ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • nwt ኦብድያ 1-21
  • ኦብድያ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኦብድያ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ኦብድያ

ኦብድያ

1 ራእይ ኦብድያ፦*

እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል፦+

“ካብ የሆዋ ወረ ሰሚዕና ኣለና፣

ልኡኽ ናብ ኣህዛብ ተላኢኹ ኣሎ፦

‘ተንስኡ፡ ኣንጻራ ንውግእ ንዳሎ።’”+

 2 “እንሆ፡ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንእሽቶ ገይረካ ኣለኹ፣

ንስኻ ጠሪስካ እተነዓቕካ ኢኻ።+

 3 ኣታ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ እትነብር፡

ኣብ በሪኽ እትቕመጥ፡ ብልብኻ ድማ፡

‘መን ናብ ምድሪ ኼውርደኒ እዩ፧’ እትብል፡

ድፍረት ልብኻ እዩ ኣታሊሉካ።+

 4 ከም ንስሪ እኳ ኣብ ላዕሊ እንተ ትቕመጥ፡*

ሰፈርካ እውን ኣብ መንጎ ኸዋኽብቲ እንተ ትገብር፡

ካብኡ ኸውርደካ እየ” ይብል የሆዋ።

 5 “ሰረቕቲ እንተ ዚመጹኻ፡ ዘመትቲ እውን ብለይቲ እንተ ዚመጹኻ፡

(ከመይ ኰን ጠሪስካ ምጠፋእካ!)*

እቲ ዝደለይዎ ጥራይዶ ኣይምሰረቑን፧

ኣረይቲ ወይኒ እንተ ዚመጽኡኻኸ፡

ገለ ቐሪምዶ ኣይምሓደጉን፧+

 6 ኣየ፡ ኤሳው ክንደይ ኰን እዩ ተናድዩ!

እቲ ሕቡእ መዛግብቱ እውን ክንደይ ኰን እዩ ተደልዩ!

 7 ናብ ዶብ ሰጒጎምኻ።

ኵሎም እቶም ኪዳን ዝኣተዉልካ፡ ኣታሊሎምኻ።

እቶም ምሳኻ ሰላም ዝገበሩ፡ ስዒሮምኻ።

እቶም ምሳኻ እንጌራ ዚበልዑ፡ ኣብ ትሕቴኻ መርበብ ኪገብሩ እዮም፣

ንስኻ ግና ኣይከተስተውዕሎን ኢኻ።

 8 በታ መዓልቲ እቲኣ” ይብል የሆዋ፡

“ካብ ኤዶምሲ ጥበበኛታት፡

ካብ ኣኽራን ኤሳው ከኣ ምስትውዓልዶ ኣይከጥፍእን እየ፧+

 9 ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኽራን ኤሳው ዘሎ በቲ ማሕረዲ ኺጠፍእ እዩ እሞ፡+

ኣታ ቴማን፡+ ጀጋኑኻ ኺሽበሩ እዮም።+

10 ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓውካ ያእቆብ እተገብረ ዓመጻ፡+

ሕፍረት ኪኸድነካ እዩ፣+

ንዘለኣለም ድማ ክትጠፍእ ኢኻ።+

11 በታ ተኣሊኻ ደው ኢልካ ዝነበርካላ መዓልቲ፡

በታ መጻእተኛታት ንሰራዊቱ ናብ ምርኮ ዝወሰዱላ፡+

ጓኖት ከኣ ብኣፍ ደጊኡ ኣትዮም ንየሩሳሌም ዕጫ ዘውደቑላ መዓልቲ፡+

ከም ሓደ ኻባታቶም ነበርካ።

12 በታ መዓልቲ ሽግሩ፡ ብመዓልቲ ሓውካ ኽትድሰት፡+

በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብህዝቢ ይሁዳ ኽትሕጐስ፡+

በታ መዓልቲ ጭንቆም ከኣ፡ ብትዕቢት ክትዛረብሲ ግቡእ ኣይኰነን።

13 በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም፡ ብኣፍ ደገ ህዝበይ ክትኣቱ፡+

በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ፡ ብመዓቱ ኽትድሰት፡

በታ መዓልቲ ጥፍኣቱ ድማ፡ ኢድካ ናብ ሃብቱ ኽትዝርግሕሲ ግቡእ ኣይኰነን።+

14 ነቶም ካብኡ ዘምለጡ ንምሕራድ ኣብ መስቀላዊ መገድታት ደው ክትብል፡+

ብመዓልቲ ጭንቂ ኸኣ፡ ነቶም ካብኡ ዝተረፉ ኣሕሊፍካ ኽትህቦምሲ ግቡእ ኣይኰነን።+

15 መዓልቲ የሆዋስ ኣንጻር ኵሎም ኣህዛብ ቀሪባ እያ።+

ከምቲ ዝገበርካዮ ኽትግበር ኢኻ።+

ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኺምለስ እዩ።

16 ከምቲ ኣብ ቕዱስ ከረነይ ዝሰተኹምዎ፡

ኵሎም ኣህዛብ ወትሩ ኺሰትዩ እዮም።+

ኪሰትዩን ኪጭልጡን፡

ከም ዘይነበሩ ድማ ኪዀኑ እዮም።

17 ኣብ ከረን ጽዮን ግና ዘምለጡ ኺህልዉ እዮም፣+

ንሱ ኸኣ ቅዱስ ኪኸውን እዩ፣+

ቤት ያእቆብ እውን ርስቶም ኪርስተዩ እዮም።+

18 ቤት ያእቆብ ድማ ሓዊ፡

ቤት ዮሴፍ ከኣ ሃልሃልታ፡

ቤት ኤሳው እውን ሓሰር ኪዀኑ እዮም፣

የሆዋ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡

ኬባርዕዎምን ኪበልዕዎምን እዮም፣

ካብ ቤት ኤሳው ከኣ ሓደ እኳ ኣይኪተርፍን እዩ።+

19 ነጌብን ኣኽራን ኤሳውን፡+

ሼፈላን ምድሪ ፍልስጥኤምን ኪርስተዩ እዮም።+

መሮር ኤፍሬምን መሮር ሰማርያን ኪርስተዩ እዮም፣+

ብንያም ድማ ንጊልዓድ ኪርስተያ እዩ።

20 ምድሪ ከነኣናውያን ክሳብ ሰራጵታ+ ነቶም ስደተኛታት እዛ ዕርዲ እዚኣ፡

ንህዝቢ እስራኤል ኪዀና እየን።+

እቶም ኣብ ሰፋራድ ዝነበሩ ምሩኻት የሩሳሌም ከኣ ከተማታት ነጌብ ኪርስተዩ እዮም።+

21 መድሓንቲ ድማ ንኣኽራን ኤሳው ኪፈርዱስ፡+

ናብ ከረን ጽዮን ኪድይቡ እዮም፣

ንግስና ኸኣ ናይ የሆዋ ኪኸውን እዩ።”+

ትርጉሙ፡ “ጊልያ የሆዋ።”

ወይ፡ “እንተ ትነፍር” ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “ክንደይ ኰን መጥፍኡ፧” ኪኸውን ይኽእል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ