ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • nwt መሃልየ መሃልይ 1:1-8:14
  • መሃልየ መሃልይ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መሃልየ መሃልይ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
መሃልየ መሃልይ

መሃልየ መሃልይ

1 ናይ ሰሎሞን መሃልየ መሃልይ፦*+

 2 “ብምስዓም ኣፉ ይስዓመኒ፣

መግለጺ ፍትወትካሲ ኻብ ወይኒ ይጥዕም።+

 3 መዓዛ ዘይትኻ ባህ ዜብል እዩ።+

ስምካ ኸም ዝፈሰሰ ምዑዝ ዘይቲ እዩ።+

ስለዚ እየን ኣዋልድ ዜፍቅራኻ።

 4 ምሳኻ ውሰደኒ፣* ንጕየ።

ንጉስ ናብ ውሽጣዊ ኽፍልታቱ ኣምጺኡኒ!

ብኣኻ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን።

ሓለፋ ወይንስ መግለጺ ፍትወትካ ንወድስ።*

ንሳተን* ኬፍቅራኻስ ሓቀን እየን።

 5 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣነስ ጸላም እየ፣

ግናኸ፡ ከም ድንኳናት ቄዳር፡+ ከም ዓለባ ድንኳናት+ ሰሎሞን ምጭውቲ እየ።

 6 ጸሓይ ኣሕሪራትኒ እያ እሞ፡

ጸላም ስለ ዝዀንኩ፡ ኣይትጠምቱኒ።

ደቂ ኣደይ ተቘጢዖምኒ፣

ሓላዊት ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሮምኒ፣

ናተይ ኣታኽልቲ ወይኒ ግና ኣይሓሎኹን።

 7 ኣታ ዘፍቅረካ፡*

ንመጓሰኻ ኣበይ ከም እትጓሲ፡+

ቀትሪ ኣበይ ከም እተዕርፈን ንገረኒ።

ስለምንታይከ ኣብ መንጎ መጓሰ ብጾትካ

ብመጐልበቢ* ኸም እተጐልበበት ዝኸውን፧”

 8 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡

ኪዲ ኣሰር መጓሰ ስዓቢ፣

መሓስእኪ ድማ ኣብ ጥቓ ድንኳናት ጓሶት ጓስዪ።”

 9 “ፍቕርተየ፡ ኣብ መንጎ ሰረገላታት ፈርኦን ብዘላ ባዝራ* እየ ዝምስለኪ።+

10 መዓጕርትኺ ምስ ስልማት* ምጩዋት እየን፣

ክሳድኪ ምስ ድሪ ኣዕናቝ እውን ከምኡ እዩ።

11 ጌጽ ብሩር ዘለዎ

ስልማት ወርቂ ኽንገብረልኪ ኢና።”

12 “ንጉስ ኣብ መኣዱ ተቐሚጡ ኸሎ፡

ሽቶይ*+ መዓዛኡ ይህብ።

13 ፍቱወይ ንዓይ ከም ምዑዝ ቍጻር ከርበ እዩ፣+

ኣብ መንጎ ኣጥባተይ ድማ ይሓድር።

14 ፍቱወይ ንዓይ፡ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ ዔን-ገዲ፡+

ከም ዘለላ ሒና እዩ።”+

15 “እነኺ፡ ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ።

እነኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ። ኣዒንትኺ ኸም ናይ ረገቢት እየን።”+

16 “እነኻ፡ ፍቱወየ፡ ጽቡቕን ደስ እተብልን ኢኻ።+

ዓራትና ኣብ መንጎ ለምለም እዩ።

17 ኣግማል ቤትና* ቄድሮሳት፡

ሰርወታትና ኸኣ ኣእዋም ጽሕዲ* እዩ።

2 “ኣነስ ሳፍሮን ጐልጐል፡

ዕምባባ ሹሻን ስንጭሮታት ጥራይ እየ።”+

 2 “ፍቕርተይሲ ኣብ መንጎ ኣዋልድ፡

ኣብ መንጎ እሾዅ ከም ዘላ ዕምባባ ሹሻን እያ።”

 3 “ፍቱወይሲ ኣብ መንጎ ኣወዳት፡

ኣብ መንጎ ኣእዋም ዱር ከም ዘሎ ኦም ቱፋሕ እዩ።

ኣብ ጽላሉ ክቕመጥ ብርቱዕ ትምኒት ኣሎኒ፣

ፍሪኡ ድማ ጥዑም እዩ ዚጥዕመኒ።

 4 ናብ ቤት ድግስ* ወሰደኒ፣

ኣብ ልዕለይ ዘሎ ሰንደቕ ዕላማኡ ፍቕሪ እዩ።

 5 ብፍቕሪ ሓሚመ እየ እሞ፡

ብጎጎ ዘቢብ ኣበርትዑኒ፡+

ብቱፋሕ ድማ ዓንግሉኒ።

 6 ጸጋመይቲ ኢዱ ተተርእሰኒ፣

የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ትሓቝፈኒ።+

 7 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡

ብሰስሓን+ ብእራብ መሮርን አምሕለክን ኣለኹ፦

ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።+

 8 ድምጺ ፍቱወይ!

ኣኽራን እናሓዀረ፡ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት እናዘለለ

እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ።

 9 ፍቱወይ ከም ሰስሓን ከም ውላድ እራብን እዩ።+

ብድሕሪ መንደቕና ደው ኢሉ፡

ብመስኰት ይጥምት፡

ብዓይነ ርግቢ ይምልከት እንሆ።

10 ፍቱወይ ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡኒ፦

‘ፍቕርተየ፡ ተንስኢ፣

ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ።

11 እንሆ፡ ክረምቲ ሓሊፉ።

ዝናም ከኣ ተወዲኡ፡ ከይዱ።

12 ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእዩ፣+

ግዜ ምጥጣፍ ኣኺሉ፣+

መዝሙር ባሬቶ ድማ ኣብ ምድርና ተሰሚዑ።+

13 ኦም በለስ ቀዳማይ በለሱ ጐጒቡ፣+

ኣታኽልቲ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዛኡ ኣውጺኡ።

ፍቕርተየ፡ ተንስኢ እሞ ንዒ።

ጽብቕተየ፡ ምሳይ ንዒ።

14 ኣቲ ኣብ ልጉስ ክፋል ከውሒ፡+

ኣብ ሕቡእ ክፋል ጸድፊ ዘለኺ ርግበይ፡

ድምጽኺ ባህ ዜብል፡ መልክዕኪ እውን ምጩው እዩ እሞ፡+

መልክዕኪ ኣርእይኒ፡ ድምጽኺ ድማ ኣስምዕኒ።’”+

15 “ኣታኽልቲ ወይንና ዓምቢቡ እዩ እሞ፡

ነተን ንኣታኽልቲ ወይንና ዜበላሽዋ ወኻሩ፡

ነተን ኰራዅር ወኻሩ ሓዙልና።”

16 “ፍቱወይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እውን ናቱ እየ።+

ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።+

17 ፍቱወየ፡ መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡* ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሃድምሲ፡

ከምታ ኣብ ኣኽራን ፍልልይ* ዘላ ሰስሓ+ ወይ ውላድ እራብ፡+

ቀልጢፍካ ተመለስ።

3 “ብለይትታት ኣብ ዓራተይ፡

ነቲ ዘፍቅሮ* ደለኽዎ።+

ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።+

 2 ክትንስእ እሞ ኣብ ከተማ ኽዘውር እየ፣

ኣብ ጐደናታትን ኣብ ኣደባባያትን

ነቲ ዘፍቅሮ* ኽደልዮ እየ።

ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።

 3 ኣብ ከተማ ዚዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ።+

‘ነቲ ዘፍቅሮ* ርኢኹምዎዶ፧’

 4 ቍሩብ ምስ ሓለፍክዎም፡

ነቲ ዘፍቅሮ* ረኸብክዎ።

ሓዝክዎ፡ ናብ ቤት ኣደይ፡

ናብ ውሽጣዊት ክፍሊ ወላዲተይ ክሳዕ ዘእትዎ፡+

ኣይሓደግክዎን።

 5 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡

ብሰስሓን ብእራብ መሮርን አምሕለክን ኣለኹ፦

ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።”+

 6 “እዚ ኸርበን ጻዕዳ ዕጣንን ዚጨኑ፡

ምስ ኵሉ ምዑዝ ዝጨናኡ ቐመም ነጋዳይ

ከም ዓንዲ ትኪ ዀይኑ ኻብ በረኻ ዚመጽእ ዘሎ እንታይ እዩ፧”+

 7 “እንሆ፡ ናይ ሰሎሞን ዓራት እዩ።

ካብ ጀጋኑ እስራኤል፡+

ስሳ ጀጋኑ ኸቢቦምዎ ኣለዉ።

 8 ኵላቶም ሰይፊ እተዓጥቁ፡

ኵላቶም ንውግእ ዝሰልጠኑ፡

ካብ ሽበራ ለይቲ ንምሕላው ከኣ፡

ነፍሲ ወከፍ ሰይፉ ኣብ ጐድኑ እተዓጥቀ እዩ።”

 9 “ንጉስ ሰሎሞን ካብ ኣእዋም ሊባኖስ ዘስርሖ

ዚጽወረሉ ዓራት* እዩ።+

10 ኣዕኑዱ ኻብ ብሩር፡

መደገፊኡ ኻብ ወርቂ እተገብረ እዩ።

መንበሩ ኻብ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እዩ፣

ውሽጡ ድማ ኣዋልድ የሩሳሌም

ብፍቕሪ ዝሰለማኦ እዩ።”

11 “ኣትን ኣዋልድ ጽዮን፡ ውጻ፡

ንንጉስ ሰሎሞን

እቲ ኣዲኡ+ ብመዓልቲ መርዓኡ፡

በታ ልቡ እተሓጐሰትሉ መዓልቲ

ዝገበረትሉ ኣኽሊል መርዓ* ገይሩ ኸሎስ ጠምታኦ።”

4 “እነኺ፡ ፍቕርተየ፡ ጽብቕቲ ኢኺ።

እነኺ፡ ጽብቕቲ ኢኺ።

ኣዒንትኺ ብድሕሪ መጐልበቢኺ ኸም ናይ ረገቢት እየን።

ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ኣኽራን ጊልዓድ ዚወርዳ

መጓሰ ኣጣል እዩ።+

 2 ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡

ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታ

ተሓጺበን ዚድይባ

እተቐምቀማ ኣባጊዕ እየን።

 3 ከናፍርኪ ኸም ቀይሕ ፍሕሶ፡

ዘረባኺ ኸኣ ደስ ዜብል እዩ።

መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺ

ኸም ምቃል ሮማን እየን።

 4 ክሳድኪ+ ኸምቲ ብመስርዕ እምኒ እተሃንጸ፡

ሽሕ ዋልታ፡

ኵሉ ኸቢብ ዋላቱ ጀጋኑ ዚስቀሎ+

ግምቢ ዳዊት እዩ።+

 5 ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸምተን

ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ዚበልዓ ኽልተ ማሕስእ፡

ከምተን ናይ ሰስሓ ማንታ እየን።”+

 6 “መዓልቲ ኽሳዕ ዚውልውል፡* ጽላሎት ከኣ ክሳዕ ዚሃድምሲ፡

ናብ ከረን ከርበ፡

ናብ ኵርባ ጻዕዳ ዕጣን ክኸይድ እየ።”+

 7 “ፍቕርተየ፡ ኵለንትናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፣+

ኣበር የብልክን።

 8 መርዓተየ፡ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ፣

ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ።+

ካብ ርእሲ ኣማና፡*

ካብ ርእሲ ሰኒር፡ ካብ ርእሲ ሄርሞን፡+

ካብ ሰፈር ኣናብስ፡ ካብ ኣኽራን ኣናብር ውረዲ።

 9 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ ልበይ ማሪኽክዮ፣+

ብሓንቲ ቘላሕታ ኣዒንትኺ፡

ብሓንቲ ዕንቊ ስልማት ክሳድኪ ልበይ ማሪኽክዮ።

10 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ መግለጺ ፍትወትኪ ኽንደይ ይጽብቕ!+

መግለጺ ፍትወትኪ ኻብ ወይኒ፡+

መዓዛ ቕብእኺ ኻብ ኵሉ ጥዑም ጨና ኣጸቢቑ ይበልጽ!+

11 መርዓተየ፡ ከናፍርኪ ኻብ ጎጎኡ ወለል ዚብል መዓር የንጠብጥብ።+

ኣብ ትሕቲ ልሳንኪ መዓርን ጸባን ኣሎ፣+

መዓዛ ኽዳውንትኺ ድማ ከም መዓዛ ሊባኖስ እዩ።

12 ሓብተየ፡ መርዓተየ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡

እወ፡ ከም እተሸጐረ ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ከም ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ።

13 ጨናፍርኪ* ገነት* ሮማን፡

ምስ ሕሩይ ፍረታት፡ ምስ ሒናን ኣትክልቲ ናርዶስን እዩ።

14 ናርዶስን+ ሳፍሮንን፡ ቃንጫን*+ ቃርፋን፡+

ምስ ኵሉ ዓይነት ኣእዋም ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ዓልወን፡+

ምስ ብሉጽ ጥዑም ጨና+ ድማ እዩ።

15 ናይ ስፍራ ኣታኽልቲ ዓይኒ ማይ፡ ፈልፋሊ ማይ ዒላ፡

ካብ ሊባኖስ ዚውሕዝ ወሓይዝ ኢኺ።+

16 ኣታ ንፋስ ሰሜን፡ ንቓሕ፣

ኣታ ንፋስ ደቡብ፡ ንዓ።

ኣብ ልዕሊ ስፍራ ኣታኽልተይ ንፈስ።*

መዓዛኡ ይዘርጋሕ።”

“ፍቱወይ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ ይምጻእ፡

ሕሩይ ፍረታቱ ድማ ይብላዕ።”

5 “ሓብተየ፡ መርዓተየ፡

ናብ ስፍራ ኣታኽልተይ ኣትየ።+

ከርበይን ሽቶይን ኣርየ።+

ጎጎ መዓረይን መዓረይን በሊዐ፣

ወይነይን ጸባይን ሰትየ።”+

“ኣቱም ኣዕሩኽ፡ ብልዑ!

ስተዩ እሞ፡ ብመግለጺ ፍትወት ስኸሩ!”+

 2 “ኣነስ ደቂሰ፡ ልበይ ግና ነቒሑ ኣሎ።+

እናተዃሕኵሐ ድምጺ ፍቱወይ ሰሚዐ!

‘ሓብተየ፡ ፍቕርተየ፡

ርግበየ፡ ፍጽምተየ፡ ክፈትለይ!

ርእሰይሲ ብኣውሊ፡

ዘው ዝበለ ጸጕረይ ብጠሊ ለይቲ ጠልቅዩ።’+

 3 ወለል ዚብል ክዳነይ ኣውጺአ እየ።

ክኽደኖዶ፧

ኣእጋረይ ተሓጺበ እየ።

ከርስሖዶ፧

 4 ፍቱወይ ኢዱ ኻብ ነዃል ማዕጾ መለሰ፣

ንዕኡ ዘሎኒ ስምዒት ከኣ ተለዓዓለ።

 5 ንፍቱወይ ክኸፍተሉ ተንሳእኩ፣

ኣእዳወይ ከርበ፡

ኣጻብዐይ ድማ ፈሳሲ ኸርበ

ኣብቲ መትሓዝ መሸጐሪ ኣንጠብጠበ።

 6 ንፍቱወይ ከፈትኩሉ፣

ፍቱወይ ግና ረሓቐ፡ ከደ።

ምስ ነቐለ፡ ተስፋ ቐበጽኩ።*

ደለኽዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብክዎን።+

ጸዋዕክዎ፡ ግናኸ ኣይመለሰለይን።

 7 ኣብ ከተማ ዚዞሩ ሓለውቲ ረኸቡኒ።

ወቕዑኒ፡ ኣቝሰሉኒ።

ሓለውቲ መካበብያ ንመጐልበብየይ ወሰድዎ።

 8 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ አምሕለክን ኣለኹ፦

ንፍቱወይ እንተ ረኺብክናኦ፡

ብፍቕሪ ኸም ዝሓመምኩ ንገራኦ።”

 9 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡

ፍቱውኪ ኻብ ካልእ ፍቱው ከመይ ኢሉ ይበልጽ፧

ከምዚ ጌርኪ እተምሕልናስ፡

ፍቱውኪ ኻብ ካልእ ፍቱው ከመይ ኢሉ ይበልጽ፧”

10 “ፍቱወይሲ ዜንጸባርቕን ቀይሕን እዩ፣

ኣብ መንጎ ዓሰርተ ሽሕ ምርኡይ እዩ።

11 ርእሱ ወርቂ፡ ጽሩይ ወርቂ እዩ።

ዘው ዝበለ ጸጕሩ፡ ሰሰው ከም ዚብል ጨናፍር ስየ፡*

ከም ኳዅ ጸሊም እዩ።

12 ኣዒንቱ ኣብ ጥቓ ወሓይዝ ማይ፡

ኣብ ጥቓ ኽሳዕ ኣፉ ዝመልአ ሓጽቢ* ኸም ዘለዋ

ብጸባ ዚሕጸባ ረገቢት እየን።

13 መዓጕርቱ ኸም መደብ ሽቱ፡+

ከም ኵምራታት ምዑዝ ኣትክልቲ እዩ።

ከናፍሩ ፈሳሲ ኸርበ ዜንጠብጥባ ዕምባባታት ሹሻን እየን።+

14 ኣእዳዉ ክሪሶሊት ዘለዎ ሲሊንደራት ወርቂ እየን።

ከብዱ ብሰፊሮስ እተሸፈነ ዅሉዕ ስኒ ሓርማዝ እዩ።

15 ኣእጋሩ ብጽሩይ ወርቂ ኣብ እተገብረ መቘሚ ዝቘመ እምነ በረድ እየን።

ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ቄድሮሳት መወዳድርቲ ዘይብሉ እዩ።+

16 ኣፉ* ኣዝዩ ጥዑም እዩ፣

ኵለንትናኡ ተባሃጊ እዩ።+

ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ፍቱወይሲ እዚ እዩ፡ ፍቑረይሲ እዚ እዩ።”

6 “ኣቲ ኻብ ኣንስቲ ዝጸበቕኪ፡

ፍቱውኪ ናበይ ከይዱ፧

ምሳኺ ኽንደልዮስ፡

ፍቱውኪ ናበይ ኣቢሉ፧”

 2 “ፍቱወይሲ ናብ ስፍራ ኣታኽልቱ፡

ናብ መደባት ኣትክልቲ ሽቱ፡

ኣብ መንጎ ስፍራ ኣታኽልቲ ኺጓስን

ዕምባባታት ሹሻን ኪቕንጥስን ከይዱ።+

 3 ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣

ፍቱወይ ድማ ናተይ እዩ።+

ንሱ ኣብ መንጎ ዕምባባታት ሹሻን ይጓሲ ኣሎ።”+

 4 “ፍቕርተየ፡ ከም ቲርጻ*+ ጽብቕቲ፡+

ከም የሩሳሌም ምጭውቲ፡+

ኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ኢኺ።+

 5 ኣዒንትኺ+ ኣይከኣልክወንን እሞ፡

ካባይ ንንየው ኣብልየን።

ጸጕርኺ ኸምተን ካብ ጎቦታት ጊልዓድ ዚወርዳ፡

መጓሰ ኣጣል እዩ።+

 6 ኣስናንኪ ኸምተን መማንታ ዝወለዳ፡

ዋላ ሓንቲአን ድማ ዕየታ ዘይሞታ

ተሓጺበን ዚድይባ

መጓሰ ኣባጊዕ እየን።

 7 መዓጕርትኺ* ብድሕሪ መጐልበቢኺ

ኸም ምቃል ሮማን እየን።

 8 ንግስትታት 60፡

ኣንስቲ ወሰን 80፡

ኣዋልድ ከኣ ቍጽሪ ዘይብለን ኣለዋ።+

 9 ግናኸ፡ ርግበይ፡+ ፍጽምተይሲ፡ ሓንቲ እያ።

ንኣዲኣ ሓንቲ እያ።

ንወላዲታ ምርጽቲ* እያ።

ኣዋልድ ርእየን፡ ሕጕስቲ ይብላኣ፣

ንግስትታትን ኣንስቲ ወሰንን ድማ ይውድሳኣ።

10 ‘ከም ወጋሕታ እትበርህ፡*

ከም ምልእቲ ወርሒ ጽብቕቲ፡

ከም ብርሃን ጸሓይ ንጽህቲ

ኣብ ዙርያ ሰንደቕ ዕላማኦም ከም ዘለዉ ሰራዊት መሳጢት ዝዀነት እዚኣ መን እያ፧’”+

11 “ኣብ ስንጭሮ* ሓድሽ ብቋል ክርኢ፡

ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ* ኽርኢ፡

ሮማን እንተ ዓምቢቡ ኽርኢ፡

ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣእዋም ካዕካዕ ወሪደ።+

12 ከይፈለጥኩስ፡

ትምኒተይ* ናብ ሰረገላታት

ክቡር* ህዝበይ ወሲዱኒ።”

13 “ተመለሲ፡ ተመለሲ፡ ኣቲ ሹላማዊት!

ክንርእየክስ

ተመለሲ፡ ተመለሲ!”

“ስለምንታይ ኢኹም ነታ ሹላማዊት እትጥምትዋ፧”+

“ንሳስ ከም ሳዕስዒት ክልተ ጕጅለ* እያ!”

7 “ኣቲ ኽብርቲ ጓል፡

ኣእጋርኪ ኣብ ኣሳእንኪ ኽንደይ ይጽብቓ!

ቅርጺ ሰለፍኪ ኸም ስልማት፡

ከም ዕዮ ኢደ ጥበበኛ እዩ።

 2 ሕምብርትኺ ኸቢብ ጭሔሎ እዩ።

እተሓዋወሰ ወይኒ ኣይጕደሎ።

ከብድኺ ብዕምባባታት ሹሻን ከም እተኸብበ

ኵምራ ስርናይ እዩ።

 3 ክልቲአን ኣጥባትኪ ኸም ክልተ ማሕስእ፡

ከምተን ናይ ሰስሓ ማንታ እየን።+

 4 ክሳድኪ+ ኸም ግምቢ ስኒ ሓርማዝ እዩ።+

ኣዒንትኺ+ ኸምተን ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ባት-ራቢም ዘለዋ

ሓጽብታት ሔስቦን+ እየን።

ኣፍንጫኺ ኸምቲ ናብ ደማስቆ ገጹ ዜርኢ

ግምቢ ሊባኖስ እዩ።

 5 ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ፣+

ዘው ዚብል ጸጕርኺ*+ ኸምቲ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ እዩ።+

ንጉስ በቲ ዛውያኺ ተማሪኹ።*

 6 ፍቕርተየ፡ ካብ ኵሉ ኣዝዩ ደስ ዜብል ንላዕልስ

ክንደይ ትጽብቒ፡ ክንደይከ ባህ ተብሊ!

 7 ቍመትኪ ኸም ኦም ስየ፡

ኣጥባትኪ ኸም ዘለላታት ተምሪ እዩ።+

 8 ‘ኣብ ኦም ስየ ኽድይብ፡

ነቲ ጨናፍር ምስ ፍሪኡ ኽሕዝ እየ’ በልኩ።

ኣጥባትኪ ኸም ዘለላ ወይኒ፡

ትንፋስኪ ኸኣ ከም ቱፋሕ ምዑዝ ይኹን።

 9 ኣፍኪ* ድማ ከም ብሉጽ ወይኒ ይኹን።”

“ከምቲ ኣብ ከናፍር እቶም ዝደቀሱ ቐስ ኢሉ ዚፈስስ፡

ንፍቱወይ ሰተት ኢሉ ይውረደሉ።

10 ኣነ ናይ ፍቱወይ እየ፣+

ትምኒቱ ኸኣ ናባይ እዩ።

11 ፍቱወየ፡ ንዓ፣

ናብ መሮር ንውጻእ፣

ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ሒና ንኹን።+

12 ተኽሊ ወይኒ እንተ ጠጢዑ፡*

ጐጕማ እንተ ነቒዑ፡+

ሮማን እውን እንተ ዓምቢቡ ኽንርኢ፡+

ኣንጊህና ተንሲእና ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ንኺድ።+

ኣብኡ ፍትወተይ ክገልጸልካ እየ።

13 ፍረታት ማንድራጎራ+ መዓዛኡ ይህብ፣

ኣብ ኣፍ ደገታትና ዅሉ ዓይነት ብሉጽ ፍረታት ኣሎ።+

ፍቱወየ፡ ሓድሽን ዝጸንሐን

ዓቚረልካ ኣለኹ።

8 “ኣየ ኸምቲ ኣጥባት ኣደይ ዝጠበወ

ሓወይ እንተ ትኸውን!

ሽዑ፡ ኣብ ወጻኢ እንተ ዝረኽበካ፡ ምሰዓምኩኻ፣+

ዋላ ሓደ እውን ኣይምነዓቐንን።

 2 ምመራሕኩኻ፣

ናብ ቤት እታ ዝመሃረትኒ ኣደይ+

መእቶኹኻ።

እተቐምመ ወይኒ፡

ጽማቝ ሮማን መስተኹኻ።

 3 ጸጋመይቲ ኢዱ መተርኣሰትኒ፣

የማነይቲ ኢዱ ኸኣ ምሓቘፈትኒ።+

 4 ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ አምሕለክን ኣለኹ፦

ባዕሉ ኽሳዕ ዜንቅድሲ፡ ፍቕሪ ኸተተንስኣ ወይ ከተበራብራ ኣይትፈትና።”+

 5 “እዛ ኣብ ፍቱዋ ተመርኲሳ

ኻብ በረኻ እትመጽእ ዘላ መን እያ፧”

“ኣብ ትሕቲ ኦም ቱፋሕ ኣንቃሕኩኻ።

ኣብኡ ኣዴኻ ቕልውላው ሓዛ።

ኣብኡ ብጻዕሪ ወለደትካ።

 6 ከም ማሕተም ኣብ ልብኻ፡

ከም ማሕተም ኣብ ቅልጽምካ ኣንብረኒ።

ፍቕርስ ከም ሞት ሓያል እያ፣+

ንበይና እትደልዮ ተወፋይነት ድማ ከም መቓብር* ጽኑዕ እዩ።

ሃልሃልታኣ ኸኣ ዚነድድ ሓዊ፡ ሃልሃልታ ያህ* እዩ።+

 7 ንፍቕርስ ብዙሕ ማያት ኬጥፍኣ፡+

ኣፍላግ ድማ ኪወስዳ ኣይክእልን እዩ።+

ሰብሲ ምእንቲ ፍቕሪ ኢሉ ዅሉ ጥሪት ቤቱ እንተ ዜቕርብ፡

እዚ* ብጥራስ ምተናዕቀ።”

 8 “ጡብ ዘየውጽአት

ንእሽቶ ሓብቲ ኣላትና።+

በታ ብዛዕባኣ ዚዝረበላ መዓልቲ

ንሓብትና እንታይ ክንገብረላ ኢና፧”

 9 “መንደቕ እንተ ዀይና፡

ኣብ ልዕሊኣ መጋረዲ ብሩር ክንሰርሕ ኢና፣

ማዕጾ እንተ ዀይና ግና፡

ብኣልዋሕ ቄድሮስ ክንዓጽዋ ኢና።”

10 “ኣነስ መንደቕ እየ፣

ኣጥባተይ ከኣ ከም ግምብታት እየን።

ስለዚ፡ ኣብ ኣዒንቱ፡

ሰላም ከም ዝረኸበት ኰንኩ።

11 ሰሎሞን ኣብ በዓል-ሃሞን ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ።+

ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ንሓለውቲ ብሕድሪ ሃቦ።

ነፍሲ ወከፎም ኣብ ክንዲ ፍሪኡ ሽሕ ብሩር የምጽኡ ነበሩ።

12 እታ ናተይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ቅድመይ እያ።

ኦ ሰሎሞን፡ ሽሕ ብሩርሲ* ናትካ፡

ክልተ ሚእቲ ድማ ናይቶም ፍሪኡ ዚሕልዉ እዩ።”

13 “ኣቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ እትቕመጢ፡+

እቶም ብጾትሲ ንድምጽኺ ጽን ይብሉ እዮም።

ንዓይ ግዳ ኣስምዕኒ!”+

14 “ፍቱወየ፡ ቀልጥፍ፣

ኣብ ኣኽራን ሽቱ፡

ከም ሰስሓ

ወይ ከም ውላድ እራብ ፍጠን።”+

ወይ፡ “መዝሙር መዝሙራት፣ ብሉጽ መዝሙር።”

ቃ.ቃ.፡ “ደድሕሬኻ ስሓበኒ።”

ወይ፡ “ንጸብጽብ።”

ማለት፡ እተን ኣዋልድ።

ወይ፡ “ኣታ ነፍሰይ እተፍቅረካ።”

ወይ፡ “ብናይ ሓዘን መጐልበቢ።”

ወይ፡ “ባዝራይ።”

ወይ፡ “ኣብ መንጎ ቝኖ ጸጕርኺ።”

ቃ.ቃ.፡ “ናርዶሰይ።”

ወይ፡ “ዓብዪ ቤትና።”

ወይ፡ “ተርሚን።”

ቃ.ቃ.፡ “ቤት ወይኒ።”

ቃ.ቃ.፡ “መዓልቲ ኽሳዕ ፍሽፍሽ ዚብል።”

ወይ፡ “ኣኽራን ቋቝራ” ኪኸውን ይኽእል። ወይ፡ “ኣኽራን ቤተር።”

ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ እተፍቅሮ።”

ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ እተፍቅሮ።”

ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ እተፍቅሮ።”

ወይ፡ “ነቲ ነፍሰይ እተፍቅሮ።”

ኣገዳሲ ሰብ ዚጽወረሉ እተሸፈነ ዓራት።

ወይ፡ “ኣኽሊል ዕምባባ፣ ኣኽሊል ቈጽሊ።”

ወይ፡ “መታልሕኪ።”

ቃ.ቃ.፡ “መዓልቲ ኽሳዕ ፍሽፍሽ ዚብል።”

ወይ፡ “መንጽር ሊባኖስ።”

ወይ፡ “ቈርበትኪ” ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”

ምዑዝ ሻምብቆ።

ወይ፡ “ፍሽፍሽ በል።”

ወይ፡ “ምስ ነቐለ፡ ነፍሰይ ወጸት።” ወይ፡ “ምስ ተዛረበ፡ ነፍሰይ ሓደገትኒ” ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “ከም ዘለላታት ተምሪ” ኪኸውን ይኽእል።

ወይ፡ “ጥርዝታት ዓይኒ ማይ” ኪኸውን ይኽእል።

ቃ.ቃ.፡ “ትንሓጉ።”

ወይ፡ “ባህ እተብል ከተማ።”

ወይ፡ “መታልሕኪ።”

ቃ.ቃ.፡ “ንጽህቲ።”

ቃ.ቃ.፡ “ኣንቈልቊላ እትጥምት።”

ወይ፡ “ርባ።”

ወይ፡ “ኣጒሙ።”

ወይ፡ “ነፍሰይ።”

ወይ፡ “ፍቓደኛታት።”

ወይ፡ “ሳዕስዒት ማሓናዪም።”

ቃ.ቃ.፡ “ርእስኺ።”

ወይ፡ “ተኣሲሩ።”

ቃ.ቃ.፡ “ትንሓግኪ።”

ወይ፡ “ኣጒሙ።”

ወይ፡ “ሲኦል፡” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።

“ያህ” ኣሕጽሮት ስም የሆዋ እዩ።

ወይ፡ “ንሱ” ኪኸውን ይኽእል።

ቃ.ቃ.፡ “ሽሕሲ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ