣን ተዋህቦም።+

9 ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት*+ እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝመስከርዎ ምስክርን እተሓርዱ፡+ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ረኣኹ።+ 10 ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ፡ “ኦ ቕዱስን ናይ ሓቅን+ ልዑላዊ ጐይታ፡ ክሳዕ መዓስ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ክሳዕ መዓስከ ኢኻ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧” እናበሉ ጨርሑ።+ 11 ንነፍሲ ወከፎም ከኣ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፣+ ቍጽሪ እቶም ከማታቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዚመልእ ድማ፡ ቍሩብ ግዜ ኺዓርፉ ተነግሮም።+

12 ነቲ ሻድሻይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ ረኣኹ እሞ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ ጸሓይ ብጸጕሪ* ኸም እተገብረ ማቕ ጸለመት፡ ብዘላ ወርሒ እውን ከም ደም ኰነት።+ 13 ከምቲ ኦም በለስ* ብብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ በለት ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ እተርግፍ፡ ከምኡ ድማ ከዋኽብቲ ሰማይ ናብ ምድሪ ወደቑ። 14 ሰማይ ከኣ ከም ዚጥቕለል ዘሎ መጽሓፍ ኣልገሰ፣+ ኵሎም ኣኽራንን ደሴታትን እውን ካብ በቦታኦም ገዓዙ።+ 15 ሽዑ፡ ነገስታት ምድርን መኳንንትን ኣሕሉቕ ሽሕን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ በዓትታትን ኣብ መንጎ ኣኻውሕ ኣኽራንን ተሓብኡ።+ 16 ንኣኽራንን ንኣኻውሕን ድማ፡ “ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም፡+ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠን+ ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልን ሕብኡና፣+ 17 ከመይሲ፡ እታ ዓባይ መዓልቲ ቝጥዓኦም መጺኣ ኣላ፡+ መንከ እዩ ደው ኪብል ዚኽእል፧” በልዎም።+

7 ድሕርዚ፡ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ወይስ ኣብ ኦም ዘበለ ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ኣጽኒዖም ሒዞምዎም ረኣኹ። 2 ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ድማ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ኪዓርግ ከሎ ረኣኹ፣ ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ኪጐድኡ እተፈቕደሎም ኣርባዕተ መላእኽቲ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸዊዑ፡ 3 “ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሓትሞምሲ፡+ ምድሪ ወይስ ባሕሪ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ” በሎም።+

4 ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፣ ካብ ኵሉ ነገድ ደቂ እስራኤል+ 144,000+ ሕቱማት፦

5 ካብ ነገድ ይሁዳ 12,000 ተሓትሙ፣

ካብ ነገድ ሮቤል 12,000፣

ካብ ነገድ ጋድ 12,000፣

6 ካብ ነገድ ኣሴር 12,000፣

ካብ ነገድ ንፍታሌም 12,000፣

ካብ ነገድ ምናሴ+ 12,000፣

7 ካብ ነገድ ስምኦን 12,000፣

ካብ ነገድ ሌዊ 12,000፣

ካብ ነገድ ይሳኮር 12,000፣

8 ካብ ነገድ ዛብሎን 12,000፣

ካብ ነገድ ዮሴፍ 12,000፣

ካብ ነገድ ብንያም 12,000 ተሓትሙ።

9 ድሕርዚ ረኣኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እተኣከቡ፡+ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ህዝቢ፡ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም+ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን* ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ኣብ ኣእዳዎም ከኣ ጨናፍር ስየ ሒዞም ነበሩ።+ 10 “ድሕነት ካብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽናን+ ካብቲ ገንሸልን እዩ”+ እናበሉ ኸኣ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።

11 ኵሎም እቶም መላእኽቲ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግለታትን+ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን ደው ኢሎም ነበሩ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ብገጾም ተደፊኦም ከኣ ንኣምላኽ ከምዚ እናበሉ ሰገዱ፦ 12 “ኣሜን! ውዳሰን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ሓይልን ብርታዐን ንዘለኣለመ ኣለም ንኣምላኽና ይኹን።+ ኣሜን።”

13 ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ድማ፡ “እዞም ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ+ እንታዎት እዮም፧ ካበይከ እዮም መጺኦም፧” በለኒ። 14 ኣነ እውን፡ “ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ” በልክዎ። ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝወጹ እዮም፣+ ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕድዮምዎ እዮም።+ 15 ስለዚ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፣ ኣብታ ቤተ መቕደሱ እውን መዓልትን ለይትን የገልግልዎ* ኣለዉ፣ እቲ ኣብቲ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ+ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ኪዝርግሖ እዩ።+ 16 ደጊም ኣይኪጠምዩን፡ ኣይኪጸምኡን እውን እዮም፣ ጸሓይ ኣይኪወቕዖምን፡ ሃሩር እውን ኣይኬንድዶምን እዩ፣+ 17 ከመይሲ፡ እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል+ ኪጓስዮምን+ ናብ ዓይኒ ማያት ማይ ህይወት ኪመርሖምን እዩ።+ ኣምላኽ እውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዝ እዩ።”+

8 ነቲ ሻውዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡+ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዚኣክል ስቕታ ዀነ። 2 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ዝበሉ ሸውዓተ መላእኽቲ ድማ ረኣኹ፣+ ሸውዓተ መለኸት እውን ተዋህቦም።

3 ካልእ መልኣኽ እውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፣+ ምስ ጸሎት ኵሎም እቶም ቅዱሳት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ+ ምእንቲ ኬቕርቦ፡ ብዙሕ ዕጣን+ ተዋህቦ። 4 ትኪ እቲ ዕጣን ከኣ ምስ ጸሎት እቶም ቅዱሳት፡ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓረገ።+ 5 እቲ መልኣኽ ድማ ነቲ ጽንሃህ ወሰዶ፣ ካብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መሊኡ ኸኣ፡ ናብ ምድሪ ደርበዮ። ነጐዳታትን ድምጽታትን በርቅታትን+ ምንቅጥቃጥ ምድርን እውን ኰነ። 6 እቶም ሸውዓተ መለኸት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ+ ኸኣ መለኸት ኪነፍሑ ተዳለዉ።

7 እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ደም እተሓወሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪ እውን ተደርበየ፣+ ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋም እውን ነደደ፡ ኵሉ ለምለም ኣትክልቲ ድማ ነደደ።+

8 እቲ ኻልኣይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ከም ዓብዪ ኸረን ዝበለ ኸኣ ብሓዊ እናነደደ ናብ ባሕሪ ተደርበየ።+ ሲሶ ባሕሪ ድማ ደም ኰነ፣+ 9 ሲሶ እቶም ኣብ ባሕሪ ዚነብሩ ህያዋን ፍጡራት* ከኣ ሞቱ፡+ ሲሶ መራኽብ እውን ተሰብራ።

10 እቲ ሳልሳይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፣ ኣብ ሲሶ ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ።+ 11 ስም እቲ ኰዀብ ድማ መሪር ተኽሊ ይብሃል። ሲሶ ማያት ከኣ መረረ፣ መሪር ብምዃኑ እውን፡ ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰባት ሞቱ።+

12 እቲ ራብዓይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ። ሲሶኦም ምእንቲ ኺጽልምትን+ ሲሶ መዓልቲ ምእንቲ ኸይበርህን ለይቲ እውን ከምኡ ምእንቲ ኪኸውንን፡ ሲሶ ጸሓይን+ ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዐ።

13 ረኣኹ ድማ፡ ሓደ ኣብ ማእከል ሰማይ ዚዝምቢ ንስሪ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ “ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት እቶም መለኸቶም ኪነፍሑ እተቐረቡ ሰለስተ መላእኽቲ፡+ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም!”+ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

9 እቲ ሓምሻይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ።+ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝወደቐ ኰዀብ ከኣ ረኣኹ፣ መፍትሕ ጕድጓድ መዓሙቝ+ እውን ተዋህቦ። 2 ነቲ ጕድጓድ መዓሙቝ ድማ ከፈቶ፣ ካብቲ ጕድጓድ ከኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዚመስል ትኪ ዓረገ፣ ብትኪ እቲ ጕድጓድ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ።+ 3 ካብቲ ትኪ ኸኣ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጹ፣+ ከም ስልጣን ዕንቅርቢታት ምድሪ ዝበለ ስልጣን ድማ ተዋህቦም። 4 ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡+ ኣትክልቲ ምድሪ ዀነ፡ ለምለም ዘበለ ዀነ፡ ወይስ ኣእዋም ዘበለ ኸይጐድኡ ተነግሮም።

5 ኪቐትልዎም ዘይኰነስ፡ ንሓሙሽተ ወርሒ ኼሳቕይዎም ከኣ ተፈቕደሎም፣ ስቓዮም ድማ ከምቲ ዕንቅርቢት+ ንሰብ ክትነክስ ከላ ዘሎ ስቓይ እዩ። 6 በተን መዓልትታት እቲአን ከኣ፡ ሰባት ንሞት ኪደልይዎ እሞ ኣይኪረኽብዎን እዮም፣ ሙማት እውን ኪምነዩ እዮም፡ ሞት ግና ካባታቶም ኪሃድም እዩ።

7 ትርኢት እቶም ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስሉ፣+ ኣብ ረርእሶም እውን ኣኽሊላት ወርቂ ዚመስል ነበሮም፣ ገጾም ከኣ ከም ገጽ ሰብ ነበረ፣ 8 ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ ነበሮም። ኣስናኖም ከኣ ከም ኣስናን ኣናብስ ነበረ፣+ 9 ድርዒ ሓጺን ዚመስል ድርዒ ድማ ነበሮም። ደሃይ ኣኽናፎም እውን ከም ደሃይ ናብ ውግእ ብዚጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ ዚስሓብ ሰረገላታት ነበረ።+ 10 ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዚመስል ጭራ ምስ መንደፉ ድማ ነበሮም፣ ንሰባት ሓሙሽተ ወርሒ ኺጐድእዎም ከኣ ኣብ ጭራኦም ስልጣን ነበሮም።+ 11 ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ነበሮም፣ ንሱ ድማ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ።+ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን* እዩ፣ ብግሪኽኛ ኸኣ ኣጶልዮን* እዩ።

12 እቲ ቐዳማይ ወዮ ሓሊፉ። እንሆ፡ ገና ኽልተ ወዮ+ ይመጽእ ኣሎ።

13 እቲ ሻድሻይ መልኣኽ+ መለኸቱ ነፍሐ።+ ካብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ+ ኸኣ ድምጺ ሰማዕኩ፣ 14 ነቲ መለኸት ዘለዎ ሻድሻይ መልኣኽ ድማ፡ “ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም” በሎ።+ 15 እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኸኣ፡ ንሲሶ ሰባት ኪቐትሉ ተፈትሑ።

16 ቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ድማ ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ* እዩ፣ ቍጽሮም ሰማዕኩ። 17 ብራእይ እውን ነቶም ኣፍራስን ነቶም እተወጥሕዎምን ረኣኽዎም፦ ከም ሓዊ ቐይሕን ከም ህያክንቶስ ሰማያውን ከም ዲን ብጫን ዝበለ ድርዒ ነበሮም፣ ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡+ ካብ ኣፎም እውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ ነበረ። 18 በዚ ሰለስተ መዓት እዚ፡ በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን ሲሶ ሰባት ተቐትሉ። 19 ከመይሲ፡ ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ፣ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዚመስል፡ ኣራእስ እውን ኣለዎ፣ ብእኡ ገይሮም ድማ ይጐድኡ።

20 እቶም በዚ መዓታት እዚ ኸይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ግና፡ ካብ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን፣ ንኣጋንንትን ነቶም ኪርእዩን ኪሰምዑን ኪኸዱን ዘይክእሉ ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ነሓስን እምንን ዕንጨይትን ምምላኽ ኣየቋረጹን።+ 21 ካብቲ ዚገብርዎ ቕትለት ኰነ፡ ካብ መናፍስታዊ ተግባራት ኰነ፡ ካብ ምንዝርና* ዀነ፡ ወይስ ካብ ስርቂ እውን ኣይተነስሑን።

10 ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣኹ፣ ንሱ ደበና ተወንዚፉ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስተ ደበና ነበሮ፣ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ ነበረ፣+ ኣእጋሩ እውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ ነበራ፣ 2 ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ እተቐልዐት ንእሽቶ መጽሓፍ ነበረት። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፡ ጸጋመይቲ እግሩ ድማ ኣብ ምድሪ ኣንበረ፣ 3 ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።+ ምስ ጨደረ ድማ፡ ድምጺ እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት+ ተዛረበ።

4 እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ፡ ኣነ ኽጽሕፍ ኢለ ነበርኩ፣ ካብ ሰማይ ግና፡ “ነቲ እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎ ሕተሞ እምበር፡ ኣይትጽሓፎ” ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ።+ 5 እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝረኣኽዎ መልኣኽ ድማ፡ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሓ፡ 6 በቲ ሰማይን ኣብኡ ዘሎን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ባሕርን ኣብኡ ዘሎን ዝፈጠረ+ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እውን ከምዚ ኢሉ መሓለ፦+ “ደጊም ኣይኪድንጕን እዩ። 7 ግናኸ፡ ብመዓልትታት እቲ ሻውዓይ መልኣኽ+ መለኸቱ ዚነፍሓሉ እዋን ኣቢሉ፡+ እቲ ኣምላኽ ንባሮቱ ነብያት+ ከም ብስራት ዘበሰሮም ቅዱስ ምስጢር+ ኪፍጸም እዩ።”

8 እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡+ “ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ እተቐልዐት መጽሓፍ ውሰዳ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረበኒ።+ 9 ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ “ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃበኒ” በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ውሰዳ እሞ ብልዓያ፣+ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፣ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ” በለኒ። 10 ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፣+ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፣+ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ። 11 “ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ብዙሓት ነገስታትን ክትንበ ኣሎካ” ድማ በሉኒ።

11 ዘንጊ* ዚመስል ሻምብቆ+ ኸኣ ተዋህበኒ፣ ከምዚ ድማ በለኒ፦ “ተንስእ እሞ ነታ ቤተ መቕደስ ኣምላኽን ነቲ መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዜምልኹን ዓቅን። 2 እቲ ብወጻኢ ቤተ መቕደስ ዘሎ ኣጸድ ግና ንኣህዛብ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ፡ ኣይትዓቅኖ እውን፣ ነታ ቕድስቲ ኸተማ+ ኸኣ 42 ወርሒ ኺረግጽዋ እዮም።+ 3 ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ ድማ፡ ማቕ ተኸዲኖም፡ 1,260 መዓልቲ ኸም ዚንበዩ ኽገብሮም እየ።” 4 እዚኣቶም በተን ክልተ ኣውልዕን+ በቲ ኽልተ ቐዋሚ ቐንዴልን+ እተመሰሉ እዮም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ኸኣ ቈይሞም ኣለዉ።+

5 ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደልዩ ድማ፡ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኺጐድኦም እንተ ደልዩ ኸኣ፡ ከምኡ ኪቕተል ኣለዎ። 6 እዚኣቶም በተን ዚንበዩለን መዓልትታት፡ ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም+ ንሰማይ ኪዓጽውዎ ስልጣን ኣለዎም፣+ ንማያት ናብ ደም ኪልውጥዎን+ ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ኺወቕዕዋን ስልጣን ኣለዎም።

7 ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቝ ዚወጽእ ኣራዊት ምሳታቶም ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ኪቐትሎምን እዩ።+ 8 ሬሳታቶም ድማ ኣብ ጐደና እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሶዶምን ግብጽን እትብሃል ዓባይ ከተማ ኪኸውን እዩ። 9 ካብ ህዝብታትን ነገዳትን ቋንቋታትን ኣህዛብን ከኣ ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ኪርእይዎ እዮም፣+ ነቲ ሬሳታቶም ኣብ መቓብር ኪንበር ድማ ኣይፈቕዱን እዮም። 10 እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም የሳቕይዎም ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱን ባህ ይብሎምን፡ ንሓድሕዶም ድማ ህያብ ኪለኣኣኹ እዮም።

11 ድሕሪ ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ከኣ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፣+ ንሳቶም ድማ ብኣእጋሮም ቈሙ፡ ነቶም ዝረኣይዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሂ ወደቖም። 12 ካብ ሰማይ ድማ፡ “ናብዚ ደይቡ” ዚብሎም ዓው ዝበለ ድምጺ ሰምዑ። ብደበና ኸኣ ናብ ሰማይ ደየቡ፣ እቶም ጸላእቶም እውን ረኣይዎም።* 13 በታ ሰዓት እቲኣ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማ እውን ወደቐ፣ 7,000 ሰባት ድማ ተቐትሉ፣ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ፈርሁ፡ ንኣምላኽ ሰማይ እውን ክብሪ ሃብዎ።

14 እቲ ኻልኣይ ወዮ+ ሓሊፉ፡ እንሆ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ ኣሎ።

15 እቲ ሻውዓይ መልኣኽ መለኸቱ ነፍሐ።+ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ “መንግስቲ ዓለም ናይ ጐይታናን+ ናይቲ ክርስቶሱን+ ኰይና እያ፣ ንዘለኣለመ ኣለም እውን ኪነግስ እዩ”+ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ።

16 እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም እተቐመጡ 24 ሽማግለታት ከኣ፡+ ብገጾም ተደፊኦም ከምዚ እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱሉ፦ 17 “ኦ ዘለኻን+ ዝነበርካን፡ ኵሉ እትኽእል የሆዋ* ኣምላኽ፡ ነቲ ዓብዪ ሓይልኻ ስለ ዝወሰድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ ኣለና።+ 18 ግናኸ፡ ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻ እውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ ነብያትን+ ቅዱሳትን ስምካ ንዚፈርሁ ንኣሽቱን ዓበይትን ከኣ ዓስቦም እትህበሉ፡+ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ እውን እተጥፍኣሉ ምዱብ ግዜ መጺኡ።”+

19 እታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ድማ ተኸፍተት፣ ታቦት ኪዳኑ ኸኣ ኣብታ ቤተ መቕደሱ ተራእየ።+ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን እውን ኰነ።

12 ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፦ ሰበይቲ፡+ ጸሓይ ተወንዚፋ ነበረት፣ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል 12 ኸዋኽብቲ እውን ኣብ ርእሳ ነበራ፣ 2 ጥንስቲ ድማ ነበረት። ቅልውላው ስለ ዝሓዛ ኸኣ፡ ክትወልድ ኢላ ኽትጸዓርን ክትቅንዞን ከላ ትጭርሕ ነበረት።

3 ካልእ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ። እንሆ፡ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱ እውን ሸውዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፣+ 4 ጭራኡ ኸኣ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሓበ፡+ ናብ ምድሪ እውን ደርበዮም።+ እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።+

5 ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን+ ዚጓስዮም ወዲ፡+ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንዝዐ። 6 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ናብቲ 1,260 መዓልቲ ዚምግብዋ፡ ናብ በረኻ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ሃደመት።+

7 ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፦ ሚካኤልን*+ መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ፣ እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም፣ 8 ግናኸ፡ ኣይሰዓሩን፣* ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ቦታ ኣይተረኽበሎምን። 9 እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ+ ድያብሎስን+ ሰይጣንን+ ዚብሃል ዓብዪ ገበል፡+ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን+ ተደርበየ፣ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡+ መላእኽቱ እውን ምስኡ ተደርበዩ። 10 ኣብ ሰማይ ከኣ ከምዚ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ፦

“እቲ መዓልትን ለይትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና ዚኸስሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና+ ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ድሕነትን+ ሓይልን መንግስትን ናይ ኣምላኽና፡+ ስልጣን ከኣ ናይ ክርስቶሱ ዀይኑ እዩ! 11 ሳላ ደም እቲ ገንሸልን*+ ሳላ ቓል ምስክሮምን+ ድማ ስዒሮምዎ እዮም፣+ ኣብ ቅድሚ ሞት እኳ፡ ንነፍሶም* ኣየፍቀርዋን።+ 12 ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያትን ኣባታቶም እትነብሩን፡ ተሓጐሱ! ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡+ ድያብሎስ ሓጺር እዋን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም።”+

13 እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ ምስ ረኣየ፡+ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ+ ሰጐጓ። 14 ነታ ሰበይቲ ግና፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ+ ግዜን ግዜያትን ፍርቂ ግዜን*+ ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ቦታኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ።+

15 እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ደድሕሪ እታ ሰበይቲ ኸም ውሒዝ ዝበለ ማይ ካብ ኣፉ ተፍአ። 16 ምድሪ ግና ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፣ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዝተፍኦ ውሒዝ ወሓጠቶ። 17 እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ፣ ምስቶም ትእዛዛት ኣምላኽ ዚሕልዉን ብዛዕባ የሱስ ዚምስክሩን+ ዝተረፉ ዘርኣ+ ኺዋጋእ ድማ ከደ።

13 ኣብ ሑጻ ባሕሪ እውን ደው በለ።*

ዓሰርተ ቐርንን ሸውዓተ ርእስን፡ ኣብ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብ ኣራእሱ እውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት+ ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ረኣኹ።+ 2 እቲ ዝረኣኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ ይመስል፡ ኣእጋሩ ግና ከም ናይ ድቢ፡ ኣፉ እውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል+ ድማ ነቲ ኣራዊት ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሃቦ።+

3 ሓደ ኻብቶም ኣራእሱ ኸኣ ናብ ሞት ዜብጽሕ ቍስሊ ነበሮ፣ እቲ ናብ ሞት ዜብጽሕ ቍስሉ ግና ሓወየ፣+ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት። 4 ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ ኸኣ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፣ ነቲ ኣራዊት እውን፡ “ነዚ ኣራዊት እዚ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧” እናበሉ ሰገዱሉ። 5 ዓብዪ ነገራትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፣ ብ42 ወርሒ ኺገብር እውን ስልጣን ተዋህቦ።+ 6 ንኣምላኽ ኪጸርፍ፡+ ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ+ እውን ኪጸርፍ ኣፉ ኸፈተ። 7 ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተፈቕደሉ፣+ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገድን ህዝብን ቋንቋን ኣህዛብን ድማ ስልጣን ተዋህቦ። 8 ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኸኣ ኪሰግዱሉ እዮም። ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ፡ ናይ ሓዲኦም ስም እኳ ኣብታ ናይቲ እተሓርደ ገንሸል*+ ዝዀነት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት ኣይተጻሕፈን።+

9 እዝኒ ዘለዎ እንተሎ፡ ይስማዕ።+ 10 ዚማረኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ኪኸይድ እዩ። ብሰይፊ ዚቐትል* እንተሎ፡ ብሰይፊ ኪቕተል ኣለዎ።+ ተጻዋርነትን+ እምነትን+ እቶም ቅዱሳት+ ኣብዚ እዩ።

11 ካልእ ኣራዊት እውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ረኣኹ፣ ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒ እውን ነበሮ፣ ግናኸ፡ ከም ገበል ይዛረብ ነበረ።+ 12 ብዅሉ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት+ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ዀይኑ ይገብር። ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከኣ ነቲ ናብ ሞት ዜብጽሕ ቍስሉ ዝሓወየሉ+ ቐዳማይ ኣራዊት ከም ዚሰግዱሉ ይገብር። 13 ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርትታት ይገብር።

14 ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ድማ፡ ነቲ ብሰይፊ እተወቕዐ፡ ግናኸ ዝሓወየ ኣራዊት፡+ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡+ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተፈቕደሉ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም። 15 ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን ንዅሎም እቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰግዱ ዘበሉ ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ፡ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ* ኪህብ ተፈቕደሉ።

16 ንዅሎም ድማ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሃብታማትን ንድኻታትን፡ ንጭዋታትን ንባሮትን፡ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ምልክት ኪቕበሉ ገደዶም፣+ 17 እቲ ምልክት፡—ስም+ እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ፡+—ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ ድማ፡ ሓደ እኳ ኺዕድግ ወይ ኪሸይጥ ከም ዘይክእል ይገብር። 18 ጥበብ ኣብዚ እያ፦ ቍጽሪ እቲ ኣራዊት፡ ቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ልቦና ዘለዎ ይጸብጽቦ፣ ቍጽሩ ኸኣ 666 እዩ።+

14 እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል*+ ኣብ ከረን ጽዮን+ ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን+ ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም 144,000+ እውን ምስኡ ረኣኹ። 2 ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ደሃይ ካብ ሰማይ ሰማዕኩ፣ እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ መሰንቆታቶም* ከም ዚጻወቱ ደሃይ ሰብ መሰንቆ ነበረ። 3 ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን+ ሽማግለታትን+ ሓድሽ መዝሙር ዚመስል ዘመሩ፣+ ነቲ መዝሙር እቲ እውን፡ ብዘይካ እቶም ካብ ምድሪ እተዓደጉ 144,000፡+ ሓደ እኳ ኺመልኮ ኣይከኣለን። 4 እዚኣቶም ምስ ኣንስቲ ዘይረኸሱ እዮም፡ ደናግል እውን እዮም።+ ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ዚስዕብዎ እዮም።+ ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት+ ኪዀኑ ድማ፡ ካብ ሰብ እተዓደጉ እዮም፣+ 5 ኣብ ኣፎም ከኣ ምትላል ኣይተረኽበን፣ ብዘይ ኣበር እውን እዮም።+

6 ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኬበስሮም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ብስራት ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ረኣኹ።+ 7 ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ “እታ ዚፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ፡+ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ክብሪ እውን ሃብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ+ ኣምልኽዎ” በለ።

8 ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ “እታ ኻብ ወይኒ ፍትወት* ምንዝርናኣ* ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም+ ዓባይ ባቢሎን+ ወዲቓ፡ ወዲቓ!”+ እናበለ ሰዓቦ።

9 ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸምዚ እናበለ ሰዓቦም፦ “ሓደ እኳ ነቲ ኣራዊት+ እትን ንምስሉን እንተ ሰጊዱ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱ እውን ምልክት እንተ ተቐቢሉ፡+ 10 ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይ ሕዋስ እተቐድሐ ወይኒ ቝጥዓ ኣምላኽ እውን ኪሰቲ እዩ፣+ ኣብ ቅድሚ ቕዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን+ ኪሳቐ እዩ። 11 ትኪ ስቓዮም ድማ ንዘለኣለመ ኣለም ይዓርግ፣+ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዚሰግዱ፡ እቶም ምልክት ስሙ ኸኣ እተቐበሉ ዘበሉ፡ መዓልትን ለይትን ዕረፍቲ የብሎምን።+ 12 እቶም ትእዛዛት ኣምላኽን እምነት የሱስን ዚሕልዉ ቕዱሳት ከኣ፡+ ተጻዋርነቶም ኣብዚ እዩ።”+

13 ካብ ሰማይ ድማ፡ “ጽሓፍ፦ እቶም ካብ ሕጂ ንደሓር ምስ ጐይታ ሓድነት ኣልይዎም ዚሞቱ ምዉታት ሕጉሳት እዮም።+ እወ፡ ግብሮም እግሪ እግሮም ኪስዕቦም* እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ኪዓርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ” ዚብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።

14 እንሆ ድማ፡ ጻዕዳ ደበና፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱ እውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዚመስል+ ከኣ ኣብቲ ደበና ተቐሚጡ ረኣኹ።

15 ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ፡ ነቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ፡ “ፍረ ምድሪ ስለ ዝበጽሐ፡ ግዜ ዓጺድ ኣኺሉ ኣሎ እሞ፡ ማዕጺድካ ሰዲድካ ዕጸድ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዖ።+ 16 እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ሰደደ፡ ምድሪ እውን ተዓጽደት።

17 ካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ ቤተ መቕደስ ወጸ፣ ንሱ እውን በሊሕ ማዕጺድ ነበሮ።

18 ካልእ መልኣኽ ድማ ካብቲ መሰውኢ ወጸ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ነበሮ። ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሓዘ ድማ፡ “እቲ ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ፡ ነቲ ዘለላታት ወይኒ ምድሪ ኣክቦ” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዖ።+ 19 እቲ መልኣኽ ከኣ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ሰዲዱ፡ ነቲ ወይኒ ምድሪ ኣከቦ፡ ናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ወይኒ ቝጥዓ ኣምላኽ እውን ደርበዮ።+ 20 እቲ መጽመቝ ወይኒ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ፣ ካብቲ መጽመቝ ወይኒ ኸኣ 1,600 ስታድያ* ዚኣክል፡ ክሳብ ልጓማት ኣፍራስ ዚበጽሕ ደም ወጸ።

15 ኣብ ሰማይ ድማ ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ፡ ሸውዓተ መዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ረኣኹ።+ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብእኡ ኺፍጸም እዩ እሞ፡ እዚ እቲ ዳሕረዋይ እዩ።+

2 ምስ ሓዊ እተሓወሰ ኸም መረጼን ዚመስል ባሕሪ ኸኣ ረኣኹ፣+ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን+ ነቲ ቝጽሪ ስሙን+ ዝሰዓሩ፡+ መሰንቆታት* ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብ ጥቓ እቲ ባሕሪ መረጼን ደው ኢሎም ረኣኹ። 3 መዝሙር ሙሴ+ እቲ ባርያ ኣምላኽን መዝሙር እቲ ገንሸልን*+ ከምዚ እናበሉ ዘመሩ፦

“ኣታ ዅሉ እትኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ።+ ኣታ ንጉስ ዘለኣለም፡+ መገድታትካ ቕኑዕን ሓቅን እዩ።+ 4 ኦ የሆዋ፡* ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ እሞ፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን እዩ፧+ ቅኑዕ ትእዛዛትካ ተጋሂዱ እዩ እሞ፡ ኵሎም ኣህዛብ ኪመጹን ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱን እዮም።”+

5 ድሕርዚ ድማ ረኣኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር+ ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት፣+ 6 እቶም ሸውዓተ መዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፡+ ጽሩይ ብሩህ በፍታ ተኸዲኖም፡ ዕጣቕ ወርቂ ድማ ኣብ ኣፍ ልቦም ተዓጢቖም ካብታ መቕደስ ወጹ። 7 ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራት ከኣ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፡ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር ኣምላኽ ዝመልአ ሸውዓተ ጭሔሎ ወርቂ ሃቦም።+ 8 እታ መቕደስ ድማ ካብ ክብርን ሓይልን ኣምላኽ እተላዕለ ብትኪ መልአት፣+ እቲ ናይቶም ሸውዓተ መላእኽቲ ሸውዓተ መዓት+ ክሳዕ ዚውዳእ ከኣ፡ ሓደ እኳ ናብታ መቕደስ ኪኣቱ ኣይከኣለን።

16 ካብታ መቕደስ+ ከኣ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፡ “ኪዱ እሞ ነቲ ሸውዓተ ጭሔሎ ቝጥዓ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ”+ ዚብሎም ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ።

2 እቲ ቐዳማይ ከይዱ፡ ጭሔሎኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ።+ ነቶም ምልክት እቲ ኣራዊት ዘለዎምን+ ንምስሉ ዝሰገዱን+ ሰባት ክፉእን ብርቱዕን ቍስሊ ወጾም።+

3 እቲ ኻልኣይ ድማ ጭሔሎኡ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ።+ እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ፣+ ኣብቲ ባሕሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ፍጡር* እውን ሞተ።+

4 እቲ ሳልሳይ ድማ ጭሔሎኡ ናብ ኣፍላግን ዓይኒ ማያትን ኣፍሰሰ።+ ንሱ ኸኣ ደም ኰነ።+ 5 እቲ መልኣኽ ማያት ድማ ከምዚ ኺብል ከሎ ሰማዕኩ፦ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን+ እሙን፡+ እዚ ፈሪድካ ኢኻ እሞ፡ ጻድቕ ኢኻ፣+ 6 ምኽንያቱ፡ ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም፣+ ንስኻ ኸኣ ኪሰትዩ ደም ሂብካዮም ኢኻ።+ ይግብኦም እዩ።”+ 7 እቲ መሰውኢ ድማ፡ “እወ፡ ኣታ ዅሉ እትኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽ፡ ፍርድታትካ ሓቅን ቅኑዕን እዩ” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ።+

8 እቲ ራብዓይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፣+ ንጸሓይ እውን ንሰብ ብሓዊ ኸተሕርር ተፈቕደላ። 9 እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ሓረሩ፣ ግናኸ፡ ንስም እቲ ኣብዚ መዓታት እዚ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ጸረፍዎ እምበር፡ ኣይተነስሑን፡ ክብሪ እውን ኣይሃብዎን።

10 እቲ ሓምሻይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። መንግስቱ ኸኣ ጸልመተት፣+ ብሰሪ ስቓዮም እውን ልሳኖም ሓየኹ፣ 11 ብሰሪ እቲ ስቓዮምን ኣቝሳሎምን ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮም እውን ኣይተነስሑን።

12 እቲ ሻድሻይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ፣+ ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም ከኣ፡+ እቲ ማዩ ነጸፈ።+

13 ካብ ኣፍ እቲ ገበልን+ ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ናይ ሓሶት ነብይን ድማ ቍርዖብ ዚመስሉ ብድራኸ መንፈስ ዚዝረቡ ሰለስተ ርኹሳት ዘረባታት* ኪወጹ ኸለዉ ረኣኹ። 14 እዚኣቶም ከኣ ብድራኸ ኣጋንንቲ ዚዝረቡ ዘረባታት እዮም፣ ትእምርትታት እውን ይገብሩ እዮም፣+ ናብ ውግእ+ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪእክብዎም ድማ፡+ ናብ ነገስታት ብዘላ ዓለም ይወጹ።

15 “እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣለኹ።+ ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ፡ ንሕፍረቱ እውን ከይርእይዎ፡+ እቲ ዚነቅሕን+ ክዳውንቱ ዚሕሉን ሕጉስ እዩ።”

16 ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን* ዚብሃል ቦታ ኣከብዎም።+

17 እቲ ሻውዓይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ፡+ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ “ኰይኑ!” ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ወጸ። 18 በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን እውን ኰነ፣ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚኸውን ኣትሒዙ ኸቶ ዘይኰነ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣+ እወ፡ ኣዝዩ ሓያልን ብርቱዕን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። 19 እታ ዓባይ ከተማ+ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተጨድደት፡ ከተማታት ኣህዛብ እውን ወደቓ፣ ዓባይ ባቢሎን+ ድማ ጽዋእ ወይኒ ነድሪ ቝጥዓኡ ኺህባስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት።+ 20 ደሴት ዘበለት ከኣ ሃደመት፣ ኣኽራን እውን ኣይተረኽቡን።+ 21 ሽዑ፡ ኣስታት ሓሓደ ታለንት* ዝምኽባዱ ዓበይቲ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰባት ወረደ፣+ እቲ መዓት ኣዝዩ ዓብዪ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰባት ብሰሪ እቲ መዓት በረድ+ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።

17 ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ጭሔሎ ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ+ ኸኣ መጺኡ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት እትቕመጥ ዓባይ ኣመንዝራ+ ኸርእየካስ፡ ንዓ። 2 ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡*+ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እውን ብወይኒ ምንዝርናኣ* ሰኺሮም እዮም።”+

3 ብሓይሊ መንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐይሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ረኣኹ። 4 እታ ሰበይቲ ኸኣ ጁዅን+ ቀይሕን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ብሉልን ተሰሊማ ነበረት፣+ ጽያፍን ርኽሰት ምንዝርናኣን* ዝመልአ ጽዋእ ወርቂ ድማ ኣብ ኢዳ ነበራ። 5 ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር ዝዀነ፡ “ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝርን+ ኣደ ጽያፍ ምድርን” ዚብል ስም ተጻሒፉ ነበረ።+ 6 እታ ሰበይቲ ብደም ቅዱሳትን ብደም መሰኻኽር የሱስን ሰኺራ ድማ ረኣኽዋ።+

ምስ ረኣኽዋ ኸኣ፡ ኣዝየ ተገረምኩ። 7 እቲ መልኣኽ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ስለምንታይ ተገሪምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን+ ምስጢር እቲ ጾይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፦+ 8 እቲ ዝረኣኻዮ ኣራዊት ዝነበረ እዩ፡ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ+ ድማ ኪወጽእ፡ ናብ ጥፍኣት እውን ኪኸይድ እዩ። እቶም ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ስሞም ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት+ ዘይተጻሕፈ ነበርቲ ምድሪ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚህሉን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም።

9 “ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ* ኣብዚ እዩ ዜድሊ፦ እቲ ሸውዓተ ርእሲ፡+ እታ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ እተቐመጠቶ ሸውዓተ ኣኽራን እዩ። 10 ሸውዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፦ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፣ ምስ መጸ ድማ፡ ቍሩብ ኪጸንሕ ይግብኦ እዩ። 11 እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡+ ንሱ ድማ ሻምናዮም እዩ፣ ካብቶም ሸውዓተ ኸኣ እዩ ዚወጽእ፡ ናብ ጥፍኣት እውን ይኸይድ።

12 “እቶም ዝረኣኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ፡ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም፣ ግናኸ፡ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ስልጣን ይቕበሉ እዮም። 13 እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፣ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ይህብዎ እዮም። 14 እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል*+ ኪዋግኡ እዮም፣ እቲ ገንሸል ግና ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን ስለ ዝዀነ፡+ ኪስዕሮም እዩ።+ እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን እውን ኪስዕሩ እዮም።”+

15 ከምዚ ድማ በለኒ፦ “እቲ እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝረኣኻዮ ማያትሲ፡ ህዝብታትን ብዙሕ ሰብን ኣህዛብን ቋንቋታትን እዮም።+ 16 እቶም ዝረኣኻዮም ዓሰርተ ቐርንን+ እቲ ኣራዊትን+ ከኣ ነታ ኣመንዝራ+ ኺጸልእዋን ኬጥፍእዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊ ኺህምኽዋን እዮም።+ 17 ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩ፡+ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ብምሃብ፡+ ሓደ ሓሳብ ኪዀኑ፡ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ። 18 እታ ዝረኣኻያ ሰበይቲ ድማ፡+ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።”

18 ድሕርዚ፡ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣኹ፣ ብኽብሩ እውን ምድሪ በርሀት። 2 ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ ጨደረ፦ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ!+ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን* ሰፈር ርኹስን ጽሉእን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይና!+ 3 ኵሎም ኣህዛብ ኣደዳ ወይኒ ፍትወት* ምንዝርናኣ* ዀይኖም፡+ ነገስታት ምድሪ ኸኣ ምስኣ መንዚሮም፡+ ነጋዶ* ምድሪ እውን ብሓይሊ ሕንቃቐኣ ሃብቲሞም።”

4 ካብ ሰማይ ከኣ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፦ “ኣቱም ህዝበይ፡ ኣብቲ ሓጢኣታ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታ እውን ከይትካፈሉስ፡+ ካብኣ ውጹ።+ 5 ከመይሲ፡ ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡+ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ።+ 6 ከምቲ ዝፈደየቶ ፍደይዋ፡+ ከምቲ ግብራ እውን ዕጽፊ ምለሱላ፣+ በቲ ሓዋዊሳ ዘዳለወትሉ ጽዋእ፡+ ዕጽፊ ጌርኩም ሓዋዊስኩም ኣዳልዉላ።+ 7 ብልባ፡ ‘ንግስቲ ዀይነ ተቐሚጠ እየ፡ መበለት ኣይኰንኩን፡ ሓዘን እውን ከቶ ኣይክርእን እየ’ ትብል እያ እሞ፡ ብመጠን እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሓንቀቐትን ጌርኩም፡ ስቓይን ሓዘንን ሃብዋ።+ 8 ስለዚ፡ እቲ ዝፈረዳ የሆዋ* ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡+ መዓታ፡ ማለት ሞትን ሓዘንን ጥሜትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኺመጻ እዩ፣ ብሓዊ እውን ክትህመዅ እያ።+

9 “እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን* ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረኣዩ፡ ኪበኽዩላን ደረቶም ኪወቕዑላን እዮም። 10 ብሰሪ ፍርሂ ስቓያ፡ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ‘ኣቲ ዓባይ ከተማ፡+ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፡ ፍርድኺ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡ እዩ እሞ፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ!’ ኺብሉ እዮም።

11 “እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ፡ ደጊም ምሉእ ጽዕነቶም ዚዕድገሎም የልቦን እሞ፡ ይበኽዩላን ይሓዝኑላን ኣለዉ፣ 12 ምሉእ ጽዕነቶም ከኣ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ቅጭን በፍታን ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳንን ሃርን ቀይሕ ክዳንን ምዑዝ ሽታ ብዘለዎ ዕንጨይቲ እተገብረ ዘበለን ብስኒ ሓርማዝን ብኽቡር ዕንጨይትን ብነሓስን ብሓጺንን ብእምነ በረድን እተገብረ ዘበለ ኣቕሓን 13 ቃርፋን ሄልን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ጻዕዳ ዕጣንን ወይንን ዘይቲ ኣውልዕን ድኹም ሓርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ህይወት* ሰብን እዩ። 14 እወ፡ እቲ እተመነኽዮ* ብሱል ፍረ ኻባኺ ሓሊፉ፡ ጥዑምን ውቁብን ዘበለ ኸኣ ካባኺ ጠፊኡ፡ ደጊም እውን ኣይኪርከብን እዩ።

15 “እቶም እዚ እናነገዱ ብእኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ፡ ብሰሪ ፍርሂ ስቓያ፡ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም ከምዚ እናበሉ ኺበኽዩላን ኪሓዝኑላን እዮም፦ 16 ‘እታ ቕጭን በፍታን ጁዅን ቀይሕን እተኸድነት፡ ስልማት ወርቅን ክቡር እምንን ሉልን ብብዝሒ እተሰለመት ዓባይ ከተማ፡+ ወይለኣ፡ ወይለኣ! 17 ከመይሲ፡ ክንድዚ ዚኣክል ሃብቲ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ።’

“ኵሎም ኣዘዝቲ መራኽብን ብባሕሪ ዚጕዓዙ ዅሎምን ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዚዓይዩ ዘበሉ ዅሎምን ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ 18 ነቲ ትኪ ምንዳዳ እናረኣዩ፡ ‘ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣ እትመስላ ኸተማ ኣየነይቲ እያ፧’ ኢሎም ጨርሑ። 19 ኣብ ርእሶም ከኣ ሓመድ ነስነሱ፣ እናበኸዩን እናሓዘኑን ከኣ፡ ‘እታ ዅሎም እቶም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ዘለዋኦም ብሃብታ ዝሃብተሙላ ዓባይ ከተማ፡ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኣ እያ እሞ፡ ወይለኣ፡ ወይለኣ!’ ኢሎም ጨርሑ።+

20 “ኣታ ሰማይ፡+ ብእኣ ተሓጐስ፣ ኣቱም ቅዱሳትን+ ሃዋርያትን ነብያትን እውን፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኣ ፍርዱ ፈሪዱልኩም እዩ እሞ፡ ተሓጐሱ!”+

21 ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ከም ዓብዪ መጥሓን ዚመስል እምኒ ኣልዒሉ ኸምዚ እናበለ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፦ “ባቢሎን እታ ዓባይ ከተማ ኸምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ።+ 22 ደሃይ ሰብ መሰንቆን* ሙዚቀኛታትን ነፋሕቲ ሻምብቆን ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ኢደ ጥበብ ዘበለ ዚዓዪ ኢደ ጥበበኛ ኸኣ ደጊም ኣባኺ ኸቶ ኣይኪርከብን፡ ደጊም እውን ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ኸቶ ኣይኪስማዕን እዩ። 23 ደጊም ኣባኺ ብርሃን መብራህቲ ኸቶ ኣይኪበርህን እዩ፣ ደጊም እውን ኣባኺ ድምጺ መርዓውን ድምጺ መርዓትን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። ከመይሲ፡ ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ እዮም ነይሮም፡ ብመናፍስታዊ ተግባራትኪ+ ድማ ኵሎም ኣህዛብ ስሒቶም እዮም። 24 እወ፡ ደም ነብያትን ደም ቅዱሳትን+ ደም እቶም ኣብ ምድሪ እተሓርዱ ዘበሉ ዅሎምን ኣብኣ ተረኺቡ እዩ።”+

19 ድሕርዚ፡ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሓት ህዝቢ ዝኣመሰለ ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “ንያህ ወድስዎ!*+ ድሕነትን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፣ 2 ከመይሲ፡ ፍርዱ ሓቅን ቅኑዕን እዩ፣+ ኣብታ ብምንዝርናኣ* ንምድሪ ዘበላሸወት ዓባይ ኣመንዝራ ድማ ፍርዱ ፈጺሙ እዩ፣ ንደም ባሮቱ እውን ካብ ኢዳ ፈድዩ እዩ።”+ 3 ካልኣይ ሳዕ ድማ፡ “ንያህ ወድስዎ!*+ ትካ እውን ንዘለኣለመ ኣለም ይዓርግ እዩ” በሉ።+

4 እቶም 24 ሽማግለታትን+ እቶም ኣርባዕተ ህያዋን ፍጡራትን+ ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኣምላኽ፡ “ኣሜን! ንያህ ወድስዎ!”*+ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።

5 ካብቲ ዝፋን እውን፡ “ኣቱም እትፈርህዎ ንኣሽቱን ዓበይትን ኵልኹም ባሮቱ፡+ ንኣምላኽና ወድስዎ”+ ዚብል ድምጺ ወጸ።

6 ከም ድምጺ ብዙሓት ህዝብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ድማ ሰማዕኩ። ከምዚ ኸኣ በሉ፦ “እቲ ዅሉ ዚኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡+ ንያህ ወድስዎ!*+ 7 መርዓ እቲ ገንሸል* በጺሑ፡ ሰበይቱ እውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሓጐስ፡ ባህ እውን ይበለና፡ ንዕኡ ድማ ክብሪ ንሃቦ። 8 እወ፡ ብሩህን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ኽትክደን ተዋሂብዋ ኣሎ፣ እቲ ቕጭን በፍታ ኸኣ ንጽድቂ እቶም ቅዱሳት የመልክት።”+

9 ንሱ ድማ፡ “ጽሓፍ፦ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዓደሙ ሕጉሳት እዮም”+ በለኒ። “እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ” እውን በለኒ። 10 ኣነ ኸኣ ክሰግደሉ ኢለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ግና፡ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ!+ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ብዛዕባ የሱስ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎም ኣሕዋትካን ባርያ እየ።+ ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ።+ ከመይሲ፡ ትንቢት ዚንገር፡ ብዛዕባ የሱስ ንምምስካር እዩ”+ በለኒ።

11 ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ረኣኹ፣ እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ* ፈረስ።+ እቲ እተወጥሖ ኸኣ እሙንን+ ናይ ሓቅን*+ ይብሃል፣ ብጽድቂ እውን እዩ ዚፈርድን ዚዋጋእን።+ 12 ኣዒንቱ ሃልሃልታ ሓዊ እየን፣+ ኣብ ርእሱ እውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ። ብዘይካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ ኣለዎ፣ 13 ብደም እተዓለሰ* ኽዳን ተኸዲኑ ነበረ፣ ስሙ እውን ቃል+ ኣምላኽ ይብሃል። 14 ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ቅጭን በፍታ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሎት ኣፍራስ ተወጢሖም ሰዓብዎ። 15 ካብ ኣፉ ድማ ንኣህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ነዊሕ ሰይፊ+ ይወጽእ፣ ንሱ ኸኣ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ።+ ነቲ ናይቲ ነድሪ ቝጥዓ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ መጽመቝ ወይኒ ድማ ይረግጾ።+ 16 ኣብ ክዳኑን ኣብ ሰለፉን ከኣ፡ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይተትን ዚብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ።+

17 ሓደ መልኣኽ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ኸኣ ረኣኹ፣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ድማ ኣብ ማእከል ሰማይ ንዚነፍራ ዅለን ኣዕዋፍ ከምዚ ኢሉ ጨደረለን፦ “ንዕነ፡ ናብቲ ዓብዪ ድራር ኣምላኽ ተኣከባ፣+ 18 ስጋ ነገስታትን ስጋ ኣሕሉቕ ሽሕን ስጋ ሓያላትን+ ስጋ ኣፍራስን ስጋ እቶም እተወጥሕዎምን፡+ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ንኣሽቱን ዓበይትን ብልዓ።”

19 እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐን ምስ ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ረኣኹ።+ 20 እቲ ኣራዊት ድማ ተታሕዘ፣ እቲ ነቶም ምልክት እቲ ኣራዊት እተቐበሉን+ ንምስሉ ዝሰገዱን+ ዘስሓተሉ ትእምርትታት ኣብ ቅድሚኡ ዝገበረ ናይ ሓሶት ነብዪ+ እውን ምስኡ ተታሕዘ። ብህይወቶም ከለዉ፡ ክልቲኦም ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ተደርበዩ።+ 21 እቶም ዝተረፉ ግና በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ እተወጥሐ ዚወጽእ ነዊሕ ሰይፊ ተቐትሉ።+ ኵለን ኣዕዋፍ ከኣ ስጋኦም በሊዐን ጸገባ።+

20 መፍትሕ መዓሙቝን+ ሓደ ዓብዪ ሰንሰለትን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ መልኣኽ ድማ፡ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣኹ። 2 ንሱ ኸኣ ነቲ ገበል፡+ ነቲ ድያብሎስን+ ሰይጣንን+ ዝዀነ ናይ ጥንቲ ተመን+ ሓዞ፣ 1,000 ዓመት እውን ኣሰሮ። 3 እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ከኣ፡ ናብ መዓሙቝ+ ደርብዩ፡ ዓጽዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓተመ። ድሕርዚ፡ ንቝሩብ ግዜ ኺፍታሕ ይግብኦ እዩ።+

4 ዝፋናት ድማ ረኣኹ፣ እቶም ኣብኡ እተቐመጡ ኸኣ ኪፈርዱ ስልጣን ተዋህቦም። ነፍሳት* እቶም ብዛዕባ የሱስ ብምምስካሮምን ብዛዕባ ኣምላኽ ብምዝራቦምን እተቐንጸሉ፡* ነቲ ኣራዊት ኰነ ንምስሉ ድማ ዘይሰገዱ፡ ኣብ ግምባሮምን ኣብ ኢዶምን ከኣ ምልክቱ ዘይተቐበሉ ረኣኹ።+ ህያዋን ኰይኖም ከኣ፡ ምስ ክርስቶስ 1,000 ዓመት ነገሱ።+ 5 (እቶም ዝተረፉ ምዉታት፡+ እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ፡ ህያዋን ኣይኰኑን።) እዚ እቲ ቐዳማይ ትንሳኤ እዩ።+ 6 ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳኤ ግደ ዘለዎ ዘበለ ሕጉስን ቅዱስን እዩ፣+ ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ኪዀኑ፡+ ምስኡ እውን 1,000 ዓመት ኪነግሱ እዮም እምበር፡+ እቲ ኻልኣይ ሞትሲ+ ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።+

7 እተን 1,000 ዓመት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ 8 እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዘለዉ ኣህዛብ፡ ማለት ንጎግን ማጎግን፡ ናብ ውግእ ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኬስሕቶም ኢሉ ኺወጽእ እዩ። ንሳቶም ድማ ቍጽሮም ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። 9 ኣብ ልዕሊ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ገስገሱ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍትውቲ ኸተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ግና ሓዊ ወሪዱ በልዖም።+ 10 እቲ ዜስሕቶም ድያብሎስ ከኣ ናብቲ እቲ ኣራዊትን+ እቲ ናይ ሓሶት ነብይን+ እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ድማ መዓልትን ለይትን ኪሳቐዩ* እዮም።

11 ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን ኣብኡ እተቐመጠን ከኣ ረኣኹ።+ ምድርን ሰማይን ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ፡+ ቦታ እውን ኣይተረኽበሎምን። 12 ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ንኣሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ረኣኹ፣ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እውን ተቐልዐ። ካልእ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እውን ተቐልዐት፣ እዚኣ፡ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እያ።+ እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ ጥቕላላት መጻሕፍቲ እተጻሕፈ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።+ 13 ባሕሪ ኸኣ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፣ ሞትን መቓብርን* እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።+ 14 ሞትን መቓብርን* ድማ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ።+ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት፡+ ማለት ቀላይ ሓዊ እዩ።+ 15 ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ዘበለ ኸኣ፡+ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።+

21 እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም፡+ ባሕሪ+ እውን ደጊም የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ረኣኹ።+ 2 እታ ቕድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንሰብኣያ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡+ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ እውን ረኣኹ።+ 3 ካብቲ ዝፋን ከኣ ከምዚ ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ፦ “እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ።+ 4 ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣+ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡+ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ።+ እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”

5 እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡+ “እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣለኹ” በለ።+ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ” ድማ በለኒ። 6 ከምዚ እውን በለኒ፦ “ኰይኑ! ኣልፋን ኦሜጋን፡* መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።+ ንዝጸምአ፡ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብናጻ* ኽህቦ እየ።+ 7 እቲ ዚስዕር፡ ነዚ ኺወርስ እዩ፣ ኣነ ኣምላኹ ክኸውን፡ ንሱ እውን ወደይ ኪኸውን እዩ። 8 እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን+ ብጽያፎም ዜፈንፍኑን ቀተልቲ ነፍስን+ ኣመንዝራታትን*+ መናፍስታዊ ተግባራት ዚገብሩን ኣምለኽቲ ጣኦትን ኵሎም ሓሰውትን+ ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ።+ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ።”+

9 ሓደ ኻብቶም በቲ ዳሕሮት ሸውዓተ መዓት ዝመልአ ሸውዓተ ጭሔሎ ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ+ መጺኡ ኸኣ፡ “ንዓ እሞ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡*+ ከርእየካ እየ” በለኒ። 10 ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፣ እታ ቕድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ፣+ 11 ክብሪ ኣምላኽ እውን ነበራ።+ ድምቀት ብርሃና ኸኣ ከም ኣዝዩ ኽቡር እምኒ፡ ከምቲ ኸም ጽሩይ ክሪስታል ዜብርህ እምኒ ያስጲስ ነበረ።+ 12 ዓብይን ነዊሕን መካበብያን 12 ኣፍ ደገታትን ነበራ፣ ኣብቲ ኣፍ ደገታት ድማ 12 መላእኽቲ ነበሩ፣ ኣብቲ ኣፍ ደገታት እውን ስማት እቶም 12 ነገዳት ደቂ እስራኤል ተጻሒፉ ነበረ። 13 ብምብራቕ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ብሰሜን ድማ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ብደቡብ ከኣ ሰለስተ ኣፍ ደገ፡ ብምዕራብ ድማ ሰለስተ ኣፍ ደገ ነበረ።+ 14 መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ 12 እምኒ መሰረት ነበሮ፣ ኣብኡ ድማ 12 ስማት እቶም 12 ሃዋርያት+ እቲ ገንሸል ነበረ።

15 እቲ ዚዛረበኒ ዝነበረ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ኣፍ ደገታታን ነቲ መካበብያኣን ምእንቲ ኺዕቅነሉ፡ ሻምብቆ ወርቂ ኸም መዐቀኒ ሒዙ ነበረ።+ 16 እታ ኸተማ ድማ ትርብዒት ነበረት፣ ንውሓታ እውን ክንዲ እቲ ግፍሓ ነበረ። በቲ ሻምብቆ ድማ ነታ ኸተማ ዓቀና እሞ 12,000 ስታድያ* ዀነት፣ ንውሓታን ግፍሓን ቍመታን ከኣ ማዕረ ነበረ። 17 ነቲ መካበብያኣ ድማ ዓቀኖ እሞ ብመዐቀኒ ሰብ፡ ብመዐቀኒ መልኣኽ እውን፡ 144 እመት* ኰነ። 18 እቲ መካበብያኣ ኸኣ ብያስጲስ+ እተገብረ ነበረ፣ እታ ኸተማ እውን ከም ጽሩይ መረጼን ዚመስል ጽሩይ ወርቂ ነበረት። 19 መሰረታት መካበብያ እታ ኸተማ ኸኣ ብኽቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ ነበረ፦ እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፊሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ 20 እቲ ሓምሻይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሻድሻይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሻውዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሻምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታሽዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ ነበረ። 21 እቲ 12 ኣፍ ደገ ድማ 12 ሉል ነበረ፣ ነፍሲ ወከፍ ኣፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ ነበረ። ጐደና እታ ኸተማ ኸኣ ከም ጽሩይ መረጼን ዚመስል ጽሩይ ወርቂ ነበረ።

22 እቲ ዅሉ ዚኽእል+ የሆዋ* ኣምላኽ ቤተ መቕደሳ እዩ፡ እቲ ገንሸል እውን ከምኡ እዩ እሞ፡ ኣብኣ ቤተ መቕደስ ኣይረኣኹን። 23 ነታ ኸተማ፡ ክብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ፡+ መብራህታ እውን እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡+ ጸሓይ ወይ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ። 24 ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ፡+ ነገስታት ምድሪ እውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። 25 ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ኣፍ ደገታታ ብመዓልቲ ኸቶ ኣይኪዕጾን እዩ።+ 26 ግርማን ክብርን ኣህዛብ ከኣ ናብኣ ኼምጽኡ እዮም።+ 27 እቶም ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት እቲ ገንሸል እተጻሕፉ ደኣ እዮም ዚኣትዉ እምበር፡+ ርኽሰት ዘበለን ጽያፍን ዜታልል ነገርን ዚገብር ዘበለን ናብኣ ኸቶ ኣይኪኣቱን እዩ።+

22 ካብ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን*+ ዝፋን ዚውሕዝ ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ፈለግ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፣+ 2 ብማእከል እቲ ጐደና ድማ ይውሕዝ ነበረ። ብኽልቲኡ ሸነኽ እቲ ፈለግ ከኣ፡ ኣብ ወወርሒ እናፈረያ፡ ኣብ ዓመት 12 ሳዕ ዚፈርያ ኣእዋም ህይወት ነበራ። ኣቝጽልቲ እተን ኣእዋም ድማ፡ ፈውሲ ኣህዛብ እዩ።+

3 ደጊም ከኣ መርገም ከቶ ኣይኪኸውንን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን+ ግና ኣብታ ኸተማ ኪኸውን እዩ፣ ባሮቱ እውን ኬገልግልዎ* እዮም፣ 4 ገጹ ኸኣ ኪርእዩ እዮም፣+ ስሙ እውን ኣብ ግምባሮም ኪኸውን እዩ።+ 5 የሆዋ* ኣምላኽ ድማ ኬብርሃሎም እዩ እሞ፡+ ደጊም ለይቲ ኣይኪኸውንን፡+ መብራህቲ ዀነ ብርሃን ጸሓይ ኣይኬድልዮምን እዩ፣ ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ኪነግሱ እዮም።+

6 ከምዚ ድማ በለኒ፦ “እዚ ቓል እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፣+ እወ፡ የሆዋ፡* እቲ ንነብያት ኪንበዩ ድራኸ ዝገበረ ኣምላኽ፡+ እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ ነገር ንባሮቱ ኼርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ እዩ። 7 እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ።+ እቲ ንቓል ትንቢት እዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ዚሕሉ ዘበለ ሕጉስ እዩ።”+

8 ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝረኣኽዎን፡ ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ረኣኹን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። 9 ንሱ ግና፡ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ! ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን ከምቶም ንቓል እዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ዚሕልዉን ባርያ እየ። ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ” በለኒ።+

10 ከምዚ ድማ በለኒ፦ “እቲ ምዱብ ግዜ ቐሪቡ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ኣይትሕተሞ። 11 እቲ ዓማጺ ብሕጂ እውን ይዓምጽ፣ እቲ ረሳሕ ከኣ ብሕጂ እውን ይርሳሕ፣ እቲ ጻድቕ ድማ ብሕጂ እውን ይጽደቕ፣ እቲ ቕዱስ ከኣ ብሕጂ እውን ይቀደስ።

12 “‘እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ እቲ ዝህቦ ዓስቢ ምሳይ እዩ።+ 13 ኣልፋን ኦሜጋን፡*+ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። 14 እቶም ናብተን ኣእዋም ህይወት ኪኸዱ ስልጣን ምእንቲ ኺህልዎም ኢሎም፡+ ናብታ ኸተማ ኸኣ ብኣፍ ደገታት ምእንቲ ኺኣትዉ ኢሎም፡+ ነቲ ወለል ዚብል ክዳውንቶም ዚሓጽቡ ሕጉሳት እዮም።+ 15 እቶም ኣኽላባትን* መናፍስታዊ ተግባራት ዚገብሩን ኣመንዝራታትን* ቀተልቲ ነፍስን ኣምለኽቲ ጣኦትን እቶም ሓሶት ዚፈትዉን ዚሕስዉን ዘበሉ ዅሎምን ከኣ ኣብ ወጻኢ እዮም።’+

16 “‘ኣነ የሱስ፡ ምእንቲ እተን ጉባኤታት ነዚ ነገር እዚ ኺምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ እየ። ኣነ ሱርን ዘርእን ዳዊት፡+ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ።’”+

17 እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡+ “ንዓ!” ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዚሰምዕ እውን፡ “ንዓ!” ይበል። ዝጸምአ ኸኣ ይምጻእ፣+ ዝደለየ እውን ማይ ህይወት ብናጻ ይውሰድ።+

18 “ቃል ትንቢት እዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ንዚሰምዑ ዘበሉ እምስክረሎም ኣለኹ፦ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሲኹ፡+ ኣምላኽ ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ እዚኣ ተጻሒፉ ዘሎ መዓታት ኪውስኸሉ እዩ፣+ 19 ሓደ እኳ ኻብ ቃል እዚ ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ዘሎ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕዲሉ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዛ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ተጻሒፈን ዘለዋ ኣእዋም ህይወትን+ ቅድስቲ ኸተማን+ ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ።

20 “እቲ ነዚ ነገር እዚ ዚምስክር፡ ‘እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ’ ይብል ኣሎ።”+

“ኣሜን! ጐይታና የሱስ፡ ንዓ።”

21 ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ቅዱሳት ይኹን።

ወይ፡ “ግልጸት።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ወይ፡ “‘ሀ’ን ‘ፐ’ን።” ኣልፋን ኦሜጋን ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ፊደላት ግሪኽኛ እየን።

ወይ፡ “ሃደስን፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።

ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ውሽጣዊ ስምዒትን።” ቃ.ቃ.፡ “ኰላሊትን።”

ቃ.ቃ.፡ “ሒደት ስማት።”

ወይ፡ “ሓቀኛን።”

ወይ፡ “ኢድ ከም ዚነስኡን።”

ወይ፡ “ኣብነት ተጻዋርነተይ ስለ ዝሰዓብካ” ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “ሓቀኛን።”

ወይ፡ “ቀይሕ ዝሕብሩ ኽቡር እምንን።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ክራርን።”

ወይ፡ “ዓሰርተታት ኣሽሓት ግዜ ዓሰርተታት ኣሽሓት።”

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ጻዕዳ።”

ወይ፡ “ዓወቱ ኺፍጽም።”

ወይ፡ “ቀይሕ።”

ወይ፡ “ጸሊም።”

ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ማዕረ ናይ ሓደ መዓልቲ ደሞዝ ዝዀነ ሰልዲ ብሩር ሮሜ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ወይ፡ “ሓምዅሽታይ።”

ወይ፡ “ሃደስ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ነቲ ኣብቲ መሰውኢ ዝፈሰሰ ህይወት ዝዀነ ደም ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ምናልባት ጸጕሪ ጤል።

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት የቕርቡሉ።”

ወይ፡ “ነፍሲ ዘለዎም ፍጡራት።”

ትርጉሙ፡ “ጥፍኣት።”

ትርጉሙ፡ “መጥፍኢ።”

ወይ፡ “20,000 ግዜ 10,000፡” ማለት፡ 200,000,000።

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ዘንጊ መዐቀኒ።”

ወይ፡ “ጠመትዎም።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ትርጉሙ፡ “መን ከም ኣምላኽ፧”

ወይ፡ “ኣይሰዓረን” ኪኸውን ይኽእል። እዚ ነቲ ገበል የመልክት።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ንህይወቶም።” ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ማለት፡ ሰለስተ ግዜን ፈረቓን።

ማለት፡ እቲ ገበል።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ዚቕተል” ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “መንፈስ።”

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ክራራቶም።”

ወይ፡ “ቝጥዓ።”

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ግብሮም ምሳታቶም ኪኸይድ።”

ኣስታት 296 ኪ.ሜ.። ሓደ ስታድዩም 185 ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ወይ፡ “ክራራት።”

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ወይ፡ “ነፍሲ።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ቍርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ።”

ብግሪኽኛ ሃር ማጌዶን፣ “ከረን መጊዶ” ዚብል ትርጉም ካብ ዘለዎ ናይ እብራይስጢ መጸውዒ እተወስደ።

ታለንት ግሪኽ 20.4 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ምስትውዓል።”

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ኵሉ ርኹስ ትንፋስን፣ ኵሉ እቲ ብድራኸ መንፈስ ዚዝረብ ርኹስ ዘረባን” ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “ቝጥዓ።”

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ተጓዓዝቲ ነጋዶ።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።

ወይ፡ “ነፍሳት።”

ወይ፡ “ነፍስኺ እተመነየቶ።”

ወይ፡ “ክራርን።”

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ወይ፡ “ሃሌሉያ!” ወይ ከኣ፡ “ሃሌሉያህ!” ያህ ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ጻዕዳ።”

ወይ፡ “ሓቀኛን።”

ወይ፡ “ደም እተነጽጎ” ኪኸውን ይኽእል።

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ፣ ኣብ ራእ 6:9 እ.ጽ. እውን ርአ።

ቃ.ቃ.፡ “ብፋስ እተቐንጸሉ።”

ወይ፡ “ኪቕየዱ፣ ኪእሰሩ።”

ወይ፡ “ሃደስ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “ሃደስ፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

ወይ፡ “‘ሀ’ን ‘ፐ’ን።” ኣልፋን ኦሜጋን ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ፊደላት ግሪኽኛ እየን።

ወይ፡ “ብዘይ ክፍሊት።”

ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ኣስታት 2,220 ኪ.ሜ.። ሓደ ስታድዩም 185 ሜ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ኣስታት 64 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ገንሸል ካብ ዕየት ዚዓቢ፡ ንእሽቶ ተባዕታይ በጊዕ እዩ።

ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ኬቕርቡሉ።”

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።

ወይ፡ “‘ሀ’ን ‘ፐ’ን።” ኣልፋን ኦሜጋን ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ፊደላት ግሪኽኛ እየን።

ማለት፡ እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ጽያፍ ዚገብሩ።

ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ